ኣብ መንጎ ባህሊ፣ቋንቋን ቴክኖሎጅን ዘሎ ምትእስሳር ብምጥንኻር ዘላቒ ልምዓት ምርግጋፅ ይግባእ - ኢዜአ ትግርኛ
ኣብ መንጎ ባህሊ፣ቋንቋን ቴክኖሎጅን ዘሎ ምትእስሳር ብምጥንኻር ዘላቒ ልምዓት ምርግጋፅ ይግባእ

ኣዲስ ኣበባ/ግንቦት /22/2017 (ኢዜኣ) ኣብ መንጎ ባህሊ፣ቋንቋን ቴክኖሎጅን ዘሎ ምትእስሳር ብምጥንኻር ዘላቒ ልምዓት ምርግጋፅ ከምዝግባእ ቢሮ ባህሊ፣ኪነ ጥበብን ቱሪዝምን ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ገሊፁ።
ብምትሕብባር ቢሮ ባህሊ፣ኪነ ጥበብን ቱሪዝምን ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ፣ምምሕዳር ሓበሬታን ድሕንነት መርበብን ከምኡ እውን ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ዝተዳለወ ካልኣይ ከተማ ሓቆፍ ጉባኤ ቋንቋን ባህልን ይሳለጥ ኣሎ።
እቲ ጉባኤ፤ “ባህሊ፣ቋንቋን ቴክኖሎጂን ንዕቤት”ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ እዩ ዝካየድ ዘሎ።
ሓላፊት ቢሮ ባህሊ፣ኪነ ጥበብን ቱሪዝምን ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ሂሩት ካሳው(ዶ/ር) ኣብዚ እዋን ከምዝበልኦ፤ ባህልን ቋንቋን መግለፂ መንነት ሓደ ማሕበረሰብ ካብ ምዃኖም ብተወሳኺ ማሕበራዊ ምትእስሳር ዘጠናኽሩ ፀጋታት እዮም።
ኢትዮጵያ ወናኒት ብዝሃ ባህልን ቋንቋን ስለዝኾነት ቋንቋን ባህልን ምስ ቴክኖሎጂ ብምትእስሳር ንዘላቒ ልምዓት ምውዓል ከምዝግባእ ተዛሪበን።
ኣብ መንጎ ባህላዊ ፀጋታትን ፍልጠታትን ከምኡ እውን ኣብ መንጎ ባህሊ፣ቋንቋን ቴክኖሎጅን ዘሎ ምትእስሳር ብምጥንኻር ዘላቒ ልምዓት ምርግጋፅ ከምዝግባእ ኣረዲአን።
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ዳይሬክተር ዓለም ለኸ ርክብን ምትሕብባርን ከምኡ እውን ተወካሊት ፕሬዚዳንት እቲ ዩኒቨርሲቲ ራሄል ኣርጋው(ዶ/ር) ብግደአን፤ እቲ ዩኒቨርሲቲ ኣብታ ሃገር ኩለመዳያዊ ብልፅግናን ዕቤትን ንምርግጋፅ ምስ ዝተፈላለዩ ሃገራውን ዓለም ለኻውን ትካላት ብምትሕብባር እናሰርሐ እዩ ዝርከብ ኢለን።
ማእኸል መፅናዕቲ ባህልን ቋንቋን ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲ ባህልን ቋንቋን ውጽኢታዊ ስራሕ እናሳለጠ ከምዝኾነ ብምሕባር፤ እቲ ማእኸል ቋንቋን ባህልን ምስ ቴክኖሎጂ ምምዕባል ዘኽእሉ ስራሕቲ እናሳለጠ ከምዝርከብ እውን ገሊፀን።