ንሃገራውን ክልላውን ፈተናታት እዚ ዓመት ዝተማልአ ምድላው ተገይሩ እዩ-እቲ ቢሮ - ኢዜአ ትግርኛ
ንሃገራውን ክልላውን ፈተናታት እዚ ዓመት ዝተማልአ ምድላው ተገይሩ እዩ-እቲ ቢሮ

ኣዲስ ኣበባ/ግንቦት /25/2017 (ኢዜኣ) ኣብ ክልል ኦሮሚያ ንሃገራውን ክልላውን ፈተናታት 2017 ዓ/ም ሙሉእ ምድላው ከምዝተገበረ ቢሮ ትምህርቲ እቲ ክልል ገሊፁ።
ሓላፊ ቢሮ ትምህርቲ ክልል ኦሮሚያ ቶላ በሪሶ (ዶ/ር) ኣብ ክልል ኦሮሚያ ንሃገራውን ክልላውን ፈተናታት 2017 ዓ/ም ኣብ ዝተገበረ ምድላው ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፤ ኣብቲ ክልል ኣብዚ ዓመት ልዕሊ 1 ነጥቢ 5 ሚልዮን ተምሃሮ 6ይ፣8ይን 12ን ክፍሊ ንፈተና ከምዝቐርቡ ገሊፆም።
ንብሄራዊ ፈተና 12 ክፍሊ ዝተማልአ ምድላው ከምዝተገበረ ብምግላፅ፤ እቲ ፈተና ኣብ ዩኒቨርሲቲታት፣ሓዳሪ ኣብያተ ትምህርትን መሰልጠኒ መማህራን ኣዳማን ከምዝወሃብ ተዛሪቦም።
ኣብቲ ክልል ንፈተና ካብ ዝቕመጡ 233 ሽሕን 043 ተምሃሮ 12 ክፍሊ እቶም 27 ሽሕን 304 ብኦንላይን ፈተና ከምዝወስዱ ኣረዲኦም።
ኣብ ክልላዊ ፈተና እውን ልዕሊ 1 ነጥቢ 3 ሚልዮን ተምሃሮ 6ይን 8ይን ክፍሊ ፈተና ከምዝወስዱ ብምሕባር፤ ካብዚኣቶም እቶም 769 ሽሕን 176 ተምሃሮ 6ይ ክፍሊ እንትኾኑ እቶም 592 ሽሕን 224 ድማ ተምሃሮ 8ይ ክፍሊ እዮም ኢሎም።
ክልላዊ ፈተና 6ይ ክፍሊ ካብ 26 ግንቦት 2017 ዓ/ም ጀሚሩ ክልላዊ ፈተና 8ይ ክፍሊ ድማ ካብ 28 ግንቦት 2017 ዓ/ም ጀሚሩ ከምዝወሃብ እውን ተዛሪቦም።
ኣብዚ ሕዚ እዋን እቶም ፈተናታት ኣብ መፈተኒ ጣብያታት 6ይን 8ይን ክፍልታት ከምዝበፅሑ ገሊፆም።