መናእሰይ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝሳለጡ ስራሕቲ ልምዓት ርኡይ ኣስተዋጽኦ እናበርከቱ እዮም - ኢዜአ ትግርኛ
መናእሰይ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝሳለጡ ስራሕቲ ልምዓት ርኡይ ኣስተዋጽኦ እናበርከቱ እዮም

ኣዲስ ኣበባ/ሰነ /4/2017 (ኢዜኣ) መናእሰይ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝሳለጡ ስራሕቲ ልምዓት፣ህንፀት ሃገራዊ ፕሮጀክትታትን ዘላቒ ሰላምን ርኡይ ኣስተዋፅኦ እናበርከቱ ከምዝኾኑ ከንቲባ ምምሕዳር እታ ከተማ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን።
እተን ከንቲባ ምስ ካብ ኩሎም ክፍለ ከተማታት ዝተውፃእፅኡ መናእሰይ”እጃም መናእሰይ ንኩለመዳያዊ ብልፅግና” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ዘትየን።
ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብዚ እዋን ከምዝበልኦ፤ መናእሰይ ጉልበትን ተስፋን ሃገር እዮም።
መንግስቲ ብምጣነ ሃፍቲ ዝዓበየትን ንዜጋታታ ምችውትን ሃገር ንምፍጣር ብትኹረት እናሰርሐ ከምዝርከብ ብምግላፅ፤ ኣብዚ ስራሕ እዚ ድማ እጃም መናእሰይ ወሳኒ እዩ ኢለን።
መናእሰይ ብልፅግና ኢትዮጵያ ንምርግጋፅ ምስ ኩነታት ዓርሶም ብምብቃዕ ጠንኪሮም ክሰርሑ ከምዘለዎም እውን ተዛሪበን።
ኣብታ ከተማ ኣብ ዝሳለጡ ስራሕቲ ልምዓት፣ኣብ ህንፀት ሃገራዊ ፕሮጀክትታን ዘላቒ ሰላምን መናእሰይ ርኡይ ኣስተዋፅኦ እናበርከቱ ከምዝርከቡ ሓቢረን።
ኣብ ምጣነ ሃፍቲ፣ፖለቲካን ማሕበራውን ዓውድታት ኩለመዳያዊ ተሳትፎን ተረባሕነትን መናእሰይ ንምርግጋፅ ዝተጀመሩ ስራሕቲ ተጠናኺሮም ከምዝቕፅሉ ኣረጋጊፀን።
መናእሰይ ብክእለትን ፍልጠትን ተወዳዳሪ ብምዃን ንብልፅግና ኢትዮጵያ ብትግሃት ክሰርሑ ከምዘለዎም እውን ኣገንዚበን።