ፖለቲካ - ኢዜአ ትግርኛ
ፖለቲካ
ንዓውዲ ሕክምና ከባቢ 130 ቢልዮን ብር ሃፍቲ እናተበጀተ እዩ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)
Jun 23, 2025 60
ኣዲስ ኣበባ/ሰነ/ 16/2017(ኢዜኣ) መንግስቲ ንዓውዲ ሕክምና ከባቢ 130 ቢልዮን ብር ሃፍቲ እናበጀተ ከምዝኾነ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም። ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ምስ ካብ መላእ ኢትዮጵያ ዝተውፃእፅኡ ሰብ ሞያ ጥዕና ዘትዮም። እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ መንግስቲ ዓውዲ ጥዕና ውፅኢታዊ ንምግባር ትኹረት ሂቡ እናሰርሐ እዩ ዝርከብ። ስለዝኾነ እውን ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ንዓውዲ ጥዕና ዝምድቦ ዘሎ በጀት እናዓበየ ከምዝርከብ ሓቢሮም። ቅድሚ ሑዳት ዓመታት ንዓውዲ ጥዕና ቀጥታ ዝብጀት ዝነበረ ሃፍቲ ከባቢ 70 ቢልዮን ብር ከምዝኾነ ብምዝኽኻር፤ ኣብዚ ሕዚ እዋን መንግስቲ ከባቢ 130 ቢልዮን ብር ሃፍቲ ከምዝመደበ ኣፍሊጦም። ብተወሳኺ እውን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት መንግስቲ 9 ቢልዮን ብር ንዕድጊት መድሓኒት ድጎማ ከምዝገበረ ፀሪሖም። መንግስቲ ንዓውዲ ሕክምና ዘውፅኦ ወፃኢ ካብ ዝኾነት ጎረቤት ሃገር ከምዝበልፅ እውን ኣረዲኦም። ዋላ ኳ ንዓውዲ ጥዕና ዝብጀት በጀት እናዓበየ እንተመፀ ምስቲ ዘሎ ድሌት ግና ገና ከምዝኾነ ተዛሪቦም።
ፖሊስ ኢትዮጵያ ዘላቒ ሰላም ናይ ምሕላውን ገበን ናይ ምክልኻልን ልኡኽትኡ ብብቕዓት ምፍፃም ዘኽእል ዓቕሚ ሃኒፁ እዩ-ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀሥላሴ
Jun 21, 2025 53
ኣዲስ ኣበባ/ሰነ /14/2017 (ኢዜኣ) ፖሊስ ኢትዮጵያ ገበን ብምክልኻ ዘላቒ ሰላም ህዝብን ሃገርን ናይ ምሕላው ልኡኽትኡ ብብቕዓት ምፍፃም ዘኽእል ሓይሊ ሰብን ነዚ ዘበን ዝምጥን ዓቕሚ ቴክኖሎጅን ከምዝሃነፀ ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ታዬ ኣፅቀሥላሴ ገሊፆም። ፖሊስ ዩኒቨርሲቲ ኢትዮጵያ ብዝተፈላለዩ ዓውድታት ትምህርቲ ካብ ስሩዕ ሰርቲፊኬት ክሳብ ካልኣይ ዲግሪ ዘሰልጠኖም ተምሃሮ ኣመሪቑ። ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ታዬ ኣፅቀሥላሴ ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ሙሩቓት እዚ መዓልቲ ውፅኢታዊ ግዜ ብምሕላፍ ንምረቓ ብምብቅዖም እንኳዕ ደስ በለኩም ኢሎም። ኢትዮጵያ ታሪኽ ነፃነት ነዊሕ ዘበናት ዘለዋ ምዃና ብምሕባር፤ ዓምድን ክብርን ኢትዮጵያውነት ተሓልዩ ከምዝፀንሐ ተዛሪቦም። ሰላም ሃገርን ድሕንነት ዜጋታትን ምሕላው ሓላፍነት ኩሉ ክኸውን ከምዘለዎ ብምግላፅ፤ ፖሊስ እውን እዚ ሃገራዊ ሓላፍነቱ ኣጠናኺሩ ክቕፅለሉ ይግባእ ኢሎም። ዘላቒ ሰላም ምፅናዕ ሓላፍነት ኩሉ ከምዝኾነ ብምሕባር፤ ሰላም ህዝቢ ዝዘርጉ ኣካላት ናብ ምኽክር ምምፃእን ልዕልነት ሕጊ ምርግጋፅን ከምዝግባእ እውን ሓቢሮም። ፖሊስ ፌዴራል ኢትዮጵያ ጠንካራን ተወዳዳርን ትካል ንምዃን ዝጀመሮም ስራሕቲ ውፅኢታዊ ከምዝኾኑ ገሊፆም። ዩኒቨርሲቲ ፖሊስ ኢትዮጵያ ንጎረቤት ሃገራ ዝህቦ ዘሎ ዕድል ነፃ ትምህርቲ ግብራ ራዕድን ዶብ ተሻገርቲ ገበናትን ብሓባር ንምክልኻል ዝተጀመረ ፃዕሪ ከምዘጠናኽር ወሲኾም ተዛሪቦም።
ዩኒቨርሲቲ ፖሊስ ኢትዮጵያ ብዝተፈላለይይ ዓውድታት ትምህርቲ ዘሰልጠኖም ተምሃሮ የመርቕ ኣሎ
Jun 21, 2025 31
ኣዲስ ኣበባ/ሰነ /14/2017 (ኢዜኣ) ዩኒቨርሲቲ ፖሊስ ኢትዮጵያ ብዝተፈላለይይ ዓውድታት ትምህርቲ ካብ ስሩዕ ሰርቲፊኬት ክሳብ ካልኣይ ዲግሪ ዘሰልጠኖም ተምሃሮ የመርቕ ኣሎ። ኣብቲ ስነ ስርዓት ምረቓ፤ ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ታዬ ኣፅቀስላሴ፣ሚኒስትር ስራሕን ክእለትን ከምኡ እውን ኣካቢት ቦርድ እቲ ዩኒቨርሲቲ ሙፈሪሃት ካሚል፣ ኮሚሽነር ጀነራል ፖሊስ ፌደራል ኢትዮጵያ ደመላሽ ገብረሚካኤል፣ኣመራርሓ ዩኒቨርሲቲ ፖሊስ ኢትዮጵያ፣ መኮንናት ፖሊስ፣ቤተሰብ ተመረቕትን ፃውዒት ዝተገበረሎም ኣጋይሽን ተረኺቦም። ፕሬዚዳንት ዩኒቨርሲቲ ኢትዮጵያ ምክትል ኮሚሽነር ጀነራል መስፍን ኣበበ ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ፖሊስ ዩኒቨርሲቲ ኢትዮጵያ ሪፎርም ብምግባር ብቑዕ ሓይሊ ሰብ ናይ ምፍራይ ሃገራዊ ሓላፍነቱ እናተዋፅአ እዩ ዝርከብ። እቲ ዩኒቨርሲቲ ትምህርትን ስልጠናን ፖሊስ ፅሬቱ ዝሓለወ ኣብ ምግባር ዓብይ ስራሕ እናሳለጠ እዩ ዝርከብ እውን ኢሎም። እቶም ሰልጠንቲ ነዚ ዘበን ዝምጥን ፍልጠት ንክረኽቡ ብመርሃ ግብርታት 6 ካልኣይ ዲግሪ፣19 ቀዳማይ ዲግሪን ካልኦት ዓውድታት ትምህርትን እናምሃረ ከምዝርከብ ሓቢሮም። ንተምሃሮ ጎረቤት ሃገራት እውን ነፃ ዕድል ትምህርቲ ብምሃብ ዞባዊ ምትሕብባር ንክጠናኸር እጃሙ እናተዋፅአ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።
ኢትዮጵያ ስደተኛትት ኣብ ምቕባል ንትገብሮ ደገፍ ኔዘርላንድስ ትገብሮ ምትሕብባር ኣጠናኺራ ክትቕፅለሉ እያ
Jun 20, 2025 59
ኣዲስ ኣበባ/ሰነ 13/2017(ኢዜኣ) ኢትዮጵያ ስደተኛትት ኣብ ምቕባል ንትገብሮ ደገፍ ኔዘርላንድስ ትገብሮ ምትሕብባር ኣጠናኺራ ከምትቕፅለሉ ኣብ ኤምባሲ ኔዘርላንድስ ኣብ ኢትዮጵያ ዋና መተሓባበሪ ጉዳያት ዞባዊ ስደተኛታት ታይስቲ ሶንዳል ገሊፆም። እቶም ዋና መተሓባበሪ ምስ ኢዜኣ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት፤ ኢትዮጵያ ስደተኛታት ተቐቢላ ኣብ ምትእንጋድ ትገብሮ ዘላ ኣስትዋፅኦ ንኢዶም። ኢትዮጵያ ንስደተኛታት ሓለዋ ኣብ ምግባር፣ፍቓድ መስርሒ ኣብ ምሃብ፣ተጠቀምቲ ዲጂታል መለለዪ መንነት ንክኾኑን ዝተፈላለዩ ኣገልግሎታት ንክረኽቡን ኣብ ምግባር ኣወንታዊ እጃም እናበርከተት ከምዝኾነት ተዛሪቦም። መንግስቲ ኢትዮጵያ ስደተኛታት ብሓቛፍነት ዘተኣናግደሉ ኣሰራርሓ መንግስቲ ኔዘርላንድስ ከምዝድግፍ እውን ሓቢሮም። ኔዘርላንድስ ሰብኣውን ልምዓታውን ደገፍ እናገበረት ከምትርከብ ብምሕባር፤ ኣብ ቀፃሊ እውን እቲ ደገፍ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ኣረጋጊፆም። እታ ሃገር ምስ ካልኦት ዓለም ለኸ ትካላት ልምዓት ብምትሕብባር ኢትዮጵያ ሓዊሱ ኣብ 8 ሃገራት ተግባራዊ ዝግበር መርሃ ግብሪ ልምዓት 4 ዓመት ከምዘለዋ ኣረዲኦም። ኢትዮጵያን ኔዘርላንድስን ዘለወን ታሪኻዊ ርክብ ኣብ ንግድን ኢንቨስትመንትን፣ሰብኣዊ ደገፍን ካልኦት ዓውድታትን ተጠናኺሩ ከምዝቐፀለ ተዛሪቦም። ኔዘርላንድስ ኣብ ዓውዲ ኢንቨስትመንት ኢትዮጵያ ብንቕሓት ካብ ዝሳተፋ ሃገራት ኣባል ሕብረት ኣውሮፓ ከምዝኾነት ብምግላፅ፤ እተን ሃገራት ኣብ ግብርና፣ ምምሕዳር ማይ፣ሓለዋ ጥዕናን ካልኦት ዓውድታትን ጠንካራ ምትሕብባር ኣለወን ኢሎም። ኣብ ቀፃሊ እውን ርክብ ክልቲአን ሃገራት ናብ ዝለዓለ ብርኪ ንምሽግጋር ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ከምዝሳለጡ ወሲኾም ገሊፆም።
ኣብ ኢትዮጵያ ንስራሕቲ ዘላቒ ልምዓት ዝግበር ደገፍ ተጠናኺሩ ክቕፅል እዩ-ውሕመ
Jun 20, 2025 43
ኣዲስ ኣበባ/ሰነ /13/2017(ኢዜኣ) ውድብ ሕቡራት መንግስትታት(ውሕመ) ንስራሕቲ ዘላቕን ኩለመዳያውን ልምዓት ኢትዮጵያ ዝገብሮ ደገፍ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅለሉ ኣፍሊጡ። ውሕመ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ዘላቒ ልምዓት ንምድጋፍ ዘኽእል ደገፍ 6 ነጥቢ 5 ቢልዮን ዶላር ስምምዕ ደገፍ ገይሩ። እቲ ስምምዕ፤ ሓጋዚ ዋና ፀሓፊ ውሕመ ከምኡ እውን ዋና መተሓባበሪ ሰብኣዊ ሓገዝ ኣብ ኢትዮጵያ ዶክተር ራሚዝ ኣላካባሮቭን ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ገንዘብ ሰመሪታ ሰዋሰውን እዮም ፈሪመምዎ። እቲ ስምምዕ ኢትዮጵያ ቀፃልነት ዘለዎን ኩለመዳያውን ልምዓት ንምርግጋፅ ትገብሮ ፃዕሪ ንምድጋፍ ዝዓለመ ከምዝኾነ ተገሊፁ። እቲ ንሓሙሽተ ዓመታት ተግባራዊ ዝግበር ስምምዕ፤ ኣብ ኢትዮጵያ ኢኮኖሚ ንምዕባይ፣ውሕስና ምግቢ ንምርግጋፅ፣ንልምዓት ኢነርጂ፣ንትምህርቲ፣ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ንምክልኻልን ንካልኦት ዓውድታትን ከምዝውዕል እውን ተሓቢሩ። ሓጋዚ ዋና ፀሓፊ ውሕመ ከምኡ እውን ዋና መተሓባበሪ ሰብኣዊ ሓገዝ ኣብ ኢትዮጵያ ዶክተር ራሚዝ ኣላካባሮቭ ኣብቲ እዋን ከምዝበልዎ፤ እቲ ደገፍ ስራሕቲ ልምዓት ኢትዮጵያ ንምሕጋዝ ዘኽእል እዩ። ኣብ ቀፃሊ እውን ውሕመ ኣብ ኢትዮጵያ ንዝሳለጡ ስራሕቲ ልምዓት ዝገብሮ ደገፍ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅለሉ ኣረጋጊፆም። ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ገንዘብ ሰመሪታ ሰዋሰው ብግደአን፤ እቲ ስምምዕ ምትሕብባር ኢትዮጵያ ንተሳልጦም ስራሕቲ ልምዓት ወሳኒ ከምዝኾነ ተዛሪበን። ውሕመ ንዝገብሮ ዘሎ ደገፍ ብምምስጋን፤ ንውፅኢታውነት እቲ ስምምዕ ብትኹረት ክስራሕ እዩ ኢለን።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ምስ ጄኔራል ማሪን ኮርፕስ ኣሜሪካን ኣዛዚ ኣፍሪኮምን ዝኾኑ ጄነራል ማይክል ላንግሌይ ዘትዮም
Jun 20, 2025 36
ኣዲስ ኣበባ/ሰነ /13/2017 (ኢዜኣ) ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ምስ ጄኔራል ማሪን ኮርፕስ ኣሜሪካን ኣዛዚ ኣፍሪኮምን ዝኾኑ ጄነራል ማይክል ላንግሌይ ዘትዮም። እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽ፤ ምስ ጄኔራል ማሪን ኮርፕስ ኣሜሪካን ኣዛዚ ኣፍሪኮምን ዝኾኑ ጄነራል ማይክል ላንግሌይ ሎሚ ንጉሆ ምዝታዮም ገሊፆም። ሓባራዊ ድሌት ኣብ ዝኾኑ ክልቲኣውን ዞባውን ጉዳያት ዘቲና ክብሉ እውን ሓቢሮም።
ንኢትዮጵያ ኣብ ምፅናዕን ኣብ ምልማዕን ምስ ተነሓናሕቲ ውድባት ፖለቲካ ሓቢርካ ምስራሕ የድሊ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)
Jun 20, 2025 40
ኣዲስ ኣበባ/ሰነ/ 13/2017(ኢዜኣ) ምስ ተነሓናሕቲ ውድባት ፖለቲካ ዋላ ኳ ኣብ ዘይተረዳዳእናሎም ጉዳያት እንተተኸራኸርና ኢትዮጵያ ኣብ ምፅናዕን ኣብ ምልማዕን ግና ብሓባር ምስራሕ የድሊ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም። እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ምስ ካብ መላእ ኢትዮጵያ ዝተውፃእፅኡ ተወከልቲ ተነሓናሕቲ ውድባት ፖለቲካ ዝዘተዩ እንትኸውን፤ ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ዝሓለፈ 6ይ ሃገራዊ መረፃ ዝሓሸ ዲሞክራሲያዊ፣ኣሳታፍን ሓቛፍን መረፃ ንክካየድ ምትሕብባር ተነሓናሕቲ ውድባት ፖለቲካ ከምዘድሊ ተዛሪቦም። “ብናትና እምነት እቲ መረፃ ሓቛፊ ንክኸውን ክንሰርሕ ኢና፣ንስኻትኩም እውን እክብን ጥንክርን በሉ ክንድግፈኩም ኣብ ዝግበኣና ክንሕግዘኩም ኢና” ኢሎም። ፓርቲ ብልፅግና ሕልምታት ስለዘውዎ ዝወዳደር ንክስዕር እዩ ዝበሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)፤ ይኹን እምበር በይኑ ዝሕዞ ፓርላማ ክጠቅም እዩ ኢልና ኣይንሓስብን ክብሉ እውን ሓቢሮም። ኣብ መረጻ እንከራኸረሎም ጉዳያት ከምዘለዉ ብምሕባር፤ ኣብ እንስማዕመዐሎም ሓቢርና እንተሰሪሕና እቲ ፓርላማ ይኹን መንግስቲ ሓቛፊ ይኸውን ክብሉ ገሊፆም። ምህዳር ፖለቲካ ንክሰፍሕ ንሕና ድሉዋት ኢና ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ምስ ተነሓናሕቲ ውድባት ፖለቲካ ዋላ ኳ ኣብ ዘይተረዳዳእናሎም ጉዳያት እንተተኸራኸርና ኢትዮጵያ ኣብ ምፅናዕን ምልማዕን ግና ብሓባር ምስራሕ የድሊ ኢሎም። ካብ ዝሓለፈ መረፃ ዝሓሸ ሓቛፍን ዲሞክራሲያውን መረፃ ኣብ ኢትዮጵያ ከምዝካየድ ብምግላፅ፤ ዋላ ኳ እዚ ዘይደልዩ ሰባት እንተሃለዉ ንሕና ኮሪደር ክነልምዕ ኢና፣ልምዓት ስርናይ ክነስፋሕፍሕ ኢና፣ሕዳሰ ክነመርቕ ኢና፣መረጻ ክነካይድ ኢና፣ኢትዮጵ እውን ክትቕፅል እያ ኢሎም። በቢዞባታቱ ዝገጥምኹም ፀገማት ዝምልከት እውን ምስ ኣመራርሓ ክልል ተዘራሪብና ንምፍታሕ ክንሰርሕ ኢና ፣ዝጎደለ ነገር እንተሃልዩ እውን እናተዛተና ክንፈትሖ ኢና ክብሉ ኣብራህሪሆም። ህልውናን ልኣላዊነትን ኢትዮጵያ ስግኣት ዝኾነሉ ዘበን ሓሊፉ እዩ ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ኣብዚ ሕዚ እዋን ዝኾነ ኣካል ንኢትዮጵያ ብሓይሊ ምብርካኽ ኣይኽእልን፤ ኢትዮጵያ ሓንቲ እያ ሓንቲ ኮይና እውን ክትቕፅል እያ ኢሎም።
ኣፍ ደገ ባሕሪ ንኢትዮጵያ ጉዳይ ህልውና እዩ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)
Jun 20, 2025 48
ኣዲስ ኣበባ/ሰነ 13/2017(ኢዜኣ) ኣፍ ደገ ባሕሪ ንኢትዮጵያ ኣጀንዳ ፖለቲካ ዘይኮነስ ጉዳይ ህልውናኣ እዩ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)ገሊፆም። ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ምስ ካብ መላእ ኢትዮጵያ ዝተውፃእፅኡ ተወከልቲ ተነሓናሕቲ ውድባት ፖለቲካ ዘትዮም። እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ናይ ኩሉ ግዜ ድሌት ኢትዮጵያ ምስ ጎረቤታ ብሓባር ምልማዕ እዩ። ኢትዮጵያ ሰላም ምዃናን ምልማዓን ንዕቤት እቲ ዞባ ኣወንታዊ እጃም ከምዘለዎ እውን ተዛሪቦም። ኢትዮጵያ ዓባይ ሃገርን ልዑል በዝሒ ህዝቢ ዘለዋን እያ ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ሰላምን ልምዓትን ንኢትዮጵያ ቁልፊ ጉዳያት ከምዝኾኑ ጎረቤታ ክፈልጡ ከምዝግባእ ፀሪሖም። ሕቶ ኣፍ ደገ ባሕሪ ኢትዮጵያ ብሕጋውን ሰላማውን መንገዲ ምላሽ ንክረክብ እናሰርሐት ከምትርከብ እውን ኣረዲኦም። ጉዳይ ኣፍ ደገ ባሕሪ ኣጀንዳ ፖለቲካ ከምዘይኮነ ብምግላፅ፤ እቲ ጉዳይ ንኢትዮጵያ ጉዳይ ህልውና እዩ ኢሎም። ኣፍ ደገ ባሕሪ ዘይምህላዉ ኣብ ልዕሊ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ልዑል ፅልዋ እናሕደረ ከምዝርከብ ዝገለፁ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ እቲ ጉዳይ ቅልጡፍ መፍትሒ ከምዘድልዮ ኣመላኺቶም። ኢትዮጵያ ኣፍ ደገ ባሕሪ ከምዘድልያን እዚ ድማ ብሕግታት ንግዲ ምላሽ ክረክብ እዩ ኢሎም ከምዝኣምኑን ገሊፆም። ጎረቤት ሃገራት ሕቶ ኣፍ ደገ ባሕሪ ኢትዮጵያ ብቕንዕና ንክርድእዎን እቲ ሕቶ ንምልማዕን ንምዕባይን ካብ ዘለና ድሌት ከምዝኾነን ክርድኡ ከምዝግባእ እውን ኣረዲኦም።
