ኢኒስቲትዩት ምርምር ኣርማወር ሀንሰን ውፅኢታት ምርምር ካብ ኢትዮጵያ ሓሊፉ ስርዓት ጥዕና ዓለም ኣብ ምምሕያሽ ርኡይ እጃም እናበርከተ እዩ - ኢዜአ ትግርኛ
ኢኒስቲትዩት ምርምር ኣርማወር ሀንሰን ውፅኢታት ምርምር ካብ ኢትዮጵያ ሓሊፉ ስርዓት ጥዕና ዓለም ኣብ ምምሕያሽ ርኡይ እጃም እናበርከተ እዩ
ኣዲስ ኣበባ/ሰነ/ 6/2017 (ኢዜኣ) ኢኒስቲትዩት ምርምር ኣርማወር ሀንሰን ውፅኢታት ምርምር ካብ ኢትዮጵያ ሓሊፉ ስርዓት ጥዕና ዓለም ኣብ ምምሕያሽ ርኡይ እጃም እናበርከተ እዩ ክብላ ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ጥዕና ፍሬህይወት ኣበበ ገሊፀን።
እቲ ኢንስቲትዩት ኣብ ጉዕዞ ምርምር 55 ዓመታት ዝተረኸቡ ውፅኢታት ንመዳርግቲ ኣካላት ዘላሊ መርሃ ግብሪ የሳልጥ ኣሎ።
ኣብቲ መርሃ ግብሪ፤ ተወከልቲ ትካላት ፌዴራልን ክልላትን፣ፕሬዚዳንትታት ዩኒቨርሲቲታት፣ተወከልቲ መራኸብቲ ሓፋሽን ፃውዒት ዝተገበረሎም ኣጋይሽን ተረኺቦም።
ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ጥዕና ፍሬህይወት ኣበበ ኣብዚ እዋን ከምዝበልኦ፤ እቲ ኢንስቲትዩት ኣብ ተመሓላለፍትን ዘይመሓላለፉን ሕማማት ምርምር ኣብ ምግባር፣ኣብ ምርምርን ፍርያትን ክትባት ዓበይቲ ውፅኢታት ዝተረኸብሉ ስራሕቲ እናሳለጠ እዩ።
ኣብ ባህላዊ መድሓኒታት ምርምር ብምግባር ኣብ ረብሓ ንክውዕሉ ኣብቲ ትካል ዝተባብዑ ጅማሮታት ከምዘለዉ እውን ፀሪሐን።
ውፅኢታት ምርምር እቲ ኢንስቲትዩት ካብ ኢትዮጵያ ሓሊፎም ኣብ ስርዓት ጥዕና ዓለም ፅልዋ ምፍጣር ዝኸኣሉ ውፅኢታት ከምዝተረኸቡ ኣረዲአን።
ካብ ወጻኢ ዝኣትው እታዎት ሕክምና ኣብ ውሽጢ ሃገር ናይ ምትካእ ሃገራዊ ፃዕሪ ውጽኢታዊ ንክኸውን እቲ ኢንስቲትዩት ዓብይ ሓላፍነት ከምዝተውሃቦ ብምግላፅ፤ እዚ ስራሕ ውፅኢታዊ ንክኸውን ምትሕብባር መዳርግቲ ኣካላት ኣድላይ እዩ ኢለን።
ውፅኢታት ምርምር ተበፃሒ ንክኾኑ መራኸብቲ ሓፋሽ ኣብ ምልላይ እጃሞም ክዋጽኡ ከምዘለዎም እውን ተዛሪበን።
ዋና ዳይሬክተር ኢኒስቲትዩት ምርምር ኣርማወር ሀንሰን ፕሮፌሰር ኣፈወርቅ ካሱ ብግደኦም፤ ውጽኢታት ምርምር እቲ ትካል ኣብ ተፈለጥቲ ዓለም ለኸ ጆርናላት ብበዝሒ እናወፁ ከምዝኾኑ ገሊፆም።
ኣብ ዓውዲ ሳይንስን ዲፕሎማስን እውን ኣብ ዘፈር ምርምር እቲ ኢንስቲትዩት ዘለዎ ፍልጠት ንጎረቤት ሃገራት ንምክፋል ከምኡ እውን ካብ ካልኦት ሃገራት ተሞኩሮ ንምውሳድ ትኹረት ዝሃቦ ጉዳይ ከምዝኾነ እውን ኣረዲኦም።