ሴፍቲኔት ከተማታት መነባብሮ ዜጋታት ካብ ምምሕያሽ ብተወሳኺ ባህሊ ስራሕን ዕቋርን ኣማዕቢሉ እዩ-ሚኒስትር ጫልቱ ሳኒ



 

ኮምቦልቻ/ግንቦት/ 27/2017 (ኢዜኣ) ፕሮጀክት ሴፍቲኔት ከተማታት መነባብሮ ዜጋታት ካብ ምምሕያሽ ብተወሳኺ ባህሊ ስራሕን ዕቋርን ክምዕብል ከምዘኽኣለ ሚኒስትር ከተማን መሰረተ ልምዓትን ጫልቱ ሳኒ ገሊፀን።

ልውውጥ ልምድን ዓውደ መፅናዕትን ፕሮጀክት ስራሕ ሴፍቲኔት ከተማታት ኣብ ከተማ ኮምቦልቻ ይካየድ ኣሎ።

ሚኒስትር ከተማን መሰረተ ልምዓትን ጫልቱ ሳኒ ኣብቲ መድረኽ ከምዝበልኦ፤ መንግስቲ ከተማታት ንነበርተንን ስራሕን ምችዋት ካብ ምግባር ብተወሳኺ መነባብሮ ዜጋታት ንምምሕያሽ ብትኹረት እናሰርሐ እዩ ዝርከብ።

ስለዝኾነ እውን ብፕሮጀክት ሴፍቲኔት ከተማታት መነባብሮ ብርክት ዝበሉ ዜጋታት ብምቕያር ባህሊ ስራሕን ዕቋርን ምምዕባል ኽኢሉ እዩ ኢለን።

እቲ ፕሮጀክት ውፅኢታዊ ከምዝኾነ ብምሕባር፤ ልውውጥ ልምዲ ብምግባር ጥንካርኡ ብምቕፃልን ድኽመታቱ ብምስትኽኻልን ንቀፃሊ በጀት ዓመት ቅድመ ምድላው ምግባር ከምዝግባእ ሓቢረን።

ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኮምቦልቻ ኣይተ መሀመድኣሚን የሱፍ ብግደኦም፤ እቲ ፕሮጀክት ኣብቲ ከተማ ኣብ ትሑት ብርኪ መነባብሮ ንዝርከቡ ወገናት መነባብረኦም ምምሕያሽ ኣኽኢሉ እዩ ኢሎም።

ኣብቲ መድረኽ፤ ኣመራርሓን መዳርግቲ ኣካላትን ፈዴራልን ክልላትን ከምኡ እውን ኣብቲ ከተማ ተረባሕቲ እቲ ፕሮጀክት ዝኾኑ እናተሳተፉ እንትከውን ኣብቲ ከተማ ዝተሰርሑ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ልምዓት ከምዝጉብነዩ ትፅቢት ይግበር።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም