ብሄራዊ ፈተና ክፍሊ 12 ንምሃብ ዘድሊ ቅድመ ምድላው ዛዚምና ኢና-ዩኒቨርሲቲታት



 

ኣዲስ ኣበባ/ሰነ/ 6/2017 (ኢዜኣ) ብሄራዊ ፈተና ክፍሊ 12 ምሃብ ዘኽእሎም ስራሕቲ ቅድመ ምድላው ምዝዛሞም ኢዜኣ ዘዘራረቦም ዝተፈላለዩ ዩኒቨርሲቲታት ገሊፆም።

ብሄራዊ ፈተና ክፍሊ 12 እዚ ዓመት ካብ 23 ሰነ ክሳብ 8 ሓምለ 2017 / ከምዝወሃብ ኣገልግሎት ምዘናን ፈተናን ትምህርቲ ምግላፁ ዝዝከር እዩ።

ኣብ መላእ እታ ሃገር ልዕሊ 600 ሽሕ ተምሃሮ ተፈጥሮን ማሕበራውን ሳይንስ እቲ ፈተና ብወረቐትን ብበይነ መረብን ከምዝወስዱ እውን እቲ ዝወፀ ፕሮግራም ይሕብር።

ኢዜኣ ሓለፍቲ ስራሕ እቲ ፈተና ካብ ዝወሃበሎም ትካላት ትምህርቲ ዩኒቨርሲቲ ሳይንስን ቴክኖሎጅን ኣዲስ ኣበባን ዩኒቨርሲቲ ሲቪል ሰርቪስ ኢትዮጵያን ኣዘራሪቡ።

ፕሬዚዳንት ዩኒቨርሲቲ ሳይንስን ቴክኖሎጅን ኣዲስ ኣበባ ደረጀ እንግዳ(/) ብሄራዊ ፈተና ክፍሊ 12 እዚ ዓመት ብወረቐትን ቴክኖሎጅን ከምዝወሃብን ነዚ ዘድሊ እኹል ምድላው ከምዝተገበረን ተዛሪቦም።

ኣብቲ ዩኒቨርሲቲ ልዕሊ 10 ሽሕ ተምሃሮ ተፈጥሮን ማሕበራውን ሳይንስ እቲ ፈተና ከምዝወስዱ ብምሕባር፤ ካብዚኣቶም ልዕሊ 6 ሽሕ ብበይነ መረብ ከምዝፍተኑ ሓቢሮም።

ስለዝኾነ እውን ምስ ናይ ዝሓለፈ ተመሳሳሊ ወቕቲ እንትነፃፀር እቲ ዩኒቨርሲቲ ብበይነ መረብ ዝፍትኖም ተምሃሮ ብዕፅፊ ከምዝወሰኸ ገሊፆም።

እቶም ተምሃሮ ናብቲ ፈተና እንትመፁ እውን መለለዪ መንነት ፋይዳ ምሓዝ ግድን ከምዝኾነ ፀሪሖም።

ምክትል ፕሬዚዳንት ጉዳያት ኣካዳሚክ ዩኒቨርሲቲ ሲቪል ሰርቪስ ኢትዮጵያ ለማ ጉዲሳ(/) ብግደኦም፤ ብብርኪ ሃገር 7 ሽሕን 916 ተምሃሮ ተፈጥሮን ማሕበራውን ሳይንስ እቲ ፈተና ኣብቲ ዩኒቨርሲቲ ከምዝወስዱ ኣረዲኦም።

ቅድሚ ሕዚ ኣብ ኣወሃህባ እቲ ፈተና ዘጋጠሙ ፀገማት ንከይድገሙ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብምውዳድ ኣድላይ ምድላው ተዛዚሙ እዩ ኢሎም።

እቲ ሃገራዊ ፈተና ተምሃሮ ብፍልጠት ኣበየናይ ብርኪ ከምዘለዉ ዓርሶም ዝፍትሽሉ ስለዝኾነ ብዘይምጭንናቕ ብስነ ልቦና ብምድላው እቲ ፈተና ንክፍተኑ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

ብፍላይ ድማ ብኦንላይን ዝፍተኑ ተምሃሮ ነቲ ፈተና ድሉዋት ካብ ምግባር ብተወሳኺ ምስ ቴክኖሎጂ ዝተኣሳሰረ ከተሓሳስቦም ዝግባእ ነገር ክህሉ ከምዘይግባእ ተዛሪቦም።

ኣብ ቀፃሊ ዓመታት እቲ ፈተና ሙሉእ ብሙሉእ ብበይነ መረብ ምሃብ ዘኽእል ምድላው እናተገበረ ከምዝኾነ ካብ ሚኒስቴር ትምህርቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ይሕብር።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም