ፖለቲካ - ኢዜአ ትግርኛ
ፖለቲካ
ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀስላሴ ንምክትል ዋና ፀሓፊ ማሕበራውን ኢኮኖሚያውን ጉዳያት ውድብ ሕቡራት መንግሥትታት ሊ ጁንዋን ኣዘራሪቦም
May 8, 2026 498
ኣዲስ ኣበባ/ሚያዝያ 30/2018 (ኢዜኣ) ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ታዬ ኣፅቀስላሴ ንምክትል ዋና ፀሓፊ ማሕበራውን ኢኮኖሚያውን ጉዳያት ውድብ ሕቡራት መንግሥትታት ሊ ጁንዋን ኣዘራሪቦም። እቶም ፕሬዚዳንት ብምክትል ዋና ፀሓፊ ማሕበራውን ኢኮኖሚያውን ጉዳያት ውድብ ሕቡራት መንግሥትታት ሊ ጁንዋን ንዝተመርሑ ላዕለዎት ኣባላት ቦርድ ኣማኻሪ ስራሕ ኣብ ቤት ፅሕፈቶም ተቐቢሎም ኣዘራሪቦም። ብምክትል ዋና ፀሓፊ ማሕበራውን ኢኮኖሚያውን ጉዳያት ውድብ ሕቡራት መንግሥትታት ሊ ጁንዋን ዝተመርሑ ላዕለዎት ኣባላት ቦርድ ኣማኻሪ ስራሕ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዑደት ስራሕ ይገብሩ ኣለዉ። ዋና ዕላማ እቲ ዑደት ኣፈፃፅማ ዘላቒ ሽቶታት ብብርኪ ኣህጉር ዘለዎ ኩነታት ንምግምጋም ከምዝኾነ ተገሊፁ። ምክትል ዋና ፀሓፊ ማሕበራውን ኢኮኖሚያውን ጉዳያት ውድብ ሕቡራት መንግሥትታት ሊ ጁንዋን ምስ ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ታዬ ኣፅቀስላሴ ድሕሪ ምዝታዮም ምስ ኢዜኣ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት፤ ምስ ፕሬዚዳንት ታዬ ዝነበሮም ዘተ ውፅኢታዊ ከምዝነበረ ሓቢሮም። ኣብዚ ሕዚ እዋን ኢትዮጵያ ተመዝግቦ ዘላ ዝነኣድ ዕቤትን ምስሊ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ምልዋጡን ኣዝዩ ዝተባባዕ እዩ ኢሎም። ኢትዮጵያ ኣብ ዕዉት ጉዕዞ ልምዓት ከም ትርከብ ብምግላፅ፤ እዚ ሰናይ ተሞኩሮ እውን ኣብ ዓለም ለኸ መድረኽ ቀሪቡ ኣብ ምዕባይ ንዝርከባ ሃገራት ከም ዓብይ ትምህርቲ ከገልግል ዝኽእል ከምዝኾነ ኣረዲኦም። ኣጀንዳ 2030 ንምቅልጣፍን ድሕሪ 2030 ዘሎ ዓለም ለኸ ሽቶ ልምዓት ንምሕንፃፅን ምስ መዳርግቲ ኣካላት ኣፍሪካ ዝግበር ዘተ ተጠናኺሩ ከም ዝቕፅል እውን ኣረጋጊፆም። ዋና ፀሓፊ ኮሚሽን ኢኮኖሚክ ኣፍሪካ(ECA) ክላቨር ጋቴቴ ብግደኦም ከምዝበልዎ፤ ኢትዮጵያ ንዕዉትነት ዓለም ለኸ ልምዓት ፋይናንስ ካብ መጀመርያ ጀሚሩ ቁልፊ እጃም ኣለዋ። ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝረአ ዘሎ ኩለ መዳያዊ ለውጥን ዕቤትን እቲ ጉጅለ ልኡኽ ከምዘደመሞ እውን ተዛሪቦም። ነቲ ዝተመዝገበ ዓወት እውን ንቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)ን ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀስላሴን ዘለዎም ናእዳን ምስጋናን ኣቕሪቦም።
ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ ዋንነት፣ሓቛፍነትን ኣሳታፊነትን ኩሎም ኢትዮጵያውያን ዘረጋግፅ ስራሕ እናሳለጠ እዩ
May 8, 2026 377
ኣዲስ ኣበባ/ሚያዝያ 30/2018 (ኢዜኣ) ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ ዋንነት፣ሓቛፍነትን ኣሳታፊነትን ኩሎም ኢትዮጵያውያን ዘረጋግፅ ስራሕ እናሳለጠ ከምዝኾነ ኮሚሽነር እቲ ኮሚሽን ዮናስ ኣዳዬ(ዶ/ር) ገሊጾም። ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ ኣማራፂ ሰላም ተቐቢሎም ምስ ዝመፁ ኣባላት ህዝባዊ ትካል ኣምሓራ ፋኖ ንሰለስተ መዓልትታት ዝገበሮ ምኽክረ ብዝምልከት መግለፂ ሂቡ። እቲ መግለፂ ዝሃቡ ኮሚሽነር እቲ ኮሚሽን ዮናስ ኣዳዬ(ዶ/ር) ከምዝበልዎ፤ ኣብቲ ሃገራዊ ምኽክር ሓቛፍነትን ኣሳታፊነትን ኩሎም ኢትዮጵያውያን ዘረጋግፅ ስራሕ ምትእኽኻብ ኣጀንዳ እናተሰርሐ እዩ። ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ዕጥቃዊ ቃልሲ ዝነበሩን ኣማራፂ ሰላም ዝተቐበሉን ኣካላት ኣብቲ ሃገራዊ ምኽክር ዝሳተፍሉ ዕድል ከምዝተመቻቸወ እውን ከም ኣብነት ፀሪሖም። ኣማራፂ ሰላም ዝተቐበሉ ነበር ዕጡቓት እቲ ክልል ኣለውኒ ዝብልዎም ኣጀንዳታት ብምውዳድ ንኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ከምዘረከቡ ኣፍሊጦም። ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ መዓልትታት ዕዉት ምኽክር ከምዝተኻየደ ብምግላፅ፤ ኣብ ቀፃሊ እውን ምስ ካልኦት ወገናት ተመሳሳሊ ከይዲ ምኽክር ንምግባር ብትኹረት እናተሰርሐ ከምዝኾነ ኣረዲኦም። ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ ብቅዋም ሓቛፍነትን ኣሳታፊነትን ኩሉ ኣካል በዓል ዋና እቲ ምኽክር ንክኾኑ ምግባር ዘኽእል ስራሕ እናሳለጠ እዩ ዝርከብ ኢሎም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ኔዘርላንድስ ሮብ ጄተን ብስልኪ ዘትዮም
May 6, 2026 601
ኣዲስ ኣበባ/ሚያዝያ 28/2018 (ኢዜኣ) ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ኔዘርላንድስ ሮብ ጄተን ውፅኢታዊ ዘተ ስልኪ ገይሮም። ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ኔዘርላንድስ ሮብ ጄተን ውፅኢታዊ ዘተ ስልኪ ገይርና ኢሎም። ኣብ ዘተኦም እውን ኣብ ዙርያ ክልቲኣዊ ጉዳያት ከምዝዘተዩ ብምግላፅ፤ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ዘለዎም ምትሕብባር ብዝበለፀ ምጥንኻር ኣብ ዘኽእሉ መንገድታት እውን ሓሳብ ከምዝተለዋወጡ ኣፍሊጦም።
ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ዝፍፅሞ ዘሎ ግፍዒ ፀላኢ ህዝቢ ኮይኑ ከም ዝቐጸለ ዘርኢ እዩ- ምምሕዳር ብሄረሰብ ዋግ ኽምራ
May 2, 2026 1010
ሰቖጣ፤ ሚያዚያ 24/2018(ኢዜኣ)፦ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ዝፍፅሞ ዘሎ ግፍዒ ፀላኢ ህዝቢ ኮይኑ ከም ዝቐጸለ ዘርኢ ከም ዝኾነ ምምሕዳር ብሄረሰብ ዋግ ኽምራ ኣፍሊጡ፡፡ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶሪያ ብምጥሓስ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዘፍፅሞ ዘሎ ግፍዒ ዝኹንን ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ምምሕዳር ብሄረሰብ ዋግ ኽምራ ከተማ ሰቖጣ ተኻይዱ፡፡ ምክትል ኣመሓዳሪ ከምኡ እውን ሓላፊ መምርሒ ኢንዱስትሪን ኢንቨስትመንትን ምምሕዳር ብሄረሰብ ዋግ ኽምራ ሹመት ጥላሁን ከም ዝበልዎ፤ ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶሪያ ንማሕበረሰብ እቲ ከባቢ ሰላም ክረክብ ከም ዝገበረ ኣዘኻኺሮም፡፡ ይኹን እምበር ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ነቲ ስምምዕነት ብምጥሓስ ኣብቲ ከባቢ ዳግማይ ወረራ ብምፍፃም ህዝቢ ክመዛበልን ንጸገም ክቃለዕን ገይሩ እዩ ኢሎም፡፡ ኣብዚ እዋን ኣብ ልዕሊ ነበርቲ ወረዳታት ኣበርገሌን ፃግብጅን ዝለዓለ ግፍዕን መከራን እናብጸሐ ከም ዝኾነ እውን ተዛሪቦም፡፡ እቲ ጉጅለ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ልዕሊ ወረዳ ኣበርገሌ ዝፈፅሞ ወረራ መርኣያ ጥሕሰት ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶሪያ ከም ዝኾነ ዝሓበሩ ኣይተ ሹመት፤ ነቲ ህዝቢ ብምፍንቓል ዘረፋ እናፈጸመ ከም ዝኾነ እውን ገሊፆም፡፡ እዚ እኩይ ፍጻመ መጻኢ ጉንቦት ዝካየድ 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ንምትዕንቓፍ ዝዓለመ ከም ዝኾነ ብምግንዛብ ህዝቢ ወፅዩ ነቲ ጉጅለ ምኹናኑ ኣግባብ ከም ዝኾነ ተዛሪቦም፡፡ ምክትል ከንቲባ ከተማ ሰቖጣ ኣይተ ጌትነት ስሸቱ ብወገኖም ከምዝበልዎ፤ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ይፍጽሞ ብዘሎ ግፍዒ ዜጋታት ካብ መረበቶም ክፈናቐሉን፣ ህፃናት እውን ካብ መኣዲ ትምህርቲ ወፃኢ ኮይኖም እዮም፡፡ ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶሪያ ብምጥሓስ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዘብጽሖ ዘሎ ግፍዕን መከራን እቲ ጉጅለ ንሰላም ቦታ ከም ዘይብሉ ህዝቢ ኢትዮጵያን ማሕበረሰብ ዓለምን ንክግንዘብ እውን ሓቲቶም፡፡ ኣብቲ ከተማ ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፊ እቶም ተሳፍቲ ብወገኖም ተልኣኣኽቲ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት 7ይ ሓፈሻዊ ረፃ ከተዓናቕፉ ተዋዲድም ይሰርሑ ከም ዘለዉ ተገንዚብና ኢና ኢሎም። ፀረ ህዝቢ ተግባሮም ብዕላዊ ተግባራዊ እናገበሩ እዮም ክብሉ እውን ተደሚፆም እዮም። ወረራን ስርቅን እቲ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ንሰላም ዋግ ኽምራን ኢትዮጵያን ዕንቅፋት ስለዝኾነ መንግስቲ ሕጊ ከኽብር ከም ዝግባእ ሓቢሮም። ኣብቲ ህዝባዊ ሰላማዊ ሰልፈ ነበርቲ ከተማ ሰቖጣን ካብ ወረዳታት ተመዛቢሎም ኣብቲ ከባቢ ዝሰፈሩ ክፋላት ሕብረተሰብን ተሳቲፎም እዮም።
ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝፍፅሞ ዘሎ ግፍዒ ዝቃወም ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ከተማ ሰቖጣ ይካየድ ኣሎ
May 2, 2026 708
ኣዲስ ኣበባ፤ ሚያዝያ 24/2018 (ኢዜኣ) ፦ ኣብ ክልል ኣምሓራ ምምሕዳር ብሄረሰብ ዋግ ህምራ ከተማ ሰቖጣ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝፍፅሞ ዘሎ ግፍዒ ዝቃወም ሰላማዊ ሰልፊ ይካየድ ኣሎ፡፡ እቲ ሎሚ ብጉሓቱ ናብቲ ሰልፊ ዝወፀ ህዝቢ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶሪያ ብምጥሓስ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝፍፅሞ ዘሎ ግፍዒ ይኹንን ኣሎ። እቶም ተሰለፍቲ፤ ዓለም ኣብ ልዕሊ ኣበርገሌ ዋግ ህምራ ዝፍፀም ዘሎ ስርቅን ቅትለትን ክኹንኖ ይግባእ፣ትንኮሳን ስራሕ ግብረ ራዕድን ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ንሰላም ኢትዮጵያን ዓለምን ዕንቅፋት እዩ፣ ዲሞክራሲያዊ ጠለባት ህዝቢ ዋግ ህምራ ይከበሩ ዝብሉ መልእኽትታት እናስምዑ ይርከቡ፡፡ ብተወሳኺ ህዝቢ ዋግ ህምራ መረፃና ብግብረ ራዕዲ ከተዓናቕፉ ዝደልዩ ሓይልታት ነቒሑ ብምሕላው ብሓባር ይመክት፣ ብውዲት ተልኣኣኽትን ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓትን መረፃና ኣይተዓናቐፍን፣ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝፍጸም ዘሎ ስርቅን ቅትለትን መረፃ ንምትእጉጓል ዝግበር ናይ ውክልና ኵናት እዩ ዝብሉን ካልኦትን መልእኽታት ተሰሚዖም እዮም፡፡ ኣብቲ ሰልፊ ነበርቲ ከተማ እቲ ምምሕዳር ብሄረሰብ፣ ተመዛበልቲ ኦፍላ፣ኮረም ዛታን ኣበርገሌን ተሳቲፎም እዮም፡፡
ፓርቲ ብልፅግና ማሕበራውን ኢኮኖሚያውን ተረባሕነት ሕብረተሰብ ዘረጋግፁ ተግባራት ብዝበለፀ ከሳልጥ እዩ
May 2, 2026 673
ኣዲስ ኣበባ/ ሚያዝያ /24/2018(ኢዜኣ)፦ ፓርቲ ብልፅግና ማሕበራውን ኢኮኖሚያውን ተረባሕነት ሕብረተሰብ ዘረጋግጹ ተግባራት ብዝበለፀ ከም ዝሰርሕ ኣባል ፈጻሚ ስራሕ ፓርቲ ብልፅግናne ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባን ኣዳነች ኣቤቤ ገሊጸን፡፡ መርሃ ግብሪ ጎስጓስ 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ፓርቲ ብልፅግና ኣብ ስታዲየም ኣዲስ ኣበባ እናተኻየደ እዩ ዝርከብ፡፡ ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባን ኣባል ፈጻሚ ስራሕ ፓርቲ ብልጽግናን ኣዳነች ኣቤቤ ኣብዚ እዋን ከም ዝበልኦ፤ ብሕታዊ በዓል ዋና ስልጣን ህዝቢ እዩ፡፡ ብዘይ ተሳትፎን ሓገዝን ህዝቢ ብልጽግና ጋህዲ ምግባር ከም ዘይክኣል እውን ተዛሪበን፡፡ ፓርቲ ብልፅግና ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ተረባሕነት ሕብረተሰብ ዘረጋግፁ ብዙሓት ስራሕቲ ከም ዘሳለጠ ዝገለፃ እተን ከንቲባ፤ ብልፅግና ኢትዮጵያ ደው ዘብል ዝኾነ ምድራዊ ሓይሊ ከምዘየለ ገሊጸን፡፡ ኣብታ ከተማ ዝሳለጡ ዘለዉ ስራሕቲ ልምዓት ንኹሉ ዘማእኸሉ ሓቋፋይ ከም ዝኾኑ ብምግላፅ፤ እዞም ተግባራት ኢኮኖሚያውን ማሕበራውን ተረባሕነት ሕብረተሰብ ዘረጋገጹ እዮም ኢለን፡፡ ብልፅግና ቃሉ ዝሕሉ ፓርቲ እዩ ዝበላ እተን ከንቲባ፤ ምስሊ እታ ከተማ ንምቕያር ብዝኣተዎ ቃል መሰረት ከም ዝሃነፃ ተዛሪበን፡፡ ኣብ ቀጻሊ እውን ፓርቲ ብልጽግና ተረባሕነት ሕብረተሰብ ንምርግጋፅ ከም ዝሰርሕ ቃል ብምእታው"ንብልፅግናን ምረፁ" ክብላ ፃውዒት ኣቕሪበን። ኣብቲ መርሃ ግብሪ ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባን ኣባል ፈጻሚ ስራሕ ፓርቲ ብልጽግናን ኣዳነች ኣቤቤ፣ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅግና ጨንፈር ኣዲስ ኣበባ ሞገስ ባልቻ፣ ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ቡዜና ኣልከድር፣ ነቲ ፓርቲ ወኪሎም ዝወዳደሩ ሕፁያት፣ ኣባላት እቲ ፓርትን ደገፍቱን ተረኺቦም፡፡
ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ዝቐረብሉ ዝተፈላለዩ ረቂቕ ኣዋጃት መርሚሩ ብዝርዝር ንክረአ ናብ ዝምልከቶ ቀዋሚ ኮሚቴ መሪሑ
Apr 30, 2026 1214
ኣዲስ ኣበባ/ሚያዝያ 22/2018(ኢዜኣ) ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኣብ መበል 18 ስሩዕ ኣኼብኡ ዝቐረብሉ ዝተፈላለዩ ረቂቕ ኣዋጃት መርሚሩ ብዝርዝር ንክረአ ናብ ዝምልከቶ ቀዋሚ ኮሚቴ መሪሑ። ብተወሳኺ እውን እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ዘካየዶ ስሩዕ ኣኼብኡ ሹመት ኣባላት ቦርድ ትካል ፕሬስ ኢትዮጵያ ብኣብዝሓ ድምፂ ኣፅዲቑ። ኢትዮጵያ ምስ ሴራሊዮን፣ኣንጎላ፣ባንግላዲሽን ኢስዋቲኒን ዝገበረቶ ስምምዕ ኣገልግሎት ኣየር፣ኢትዮጵያን ሩሲያን ማእኸል ምርምር ባዮሎጂ ንምጥያሽ ዝተፈራረምኦ ስምምዕ፣ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ቬትናምን ቪዛ ዲፕሎማቲክ ፓስፖርት ንምትራፍ ዝተፈረመ ስምምዕ ንምፅዳቕ ዝቐረቡ ረቂቕ ኣዋጃት መርሚሩ ናብ ቀዋሚ ኮሚቴ ርክብ ወፃእን ጉዳያት ሰላምን መሪሑ። ኣብቲ ቤት ምኽሪ ረዳት ተፀዋዒ መንግሥቲ ሚኒስትር ዲኤታ ምህረቱ ሻንቆ (ዶ/ር)፤ እቶም ዝተፈረሙ ስምምዓት ዲፕሎማሲያዊ ርክባት ናብ ዝለዓለ ብርኪ ዘሰጋግሩ እዮም ኢሎም። እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ዘካየዶ ስሩዕ ኣኼብኡ ሹመት ኣባላት ቦርድ ትካል ፕሬስ ኢትዮጵያ ብኣብዝሓ ድምፂ ዘፅደቐ እንትኸውን፤ እቶም ተሸወምቲ ብምድላው ትምህርቲ ከምኡ እውን ብዘኻዕበትዎ ክእለት ልኡኽቶ እቲ ትካል ምዕዋት ከምዝኽእሉ ሚኒስትር ዲኤታ ምህረቱ ሻንቆ (ዶ/ር) ገሊፆም።
ኢትዮጵያ ኣብ ዞባዊ፣ ኣህጉራውን ዓለም ለኻውን መድረኽ ብሄራዊ ረብሓታታ ዝሕልዉ ስራሕቲ ዲፕሎማሲ እናሳለጠት እያ- ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ
Apr 30, 2026 1024
ኣዲስ ኣበባ፤ሚያዝያ 22/2018 (ኢዜኣ)፡- ኢትዮጵያ ኣብ ዞባዊ፣ ኣህጉራውን ዓለም ለኻውን መድረኽ ብሄራዊ ረብሓታታ ዝሕልዉ ስራሕቲ ዲፕሎማሲ እናሳለጠት ከም ዝኾነት ወሃቢ ቃል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ነብያት ጌታቸው ገሊፆም። ኣምባሳደር ነብያት ጌታቸው ኣብ እዋናዊ ስራሕቲ ዲፕሎማሲ ኣድሂቦም ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፤ ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት መራሕቲ ቡሩንዲ፣ ላይቬሪያ፣ ሞዛምቢክን ደቡብ ሱዳንን ኣብ ኢትዮጵያ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ከም ዝገበሩ ኣዘኻኺሮም። እቶም መራሕቲ ኣብ እዋን ዑደቶም ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ርክብ እተን ሃገራት ብዝበለፀ ምጥንኻር ዘኽእል ዕዉት ዘተ ከም ዝገበሩ እውን ገሊፆም። ኢትዮጵያዊ ኣብ ሰብ ስራሕ ብልሒ፣ ሕርሻ፣ ቱሪዝም፣ ሓምለዋይ ኣሰርን ካልኦትን ዝልዓለ ዕብየት ኣብ ዘመዝገበትሎም ዓውድታት ልምዳ ንምክፋልን ብምትሕብባር ንምስራሕን ክልቲኣዊ ስምምዕ ከም ዝተፈራረመት ሓቢሮም። ብተወሳኺ እውን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ፖርቹጋል፣ ባንግላዲሽን ኦስትሪያን ከምኡ እውን ፍሉይ ልኡኽ ቀርኒ ኣፍሪካ ቻይና ኣብ ኢትዮጵያ ዑደት ከም ዝገበሩ ገሊፆም። በዚ ድማ ኢትዮጵያ ኣብ ዞባውን ዓለም ለኻውን ጉዳያት ተሰጉሞም ቅዋማት ብዝግባእ ከም ዘንፀባረቐት ተዛሪቦም። ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ጌዲዮን ጢሞቲዎስ (ዶ/ር) ኣብ ስዊድንን ኖርዌይን ኣብ ዝገበርዎ ዑደት ካብ ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ብተወሳኺ ምስ ኣመራርሓ ኩባንያታት ውፅኢታዊ ዘተ ከም ዝገበሩ ገሊፆም። ኢትዮጵያ ኣብ ንግድን ኢንቨስትመንትን ብፍላይ ድማ ኣብ ተሓዳሲ ሓይሊ፣ ቴክኖሎጂ፣ ቱሪዝምን ካልኦት ዓውድታትን ብሓባር ንምስራሕ ዘኽእላ ዲፕሎማሲያዊ ስራሕቲ ከም ዘሳለጠት ወሲኾም ኣረዲኦም። ኢትዮጵያ ፕረዝዳንትነት ቤት ምኽሪ ሰላምን ፀጥታን ሕብረት ኣፍሪካ ብዝግባእ እናተዋፅአት ከም ዝኾነት እውን ሓቢሮም። ከም ኣፍሪካ ጉዳይ ወሽመጥ ሆርሙዝ ምኽክር ክግበረሉ ኣጀንዳ ከም ዘቕረበት ብምግላፅ፤ ኣብ ካልኦት ኣህጉራዊ ጉዳያት ሰላምን ደሕንነትን እውን ሓሳባ ከም ዘካፈለት ኣልዒሎም። ኢትዮጵያ ዘሳለጠቶም ክልቲኣውን በዓል ብዙሕ ወገንን ዲፕሎማሲ ጉዳያት ወፃኢ ብሄራዊ ረብሓኣ ዘኽብሩን ኣብ ዞባውን፣ ኣህጉራውን ዓለም ለኻውን ጉዳያት ተቐባልነታ ዘዕብዩን እዮም ኢሎም።
እቲ ቤት ምኽሪ ሹመት ኣባላት ቦርድ ትካል ፕረስ ኢትዮጵያ ኣፅዲቑ
Apr 30, 2026 1010
ኣዲስ ኣበባ፤ሚያዝያ 22/2018 (ኢዜኣ)፡- ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ሹመት ኣባላት ቦርድ ትካል ፕረስ ኢትዮጵያ ብኣብዝሓ ድምፂ ኣፅዲቑ፡፡ ሹመት ኣባላት እቲ ቦርድ ኣመልኪቶም መብርሂ ዝሃቡ ኣብ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ሚኒስትር ድኤታ ተጸዋዒ መንግስቲ ምህረቱ ሻንቆ (ዶ/ር)፤ እቶም ዝተሾሙ ኣባላት ብመንፅር ድልዉነት ትምህርቲ ከምኡ እውን ብዘኻዕበትዎ ክእለት ዕላማ እቲ ትካል ምዕዋት ዝኽእሉ ከም ዝኾኑ ገሊፆም፡፡ ብሄራዊ ረብሓ ምርዳእ ዝኽእሉ ከምኡ እውን እቲ ትካል ናብ ዓወት ከብቅዑ ከም ዝኽእሉ ዝተኣመነሎም ከም ዝኾኑ እውን ተዛሪቦም፡። ብመሰረት እዙይ ፦ 1፡- ብሌን ማሞ ....... ኣካቢት ቦርድ 2፡- ፈዲላ ቢያ ....... ኣባል 3፡- ተስፋዬ ዘውዴ ....... ኣባል 4፡- መሐመድ ካሳ ....... ኣባል 5፡- ኣፈወርቅ በደዊ ....... ኣባል 6፡- ኣስማ ረዲ ....... ኣባል 7፡- ዮናስ በቀለ ....... ኣባል 8፡- ሃፍታይ ገብረእግዚአብሔር ....... ኣባል 9፡- ኢሳያስ ካሳ (ዶ/ር)....ኣባል ኮይኖም ክሽወሙ ዝቐረበ ውሳነ ሓሳብ እቲ ቤት ምኽሪ መርሚሩ ብሓደ ድምፀ ተኣቅቦ ብኣብዝሓ ድምፂ ኣፀዲቑ፡፡ እቶም ተሾወምቲ እውን ኣብ ቅድሚ እቲ ቤት ምኽሪ ቀሪቦም ቃለ መሓላ ፈፂሞም፡፡
ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ መበል 18 ስሩዕ ኣኼብኡ ፅባሕ ከካይድ እዩ
Apr 29, 2026 2797
ኣዲስ ኣበባ፤ ሚያዝያ 21/2018 (ኢዜኣ)፦ መበል 6ይ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ፌዴራላዊ ዲሞክራሲያዊ ሪፐብሊክ ኢትዮጵያዊ መበል 18 ስሩዕ ኣኼባ 5ይ ዓመት እዋን ስርሑ ፅባሕ ከም ዘካይድ ተገሊፁ። እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ መበል 18 ስሩዕ ኣኼብኡ ኣብ ሞንጎ መንግስቲ ፌዴሪኢን ሪፐብሊክ ሴራሊዮንን፤ መንግስቲ ፌዴሪኢን ሪፐብሊክ ኣንጎላን፣ መንግስቲ ፌዴሪኢን ህዝባዊ ሪፐብሊክ ባንግላዲሽን ከምኡ እውን መንግስቲ ፌዴሪኢን መንግስቲ ንጉሰ ነገስታት ኢንስዋቲኒን ዝተገበረ ስምምዕነት ኣገልግሎት ኣየር ንምፅዳቕ ዝቐረቡ ረቒቕ ኣዋጃት መርሚሩ ናብ ቀዋሚ ኮሚቴ ከም ዝመርሕ ተመላኺቱ። ብኻልእ ወገን እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ሞንጎ መንግስቲ ፌዴሪኢን ፌዴሬሽን ሩስያን ሓበራዊ ማእኸል ምርምር ባይሎጂ ንምጥያሽ ዝተፈረመ ስምምዕነት ንምፅዳቕ ዝቐረበ ረቒቕ ኣዋጅ መርሚሩ ናብ ቀዋሚ ኮሚቴ ክመርሕ እዩ። ኣብ መወዳእታ እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ሞንጎ መንግስቲ ፌዴሪኢን ሶሻሊስት ሪፐብሊክ ቬትናምን ናይ ዲፕሎማቲክ ወይ ድማ ፓስፖርት ኣገልግሎት ኦፊሻል ንዝሓዙ ሰባት ቪዛ ንምትራፍ ዝተፈረመ ስምምዕ ንምፅዳቕ ዝቐረበ ረቒቕ ኣዋጅ መርሚሩ ንዝምልከቶ ቀዋሚ ኮሚቴ ከም ዝመርሕን ሹመት ኣባላት ቦርድ ትካል ፕረስ ኢትዮጵያ መርሚሩ ከምዘፅድቕን ትፅቢት ይግበር።
ፖሊስ ፌደራል ኢትዮጵያ ዕውታት ተግባራት ምክልኻል ገበንን ምርግጋፅ ልዕልና ሕግን ኣጠናኺሩ ክቕፅለሉ ይግባእ
Apr 29, 2026 1359
ኣዲስ ኣበባ፤ ሚያዝያ 21/2018(ኢዜኣ)፦ ፖሊስ ፌደራል ኢትዮጵያ ዕውታት ተግባራት ምክልኻል ገበንን ምርግጋፅ ልዕልና ሕግን ኣጠናኺሩ ክቕፅለሉ ከም ዝግባእ ኣብ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ሕግን ፍትሕን ገሊጹ፡፡ እቲ ቀዋሚ ኮሚቴ ፀብፃብ ኣፈፃፅማ ተሽዓተ ኣዋርሕ በጀት ዓመት 2018 ኮሚሽን ፖሊስ ፌደራል ኢትዮጵያ ገምጊሙ፡፡ ላዕለዋይ ኣዛዚ ፖሊስ ፌዴራል ኢትዮጵያ ኮሚሽነር ጀነራል ደመላሽ ገብረሚካኤል ኣብዚ እዋን ኣብ ዘቕረብዎ ፀብፃብ፤ ኣብ 9 ኣዋርሕ እቲ በጀት ዓመት ዓለም ለኸ ኣፍልጦ ዝተረኸበሎም ስራሕቲ ምክልኻል ገበን ተሳሊጦም እዮም ኢሎም። ኣብ ምክልኻልን ቁፅፅርን ኮንትሮባንድ፣ዘይሕጋዊ ዝውውር ገንዘብን መደንዘዚ ዕፅን እውን ዕዉት ስራሕ ከምዝተሳለጠ ተዛሪቦም። ኣብ ምርመራ ገበን፣ዝውውር ዘይሕጋዊ መሳርሒ፣ምክልኻል ገበን ራዕዲ እውን ዓቕሚ ምፍፃም ብምዕባይ ጭቡጥ ውፅኢት ከምዝተመዝገቡ ኣብራህሪሆም። ኣብ ልምዓት ሓይሊ ሰብን ዘበናዊ ቴክኖሎጂ ኣብ ምዕጣቕን እውን ብተመሳሳሊ እቲ ትካል ብብርኪ ኣፍሪካን ዓለም ለኸን ተወዳዳሪነቱ እመናወሰኸ እዩ ኢሎም። ኣባላት ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ፍትሕን ሕግን ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ፤ ፀብፃብ ኣፈፃፅማ ትልሚ እቲ ኮሚሽን ብምግምጋም ኣብቲ ከይዲ ዝተርኣዩ ጥንካረታትን ድኽመታትን ብርኢቶን ሕቶን መልክዕ ኣቕሪቦም። ስለዝኾነ ድማ ገበን ኣብ ምክልኻልን ተሓታትነት ኣብ ምርግጋፅን ዝተረኸቡ ውፅኢታት ተጠናኺሮም ንክቕፅሉ ሓቲቶም። ኣካቢት እቲ ቀዋሚ ኮሚቴ ወይዘሮ እፀገነት መንግሥቱ፤ ፖሊስ ፌዴራል ኣብ ምክልኻል ገበንን ተሓታትነት ኣብ ምርግጋፅን ዕዉታት ስራሕቲ እናሳለጠ እዩ ኢለን። ኣብ ህንፀት ዓቕሚ ሓይሊ ሰብን ቴክኖሎጅን ዝተሳለጡ ለውጥታት ብምጥንኻር ስራሕቲ ምርግጋፅ ተሓታትነትን ምክልኻልን ገበን ተጠናኺሮም ክቕፅሉ ከምዝግባእ ኣገንዚበን።
ነበርቲ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ካርዲ መረፃ ንምውሳድ ዘርኣይዎ ልዑል ተበግሶ ንህንፀት ስርዓት ዲሞክራሲ ዘለዎም ቆራፅነት ዘመስከረ እዩ
Apr 29, 2026 1306
ኣዲስ ኣበባ/ሚያዝያ 21/2018 (ኢዜኣ) ነበርቲ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ካርዲ መረፃ ንምውሳድ ዘርኣይዎ ልዑል ተበግሶ ንህንፀት ስርዓት ዲሞክራሲ ዘለዎም ቆራፅነት ዘመስከረ ከምዝኾነ ሓባራዊ ቤት ምኽሪ ውድባት ፖለቲካ ገሊፁ። ሓባራዊ ቤት ምኽሪ ውድባት ፖለቲካ ኣዲስ ኣበባ ምዝዛም ምዝገባ መረፅቲ 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ብዝምልከት ንመራኸብቲ ሓፋሽ መግለፂ ሂቡ። እቲ መግለፂ ዝሃቡ ኣካቢ እቲ ቤት ምኽሪ ማሩ ጃኔ፤ እቲ ሓባራዊ ቤት ምኽሪ ኣብ ፖለቲካዊ፣ኢኮኖሚያውን ማሕበራውን ጉዳያት እታ ከተማ ምስ ምምሕዳር እቲ ከተማ ብሓባር እናሰርሐ ከምዝኾነ ገሊፆም። ኣብ ከይዲ 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ እውን እቲ ቤት ምኽሪ ነበርቲ እታ ከተማ ካርዲ መራፂ ንክወስዱ ብዝተፈላለዩ መንገዲ ግንዛበ እናፈጠረ ከምዝፀንሐ ተዛሪቦም። እቲ መረፃ ዝምልከት ምስ ዝተፈላለዩ መዳርግቲ ኣካላት ውፅኢታዊ ዘተታት ከምዝተገበሩ እውን ሓቢሮም። ነባራይ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ካርዲ መራፂ ኣብ ምውፃእ ዘርኣዮ ልዑል ተበግሶን ቆራፅነትን እቲ ሕብረተሰብ ንህንፀት ስርዓት ዲሞክራሲ ዘለዎ ድሌት ብተግባር ዘመስከረ እዩ ኢሎም። ምዝዛም ምዝገባ መረፅቲ መጀመሪ እቲ መረፃ እምበር መወዳእታ ከምዘይኮነ ብምግላፅ፤ ኣብ ቀፃሊ ኣብ ዝሳለጡ ስራሕቲ እውን ኩሎም ኣካላት ብትኹረት ክሰርሑ ከምዝግባእ ኣረዲኦም። እቲ ቤት ምኽሪ እውን እቲ መረፃ ብሰላም ክሳብ ዝዛዘም ትፅቢት ዝግበረሉ እጃም ከምዝዋፃእ ኣረጋጊፆም።
ርክብ ኢትዮጵያን ሞዛምቢክን ኣብ እዋን ቃልሲ ነፃነት ብደም ዝተፈተነ እዩ
Apr 28, 2026 1949
ኣዲስ ኣበባ/ሚያዝያ 20/2018(ኢዜኣ) ርክብ ኢትዮጵያን ሞዛምቢክን ኣብ እዋን ቃልሲ ነፃነት ብደም ዝተፈተነ ታሪኻዊ ሕውነት እዩ ክብላ ሚኒስትር ምክልኻል ፌዴሪኢ ኢንጂነር ኣይሻ መሀመድ ገሊፀን። ኣብ ኢትዮጵያ ንክልተ መዓልቲ ዕላዊ ዑደት ስራሕ እናገበሩ ዝርከቡ ፕሬዚዳንት ሪፐብሊክ ሞዛምቢክ ዳንኤል ፍራንሲስኮ ቻፖ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ሚኒስቴር ምክልኻል ፌዴሪኢ ተረኺቦም ዑደት ገይሮም። እቶም ፕሬዚዳንትን ጉጅለ ልኡኾምን ኣብቲ ሚኒስቴር ቤት ዕዮ እንትበፅሑ ብሚኒስትር ምክልኻል ፌዴሪኢ ኢንጂነር ኣይሻ መሀመድ ኣቀባብላ ዝተገበረሎም እንትኸውን፤ ምስ ላዕለዋይ ኢታማዦር ሹም ሓይልታት ሰራዊት ፌዴሪኢ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ እውን ዘትዮም እዮም። ኣብዚ እዋን ኢንጂነር ኣይሻ መሀመድ ከምዝበልኦ፤ ርክብ ኢትዮጵያን ሞዛምቢክን ኣብ እዋን ቃልሲ ነፃነት ብደም ዝተፈተነ ታሪኻዊ ሕውነት እዩ። ኢትዮጵያ ንነፃነት ሞዛምቢክ ዘበርከተቶ ኣስተዋፅኦ ቀዳማይ መግለፂ ቅዋም ፓን ኣፍሪካኒዝም ከምዝኾነ እውን ኣዘኻኺረን። ሕዚ ዘሎ ታሪኻዊ ምትእስሳር ናብ ዝለዓለ ስልታዊ ወታደራዊ ምትሕብባር ንምስግጋር እውን ግልፂ ድሌትን ትልምን ከምዘሎ ኣመላኺተን። ፕሬዝዳንት ዳንኤል ፍራንሲስኮ ቻፖ ብግደኦም፤ ኢትዮጵያ ንልኣላዊነትን ነፃነትን ሞዛምቢክ ዘበርከተቶ ልዑል ኣስተዋፅኦ ብምዝዝኽኻር ምስጋና ኣቕሪበን። ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ዘለዎ ልዑል ብርኪ ብቕዓትን ድሉውነትን ውግእ ብምንኣድ፤ እዚ ዑደት ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ወታደራውን ዲፕሎማሲያውን ርክብ ናብ ሓዱሽ ምዕራፍ ከምዘሰጋግሮ ተዛሪቦም። እቶም ፕሬዚዳንት ኣብ ፃንሒቶም ምስ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ኣብ እዋናዊ ዞባዊ ጉዳያትን ስትራቴጂታት ክልቲኣዊ ወታደራዊ ምትሕብባርን ውፅኢታዊ ዘተ ገይሮም እዮም። ዑደት እቶም ፕሬዚዳንት ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ስትራቴጂካዊ ምሕዝነት ካብ ምጥንኻር ብተወሳኺ ኣህጉራዊ ሰላምን ድሕንነትን ንምርግጋፅ ዓብይ ፋይዳ ከምዘለዎ ከምዝተገለፀ ኢዜኣ ካብ ኦንላይን ሚድያ ምክልኻል ዝረኸቦ ሓበሬታ የመላኽት።
እቲ ረቂቕ ኣዋጅ ኣብ ቁልፊ መሰረተ ልምዓታት ዝሕሰቡ መጥቃዕትታት ምምካትን ምሕለውን ዘኽእል እዩ
Apr 28, 2026 1692
ኣዲስ ኣበባ/ሚያዝያ 20/2018(ኢዜኣ) ረቂቕ ኣዋጅ ድሕንነት ሳይበር ቁልፊ መሰረተ ልምዓታት ኣብ ቁልፊ መሰረተ ልምዓታት ዝሕሰቡ መጥቃዕትታት ብምምካት ልኣላዊነት ብዘተኣማምን ኩነታት ንክሕለው ከምዝገብር ኣብ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ረዳት ተፀዋዒ መንግሥቲ ሚኒስትር ዲኤታ ምህረቱ ሻንቆ (ዶ/ር) ገሊፆም። ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ መበል 17 ስሩዕ ኣኼብኡ ሎሚ መዓልቲ ኣካይዱ። እቲ ቤት ምኽሪ ድሕንነት ሳይበር ቁልፊ መሰረተ ልምዓታት ንምርግጋፅ ዝቐረበ ረቂቕ ኣዋጅ ብዝርዝር ንክረአ ናብ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ርክብ ወፃእን ሰላምን መሪሑ። ኣብ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ረዳት ተፀዋዒ መንግሥቲ ሚኒስትር ዲኤታ ምህረቱ ሻንቆ (ዶ/ር) ኣድላይነት እቲ ረቂቕ ኣዋጅ ኣብራህሪሆም። ኣብ መብራህርሂኦም እውን ኣብ ቁልፊ መሰረተ ልምዓታት ዘነፃፀሩ መጥቃዕትታት ሳይበር ኣብ ምጣነ ሃፍቲ፣ ማሕበራዊ መስተጋብር፣ብሄራዊ ድሕንነት፣ሰላምን ምርግጋዕን ሃገር ከምኡ እውን ኣብ ልኣላዊነት ሃገር ኣሉታዊ ፅልዋ ዝፈጥሩ ስለዝኾኑ እቲ ረቂቕ ኣዋጅ ምድላው ኣድላይ ኮይኑ ከምዝተረኸበ ሓቢሮም። ንሓለዋ ድሕንነት ሳይበር ቁልፊ መሰረተ ልምዓታት ኣብ መንጎ መዳርግቲ ኣካላት ዝተዋደደ፣ውፅኢታውን ቅልጡፍን ልውውጥ ሓበሬታን ፍፃመታት ሳይበርን ምክፋልን ምግታእን ዘኽእል ስርዓት ምፍጣር ኣድላይ ኮይኑ ብምርካቡ እውን ከምዝኾነ ወሲኾም ገሊፆም። ኣብቲ ኣኼባ ኣብ መንጎ መንግሥቲ ፌዴሪኢን ኤጀንሲ ልምዓት ፈረንሳይን ዝተገበረ ስምምዕ ልቓሕ ከምኡ እውን ኣብ መንጎ መንግሥቲ ፌዴሪኢን ማሕበር ባንኪ ኢንቨስትመንት ኣውሮፓን ዝተገበረ ስምምዕ ልቓሕ ረቂቕ ኣዋጃት መርሚሩ ኣፀዲቑ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ምስ ፕሬዚዳንት ሪፐብሊክ ሞዛምቢክ ዳንኤል ፍራንሲስኮ ቻፖ ዘትዮም
Apr 27, 2026 3274
ኣዲስ ኣበባ/ሚያዝያ 19/2018 (ኢዜኣ) ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ምስ ፕሬዚዳንት ሪፐብሊክ ሞዛምቢክ ዳንኤል ፍራንሲስኮ ቻፖ ክልቲኣዊ ዘተ ገይሮም። ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ምስ ፕሬዚዳንት ሪፐብሊክ ሞዛምቢክ ዳንኤል ፍራንሲስኮ ቻፖ ኣብ ዝነበረና ፃንሒት ዘላቕን ጭቡጥን ለውጢ ንዘምፅእ ምሕዝነት መሰረት ዘንበረ ውፅኢታዊ ክልቲኣዊ ዘተ ገይርና ኢሎም። ብተወሳኺ እውን ኣብ ስትራቴጂካዊ ዓውድታት ዘለና ምትሕብባር ናብ ዝለዓለ ብርኪ ዘሰጋግሩን ማዕቐፍ ኣሰራርሓ ዝኾኑን ዝተፈላለዩ ሰነዳት መረዳድኢ ኣሳሊጥና ክብሉ ሓቢሮም።
ኣብ ሓባራዊ ምክብባር መሰረት ዝገበረ ዕቤትን ለውጥን ንዝምነዩ ኢትዮጵያ ካልአይቲ ገዝኦም እያ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)
Apr 27, 2026 2171
ኣዲስ ኣበባ/ሚያዝያ 19/2018 (ኢዜኣ) ኣብ ሓባራዊ ምክብባር መሰረት ዝገበረ ዕቤትን ለውጥን ንዝምነዩ ኩሎም ኢትዮጵያ ካልአይቲ ገዝኦም እያ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም። ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ንፕሬዚዳንት ሪፐብሊክ ሞዛምቢክ ዳንኤል ፍራንሲስኮ ቻፖ መልእኽቲ እንኳዕ ናብ ኢትዮጵያ ብደሓን መፁ ኣመሓላሊፎም። እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ኢትዮጵያ ዘርኢ ወዲ ሰብ ዝርከበላ፣ ወናኒት ብዙሓት ፀጋታት ስለዝኾነት መሓዙታ ፀኒዑ ብዝፀንሐን ኣብ ሓባራዊ መሰረት ማእኸል ብዝገበሩን ሓባራዊ ዕቤት ንምንባር ኢዳ ዘርጊሓ እያ ትቕበል ኢሎም። ብተወሳኺ እውን ካብ ሓባራዊ ምሕዝነትና ዝቕዳሕ፣ ኣብ ሓባራዊ ምክብባር መሰረት ዝገበረ፣ ብዝለዓለ ራኢ ዝተመልአ ዕቤትን ለውጥን ንዝምነዩ ኩሎም ኢትዮጵያ መብፅሒት ጥራሕ ዘይኮነትስ ካልአይቲ ገዝኦም እውን እያ ክብሉ ኣረዲኦም። ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ፎ/ር)፤ ፃንሒት ፕሬዚዳንት ዳንኤል ፍራንሲስኮ ቻፖ ንሓባራዊ ዓወትን ዘላቒ ምሕዝነትን መሰረት ዘንብር ውፅኢታዊ ንክኸውን እውን ተመንዮም።
ኢትዮጵያን ሞዛምቢክን ኣብ ወታደራዊ ጉዳያት ብሓባር ከምዝሰርሓ ኣፍሊጠን
Apr 27, 2026 2068
ኣዲስ ኣበባ/ሚያዝያ 19/2018 (ኢዜኣ) ኢትዮጵያን ሞዛምቢክን ኣብ ወታደራዊ ጉዳያት ጥሙር ኮሚቴ ብምጥያሽ ብሓባር ከምዝሰርሓ ገሊፀን። ሚኒስትር ምክልኻል ፌዴሪኢ ኢንጂነር ኣይሻ መሀመድ ብሚኒስትር ምክልኻል ሞዛምቢክ ኢ-ክርስቲያቮ አርቱር ቹሜ ንዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ ቤት ፅሕፈተን ተቐቢለን ኣዘራሪበን። ኣብ ዘተኦም እውን ክልቲአን ሃገራት ብሓባር ምስራሕ ኣብ ዝኽእላሉ ወታደራዊ ጉዳያት መኺሮም። ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ ኣብ 2009 ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝተገበረ ወታደራዊ ርክብ መሰረት ብምግባር ሓባራዊ ጥሙር ኮሚቴ ብምጥያሽ ናብ ስራሕ ምእታው ኣብ ዝከኣለሎም መሰረታዊ ጉዳያት ከምዝዘተዩ እውን ተገሊፁ። ብሓባር ምስራሕ ዝበለፀ ዓቕሚ ንምርካብን ኣብ ሓፂር እዋን ኣብ ዓውዲ ውፅኢት ንምምፃእን ከምዝጠቅም ኣብቲ መድረኽ ዝተገለፀ እንትኸውን፤ እቲ ናይ ሎሚ ዘተ እውን እቲ ጥሙር ኮሚቴ ንምጥያሽ ይኹን ቀፃሊ ወታደራዊ ርክብን ምትሕብባርን ንምቕፃል ናይ ባዕሉ እጃም ከምዘበርክት ከምዝተገለፀ ኢዜኣ ካብ ኦንላይን ሚድያ ምክልኻል ዝረኸቦ ሓበሬታ የመላኽት።
ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀሥላሴ እዋን ስርሖም ንዝዛዘሙ ኣምባሳደር ሰሜን ኮሪያ ኣብ ኢትዮጵያ ሲም ቶንግ ጎክ ኣሰናቢቶም
Apr 27, 2026 1108
ኣዲስ ኣበባ፤ ሚያዝያ 19/2018 (ኢዜኣ)፦ ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ታዬ ኣፅቀሥላሴ እዋን ስርሖም ንዝዛዘሙ ኣምባሳደር ሰሜን ኮሪያ ኣብ ኢትዮጵያ ሲም ቶንግ ጎክ ኣሰናቢቶም፡፡ ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀሥላሴ፤ ኣምባሳደር ሲም ቶንግ ጎክ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት ዲፕሎማስያዊ ምሕዝነት ንምጥንኻር ንዝገበርዎ ኣበርክቶ ምስጋና ኣቕሪቦም፡፡ ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ሰሜን ኮሪያን ኣብ ክልቲኣዊ ዲፕሎማስያዊ ምትሕብባር ታሪኻዊ ምሕዝነት ምህላዉ እውን ገሊፆም፡፡ ታሪኻዊ ምሕዝነት እተን ሃገራት ኣብ ዓውድታት ንግድን ኢንቨስትመንትን እውን ብምዕባይ ሓበራዊ ተረባሕነት ምጥንኻር ከም ዘድሊ ኣመላኺቶም፡፡ ኣብ ቐፃሊ እውን ኢትዮጵያ ክልቲኣውን በዓል ብዙሕ ወገንን ዲፕሎማስያዊ ምሕዝነት እተን ሃገራት ንምጥንኻር ብቆራፅነት ከም ትሰርሕ ኣረጋጊፆም፡፡ ፕሬዚዳንት ታዬ ኣብ መልእኽቶም እቶም ኣምባሳደር ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝነበሮም ጻንሒት ንዝገበርዎ ኣበርክቶ ምስጋንኦም ብምግላፅ፤ ንመፃኢ ሰናይ ትምኒቶም ገሊፀምሎም፡፡
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ንፕሬዚዳንት ሞዛምቦክ ዳንኤል ፍራንሲስኮ ቻፖ ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ተረኺቦም ናይ ክብሪ ኣቀባብላ ገይሮምሎም
Apr 27, 2026 1064
ኣዲስ ኣበባ፤ሚያዝያ 19/2018 (ኢዜኣ)፦ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ንፕሬዚዳንት ሞዛምቦክ ዳንኤል ፍራንሲስኮ ቻፖ ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ተረኺቦም ናይ ክብሪ ኣቀባብላ ገይሮምሎም። ዑደት እቶም ፕረዝዳንት ሓበራዊ ልምዓትን ምትእስሳር ህዝብታትን ክልቲኤን ሃገራት ትርጉም ብዘለዎ መልክዕ ለውጢ ከምፅኡ ዝኽእሉ ጭቡጥ ስራሕቲ ቀዳምነት ዝሃበ ከም ዝኾነ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣፍሊጡ፡፡ ብተወሳኺ እውን እቲ ዑደት ኢትዮጵያ ንሓቀኛ ኣፍሪካዊ ምትሕብባር ዘለዋ ዘይነቓነቕ ቆራፅነት ዘረጋግፀ እዩ ክብል ኣመላኺቱ።
ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ስራሕቲ ልምዓት ክልል ቤኒሻንጉል ጉሙዝ ንምዕዛብ ኣሶሳ ኣትዮም
Apr 27, 2026 1360
ኣዲስ ኣበባ/ሚያዝያ 19/2018 (ኢዜኣ) ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ስራሕቲ ልምዓት ክልል ቤኒሻንጉል ጉሙዝ ንምዕዛብ ኣሶሳ ኣትዮም። እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ህዳሴ ኣሶሳ እንትበፅሑ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ቤኒሻንጉል ጉሙዝ ኣሻድሊ ሀሰን፣ላዕለዎት ኣመራርሓ እቲ ክልል፣ኣቦታት ሃይማኖት፣ዓበይቲ ዓድን ነበርቲ ከተማ ኣሶሳን ድሙቕ ኣቀባብላ ገይሮምሎም።