ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ ናይ ለውጢ ዓመታት ብዘፈር ቱሪዝም ልዑል ውፂኢታት ተመዝጊቦም -ሚነስትር ድኤታ ስለሺ ግርማ




 

ደሴ/ ግንቦት /23/2017(ኢዜአ)- ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ ናይ ለውጢ ዓመታት ብዘፈር ቱሪዝም ልዑል ውፂኢታት ተመዝጊቦም  ክብሉ ሚነስትር ድኤታ ቱሪዝም ስለሺ ግርማ ገሊፆም ።

ዓለም ለኸ ማዓልቲ ሙዚየም "ታራ ሙዚየም ቅልጡፍን ተለዋዋጥን ኣብ ዝኾነ ማሕበረሰብ" ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስትን  ክልልን ሰብ ሞያ እቲ ዘፈር ኣብ ዝተረኸብሉ ኣብ ከተማ ደሴ ተኸቢሩ ።

ኣብ እቲ መርሃ ግብሪ ዝተረኸቡ ሚኒስተር ዴኤታ ቱሪዝም ስለሺ ግርማ፤ ኣብ ለውጢ ዓመታት ብፍላይ ብመዳይ ቱሪዝም ዘዕግብ ተግበር ምስላጡ ኣልዒሎም ።

ኢትዮጵያ ባዓል ዋና ብርክት ዝበሉ ኣደነቐቲ መስህባት ቱሪስት እንትኾነት እውን ኣልሚዓ ከይተጠቐምትሎም ምፅንሓ ኣዘኻኺሮም ንሃገራዊ ለውጢ ስዒቡ ግና ብርክት ዝበሉ ልምዓታዊ ስርሓትታት ምስላጦም ሓቢሮም

ብማዳይ ልምዓታዊ ስርሓትታት ታራ ቀዳማይ ሚኒስተር ዐብይ ኣሕመድ (/) መተካእታ ዘይብሉን ልዑልን ግደ ምፅዋቶም ኣመልኪቶም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም