ባህላዊ ሜላታት ኣፈታትሓ ጎንፂ ተበፃሕነት ፍትሒ ኣብ ምርግጋፅን ኣብ ህንፀት ዘላቒ ሰላምን ዝለዓለ እጃም ኣለዎም - ኢዜአ ትግርኛ
ባህላዊ ሜላታት ኣፈታትሓ ጎንፂ ተበፃሕነት ፍትሒ ኣብ ምርግጋፅን ኣብ ህንፀት ዘላቒ ሰላምን ዝለዓለ እጃም ኣለዎም

ኣዲስ ኣበባ/ግንቦት/ 27/2017 (ኢዜኣ) ባህላዊ ሜላታት ኣፈታትሓ ጎንፂ ማሕበራዊ ሓድነት ኣብ ምሕላው፣ ተበፃሕነት ፍትሒ ኣብ ምርግጋፅን ኣብ ህንፀት ዘላቒ ሰላምን ዝለዓለ እጃም ከምዘለዎም ሚኒስቴር ፍትሒ ኣፍሊጡ።
ብምትሕብባር ሚኒስቴር ፍትሒ፣ሚኒስቴር ሰላምን ኢንስቲትዩት መፅናዕትታት ድሕንነትን ዝተዳለወ ኣብ ሃገር ቦቆል ባህላዊ ፍትሒ ዳይነትን ኣፈታትሓ ጎንፅን ጠመተ ዝገበረ ካብ ፌዴራል፣ክልላትን ምምሕዳር ከተማታትን ንዝተውፃእፅኡ ኣመራርሓን ሰብ ሞያን ሰላምን ፀጥታን ከምኡ እውን ዓቀብቲ ሕጊ፣ዳያኑን ሰብ ሞያ ሕግን ስልጠና ይወሃብ ኣሎ።
ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ፍትሒ ኤርሚያስ የማነብርሃን ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ኢትዮጵያ ወናኒት ንነዊሕ ዓመታት ዝፀንሐን ዝማዕበለን ባህላዊ ስርዓት ኣፈታትሓ ጎንፂ እያ።
ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ዘጋጥሙ ዘይምርድዳኣት ንምፍታሕ ዝሕግዙ ባህላዊ ሜላታት ኣፈታትሓ ጎንፂ ብምጥቃም ማሕበራዊ ሓድነት ኣብ ምሕላው፣ተበፃሕነት ፍትሒ ኣብ ምርግጋፅን ሓድነት ኣብ ምጥንኻርን ዝለዓለ ኣስተዋጽኦ ኣለዎም ኢሎም።
እቲ ስልጠና ዓቀብቲ ሕጊ፣ዳያኑን ሰብ ሞያ ሕግን ኣብ ባህላዊ መትከላት ፍትሒ ዘለዎም ግንዛበ ኣብ ምዕባይን ምስቲ ስሩዕ ስርዓት ፍትሒ ምኻድ ኣብ ዝከኣለሉ ኩነታትን ብምዝታይ ኣብ ሓባራዊ ምርድዳእ ንምብፃሕ ዕድል ዝፈጥር ከምዝኾነ ሓቢሮም።
ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ሰላም ከይረዲን ተዘራ (ዶ/ር) ብግደኦም፤ ባህላዊ ኣፈታትሓ ጎንፂ ንህንፀት ሰላምን ዘላቒ ልምዓትን ዘለዎ ኣስተዋጽኦ ንምጥንኻር እናተሰርሐ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።
እቲ ንክልተ መዓልቲ ዝወሃብ ስልጠና እውን ከም ሃገር ዘለዉ ማሕበራዊ ፀጋታት ብኣግባቡ ንምጥቃም ከምዘኽእል ኣረዲኦም።