ነበር ተፃዋታይ ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ሙሉጌታ ከበደ ብዘጋጠሞ ሕማም ብሕክምና ሓገዝ ክግበረሉ ድሕሪ ምፅናሕ ሎሚ ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልዩ - ኢዜአ ትግርኛ
ነበር ተፃዋታይ ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ሙሉጌታ ከበደ ብዘጋጠሞ ሕማም ብሕክምና ሓገዝ ክግበረሉ ድሕሪ ምፅናሕ ሎሚ ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልዩ

ኣዲስ ኣበባ/ ሰነ/4/ 2017 /ኢዜኣ/ካብ ሞንጎ ክፍሊ ኮኾባት ተፃዋታይ ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ሙሉጌታ ከበደ ብዘጋጠሞ ሕማም ብሕክምና ሓገዝ እናተገበረሉ ድሕሪ ምፅናሕ ሎሚ መዓልቲ ዓሪፉ፡፡
ሙሉጌታ ከበደ ኣብ ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያን ጋንታ ቅዱስ ጊዮርጊስን ንብዙሓት ዓመታት ብልዑል ብቕዓት ተፃዊቱ ኢዩ፡፡
ኣብ ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያን ጋንታ ቅዱስ ጊዮርጊስን ኣብ ዝነበሮ ፃንሑት እውን ኣምበል ብምዃን ክፃወት ክኢሉ ነይሩ።
ብ1970ን 80ታትን ኣብ ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ኮኸብ ውሩይ ተፃዋታይ ሙልጌታ ከበደ ኣብ ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ክሳብ ሕዚ ካብ ዝተርኣዩ ኮኸባት ተፃወትቲ ሓደ ከምዝነበረ ይዝከር።