3ይ ሃገር ለኸ ጉባኤ ሰላም "ሃይማኖት ንሰላም፣ ንምክብባርን ሕብረትን" ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ከተማ ባህር ዳር ይካየድ ኣሎ - ኢዜአ ትግርኛ
3ይ ሃገር ለኸ ጉባኤ ሰላም "ሃይማኖት ንሰላም፣ ንምክብባርን ሕብረትን" ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ከተማ ባህር ዳር ይካየድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ/ ሰነ/4/ 2017 /ኢዜኣ/3ይ ሃገር ለኸ ጉባኤ ሰላም "ሃይማኖት ንሰላም፣ ንምክብባርን ሕብረትን" ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ከተማ ባህር ዳር ይሳለጥ ኣሎ፡፡
እቲ ጉባኤ ሰላም ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያ ምስ ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ክልል ኣምሓራ ብምትሕብባር ዝተሰናደአ ኢዩ።
3ይ ሃገር ለኸ ጉባኤ ሰላም ንክልተ መዓልቲ ዝፀንሕ እዩ ።
ኣብቲ ጉባኤ ሰላም ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ኣረጋ ከበደ፣ ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ክልል ፋንቱ ተስፋዬ ሓዊሱ ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲን ካብ ኩለን ከባቢታት እቲ ክልል ዝተወከሉ ኣቦታት ትካላት ሃይማኖት ተረኺቦም።