ወለዶ ብፍልጠት ኣብ ምህናፅ ኣስተዋፅኦ መማህራን ዝለዓለ እዩ-ርእሰ ምምሕዳር ኣረጋ ከበደ




 

ባህር ዳር/ግንቦት/ 27/2017 (ኢዜኣ) ኣብ ህንፀት ሃገርን ወለዶ ብፍልጠት ኣብ ምህናፅን እጃም መማህራን ዝለዓለ ከምዝኾነ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ኣረጋ ከበደ ተዛሪቦም።

ትምህርቲ ብመማህራን ይቕረፅ፤ ሃገር ብትምህርቲ ይምዕብልኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ መድረኽ መዛዘሚ ክልላዊ ዘተ መማህራን ኣብ ከተማ ባህር ዳር ይካየድ ኣሎ።

ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ኣረጋ ከበደ ኣብዚ እዋን ከመዝበልዎ፤ ዕቤት ሃገር ዝረጋገፅ ዝተምሃረን ዝሰልጠነን ሓይሊ ሰብ ኣብ ኩሎም ዓውድታት ብቐፃልነት ምፍራይ እንትከኣል እዩ።

ስለዝኾነ እውን ኣብ ክልልና ዝርከቡ መማህራን ፀገም ተፃዊሮም ወለዶ ብስነ ምግባርን ፍልጠትን ኣብ ምህናፅ እጃሞም ልዑል እዩ ኢሎም።

ኣብቲ ክልል ስምብራት ትምህርቲ ንምፅጋን ብሓባር ምርብራብ ከምዘድሊ እውን ሓቢሮም።

ብመዓርግ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር መተሓባበሪት ማሕበራዊ ዘፈርን ሓላፊት ቢሮ ትምህርቲ እቲ ክልልን ሙሉነሽ ደሴ(/) ብግደአን፤ ዓውዲ ትምህርቲ እቲ ክልል ብውፅኢታውነት ንምቕፃል ብምውዳድ ምስራሕን ምጥንኻርን ከምዝግባእ ተዛሪበን።

ኣብቲ መድረኽ ዘተ፤ ኩነታት ትማሊ፣ሎምን ፅባሕን ብዝግባእ ብምርዳእ ጠንካራ ጎንታት ኣብ ምትብባዕን ኣብ መፍትሒ ፀገማትን ብሓባር ምርብራብ ይግባእ ኢለን።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም