ምልዕዓል ፅርይቲ ኢትዮጵያ ካብ ብኸለት ዝተናገፈት ኢትዮጵያ ክውን ንምግባር ጡጡሕ ባይታ ፈጢሩ እዩ - ኢዜአ ትግርኛ
ምልዕዓል ፅርይቲ ኢትዮጵያ ካብ ብኸለት ዝተናገፈት ኢትዮጵያ ክውን ንምግባር ጡጡሕ ባይታ ፈጢሩ እዩ

አዲስ አበባ/ ግንቦት /27/2017(ኢዜአ)፦ ፋላማይ ዙርያ ምልዕዓል ፅርይቲ ኢትዮጵያ ካብ ብኸለት ዝተናገፈት ኢትዮጵያ ክውን ንምግባር ጡጡሕ ባይታ ምፍጣሩ ዋና ዳይሪክተር ባዓል መዚ ሓላዋ ከባቢ ኢንጂነር ሌሊሴ ነሜ ገሊፀን ።
ካልኣይ ዙርያ ምልዕዓል ፅርይቲ ኢትዮጵያ ካብ ወርሒ ግንቦት 28/2017 ዓ/ም ጀሚሩ ብብርኪ ሃገር ከምዝካየድ ኣመልኪተን ።
ፅርይቲ ኢትዮጵያ ባህሊ ዜጋታት ንምግባር ብትኹረት ይስራሕ ኣሎ ዝበላ እተን ባዓል መዚ ፦እቲ ምልዕዓል ን6 ወርሒ ዝካየድ እንትኸውን፥ ግንዛበ ንኸዓቢ ምግባር፣ ሕጊ ምኽባርን ሰናይ ተሞክሮ ዘለዎም ኣካላት ኣፍልጦ ኣብ ምሃብን ዘተኮረ ኢዩ ኢለን።
ኣብቲ ምልዕዓል ካብ ብኽለት ፕላስቲክ ከምኡ እውን ብኽለት ማይን ሓመድን ኣብ ቐፃሊ ንከይህሉ ብትኹረት ከምዝስራሕ ሓቢረን።
ፅርይቲ ዝኾነት ኢትዮጵያ ንወለዶ ንምምሕልላፍ ኩሉ ማሕበረሰብ ናይ ባዕሉ ሓላፍነት ንኽዋፃእ እውን ፀዊዐን።
ኣብቲ ምልዕዓል ስርሓቲ ምክልኻል ብኸለት ማይ፣ ወፍሪ ፅሬትን ኣታኣላልያ ደረቐ ጋሓፍን ውፁኡ ብዝኾነ መልክዕ ከምዝትግበር ኣፍሊጠን ።