ውድባት ፖለቲካ ኣብቲ ሃገራዊ ምኽክር ጠንካራ ተሳትፎ ክገብሩ ትፅቢት ይግበረሎም-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)
Jun 20, 2025 30
ኣዲስ ኣበባ/ሰነ 13/2017(ኢዜኣ) ውድባት ፖለቲካ ኣብቲ ሃገራዊ ምኽክር ጠንካራ ተሳትፎ ክገብሩ ትፅቢት ከምዝግበረሎም ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም። ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ምስ ካብ መላእ ኢትዮጵያ ዝተውፃእፅኡ ተወከልቲ ተነሓናሕቲ ውድባት ፖለቲካ ዘትዮም። እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ዘለዉ ዘይምርድዳኣት ንምፍታሕ ንኹሉ ዝሓቖፈ ሃገራዊ ምኽክር ንክህሉ ፃዕሪ እናተገበረ እዩ ዝርከብ። ኣብቲ ሃገራዊ ምኽክር ብርክት ዝበሉ ክፋላት ሕብረተሰብ እናተሳተፉ ከምዝርከቡ ብምግላፅ፤ ውድባት እውን ተሳትፎ እናገበሩ ከምዝርከቡ ሓቢሮም። ይኹን እምበር ሓደ ሓደ ውድባት ፖለቲካ ኣብቲ ምኽክር ከምዘይተሳተፉ ብምግላፅ፤ እቶም ውድባት ሓሳቦም ንከይገልፁ ዝኽልክል ነገር የለን ኢሎም። ኩሎም ውድባት ፖለቲካ ልዕልና ሓሳብ መሰረት ብምግባር ኣብቲ ሃገራዊ ምኽክር ንቑሕ ተሳትፎ ክገብሩ ከምዘለዎም እውን ኣተሓሳሲቦም። እቲ ሃገራዊ ምኽክር ሓደ መድረኽ ፖለቲካ እዩ ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ውድባት ዘለዎም ሓሳብ ንክገልፁ ሓቲቶም። ኣብቲ ምኽክር ብርክት ዝበሉ ኣጅንዳታት እናተልዓሉ ከምዝኾኑ ብምሕባር፤ እቲ ምኽክር ብዘተን ዝርርብን ንዝኣምን ኣካል ኩሉ ክፍቲ እዩ ኢሎም። ኣብቲ ሃገራዊ ምኽክር ዝለዓሉ ሓሳባት ተፈልዮም ሕጊ መሰረት ብዝገበረ መልክዑ ምምሕያሽ ከምዝግበረሎም እውን ኣረጋጊፆም።
መንግስቲ ምስ ተነሓናሕቲ ውድባት ፖለቲካ ብምትሕብባር ንምስራሕ በሩ ክፍቲ እዩ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)
Jun 20, 2025 27
ኣዲስ ኣበባ/ሰነ/ 13/2017(ኢዜኣ) መንግስቲ ምስ ተነሓናሕቲ ውድባት ፖለቲካ ብምትሕብባር ንምስራሕ ኩሉ ግዜ በሩ ክፍቲ ከምዝኾነ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም። ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ምስ ካብ መላእ ኢትዮጵያ ዝተውፃእፅኡ ተወከልቲ ተነሓናሕቲ ውድባት ፖለቲካ ዘትዮም። እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ምስ ተነሓናሕቲ ውድባት ዝተገበረ ዘተ ኣካል ለውጢ ምህዳር ፖለቲካ እዩ። ኣብ ዓለም ፀገም ዘይብሉ ምህዳር ፖለቲካ ኣሎ ኢልካ ምሕሳብ ግቡእ ከምዘይኮነ ብምግላፅ፤ እዚ ብትኽክል ምርዳእ ከምዝግባእ ሓቢሮም። ኣብ ውሽጢ ምህዳር ፖለቲካ ኣተሓሳስባታት ንሕንሕን ምትሕብባርን ከምዘለዉን ፓርቲ ብልፅግና ምስ ውድባት ጥዕና ዘለዎ ንሕንሕን ምትሕብባርን ንክህልዎ እናሰርሐ ከምዝኾነን ገሊፆም። ፓርቲ ብልፅግና ምስ ውድባት ፖለቲካ ብዘለዎ ርክብ ንሕንሕን ምትሕብባርን ሚዛኑ ሓልዩ ንክኸይድ እናገበረ ከምዝርከብ እውን ተዛሪቦም። ካብ ንሕንሕን ምትሕብባርን እቲ ሓደ ሚዛን እንተደፊኡ እቲ ዝድለ ውፅኢት ምርካብ ኣይከኣልን ዝበሉ እቶም ቀፋማይ ሚኒስትር፤ ኣብ ዝተፈላለዩ ብርክታት ኣመራርሓ መንግስቲ 273 ተወከልቲ ተነሓናሕቲ ውድባት ፖለቲካ እናሰርሑ ከምዝርከቡን መንግስቲ ንምትሕብባር ዘለዎ ሰናይ ድሌት ብግልፂ ከምዘርእን ኣረዲኦም። መንግስቲ ሓቛፋይነት ተነሓናሕቲ ውድባት ብምዕባይ ዝሓሸት ኢትዮጵያ ንምህናፅ እናሰርሐ ከምዝርከብ እውን ፀሪሖም። መንግስቲ ምስ ተነሓናሕቲ ውድባት ንምስራሕ ኩሉ ግዜ በሩ ክፍቲ ከምዝኾነ ብምሕባር፤ ውድባት ብምትእኽኻብ ጠንካራ ሓሳባት ኣብ ምፍላቕ ትኹረት ንክገብሩ ሓቲቶም።
ኣወሃህባ ኣግልግሎት መንግስቲ ንምምዕባል ዘኽእል ሪፎርም ይስራሕ ኣሎ-ኮሚሽን ሲቪል ሰርቪስ መኩሪያ ሀይሌ (ዶ/ር)
Jun 19, 2025 29
ኣዲስ ኣበባ/ሰነ/ 12/2017(ኢዜኣ) ኢትዮጵያ ኣወሃህባ ኣግልግሎት መንግስቲ ምምዕባልን ፀገም ሰናይ ምምሕዳር ብዘላቕነት ምፍታሕን ዘኽእል ሪፎርም እናገበረት ከምዝኾነት ኮሚሽነር ኮሚሽን ሲቪል ሰርቪስ መኩሪያ ሀይሌ (ዶ/ር) ገሊፆም። ኮሚሽነር ኮሚሽን ሲቪል ሰርቪስ መኩሪያ ሀይሌ (ዶ/ር)፤ ኢትዮጵያ ጎና ጎኒ ተተኣናግዶም መበል 10ይ ጉባኤ ኣገልግሎትን ምምሕዳርን መንግስቲ ሃገራት ኣባል ሕብረት ኣፍሪካን ዞባዊ ፎረም ኣፍሪካ ውድብ ሕቡራት መንግስትታትን ኣመልኪቶም መግለፂ ሂቦም። እቶም ጉባኤታት፤ ካብ 14 ሰነ 2017 ዓ/ም ጀሚሩ ንሰለስተ ተኸታተልቲ መዓልትታት ኣብ መኣከቢ ኣዳራሽ ሕብረት ኣፍሪካ ክሳለጡ እዮም። እቶም ኮሚሽነር ኣብ መግለፂኦም ከምዝበልዎ፤ ጉባኤ ኣገልግሎትን ምምሕዳርን መንግስቲ ኣፍሪካ በቢ ክልተ ዓመት ዝሳለጥ ኣህጉራዊ ኩነት እዩ። እቲ ጉባኤ፤ ትካላት መንግስቲ ተለዋዋጢ ኩነታት ተፃዊሮም እናተጠራቕሙ ዝመፁ ፈተናታት ብቕልጡፍ ንምፍታሕ ዝዓለመ ከምዝኾነ እውን ሓቢሮም። ኣብ ኣፍሪካ ዝተኣከቡ ፀገማት ኣገልግሎት ብምፍታሕ ሓቛፊ፣ዘላቒ ልምዓት ዘምፅእን ተሓታትነት ዘስፍንን፣ሰብኣዊ መሰል ዘኽብር፣ምትሕብባር ህዝብታት ዘጠናኽሩ ትካላት ምፍጣር ዘኽእል ከምዝኾነ እውን ተዛሪቦም። “ኣገልግሎትን ኢኖቬሽንን መንግስቲ” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ጎና ጎኒ ዝሳለጥ ዞባዊ ፎረም ውሕመ እውን ፈጠራ ብዝተሓወሶ መንገዲ ሰብ ተኮር ኣገልግሎት ምሃብ ዘኽእል ከምዝኾነ ገሊፆም። እዚ ፎረም፤ 17 ዘላቒ ሽቶታት ልምዓት 2030 ውሕመን 20 ስትራቴጂካዊ ሽቶታት ኣጀንዳ 2063 ኣፍሪካን ንምዕዋት ጠንካራ ትካል ንምፍጣር ዝዓለመ እዩ ኢሎም። ኢትዮጵያ ነዞም ሽቶታት ንምዕዋት ሪፎርም ኣገልግሎትን ምምሕዳርን መንግስቲ ብምሕንፃፅ ማዕቐፍ ፖሊስን ሕግን ከምዘዳለወት እውን ተዛሪቦም።
ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ህፃናት ብኣካልን ኣእምሮን ጠንኪሮም ንክዓብዩ ዘኽእሉ ስራሕቲ እናተሳለጡ እዮም-ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ
Jun 18, 2025 47
ኣዲስ ኣበባ/ሰነ /11/2017 (ኢዜኣ) ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ህፃናት ብኣካል፣ኣእምሮን ስነ ልቦናን ጠንኪሮም ንክዓብዩ ዘኽእሉ ስራሕቲ እናተሳለጡ ከምዝኾኑ ከንቲባ ምምሕዳር እቲ ከተማ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን። “ኣብ ኣፍሪካ ፅሬት ዘለዎን ሓቛፍን ክንክን ህፃናት ንምቅልጣፍ ምጥንኻር ሓባራዊ ምትሕብባር” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ክንክን ህፃናት ኣፍሪካ ዝጠመተ ጉባኤ ኣብ ኣዳራሽ ሕብረት ኣፍሪካ ይሳለጥ ኣሎ። ከንቲባ ምምሕዳር እቲ ከተማ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብ መኽፈቲ እቲ ጉባኤ ከምዝበልኦ፤ ኣብ ኢትዮጵያ ሓለዋ መሰል ህጻናት ቀዳምነት ትኹረት ካብ ዝወሃቦም ብሄራዊ ዛዕባታት እቲ ሓደ እዩ። ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ እውን ንኩለ መዳያዊ ዕቤት ህፃናት ትኹረት ብምሃብ እናተሰርሐ እዩ ኢለን። ስራሕቲ ምስፍሕፋሕ ህንፀት መውዓሊ ህጻናትን ስፍራታት መፃወትን መርሃ ግብሪ ቀዳማይ ዕቤት ቁልዕነት እናተሳለጡ ከምዝኾኑ ተዛሪበን። ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ብኣማኢት ኣሽሓት ንዝቑፀሩ ተምሃሮ ኣብ መዓልቲ ክልተ ግዜ ንኸምገቡ እናተገበረ ከምዝኾነ እውን ሓቢረን። መፃኢ ሂወት ህፃናት ኣፍሪካ ዝሓሸ ንምግባር ምትሕብባርን ትርጉም ዘለዎ ተግባራዊ ስጉምት ምውሳድን ከምዘድሊ ኣረዲአን። ህፃናት ምዕባይ ሓባራዊ ሓላፍነት ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ ህፃናት ብሕብረት ናይ ምዕባይ ኣፍሪካዊ ባህሊ ምስቲ ሕዚ ዘሎ ነባራዊ ኩነታት ብምጥዕዓም ምስራሕ ከምዝግባእ እውን ገሊፀን።
ምኽፋት ምህዳር ፖለቲካ ኣብ 2010 ዓ/ም ዝወሰንናዮ ቁልፊ ውሳነ እዩ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)
Jun 18, 2025 34
ኣዲስ ኣበባ/ሰነ/ 11/2017(ኢዜኣ) ምኽፋት ፖለቲካዊ ምህዳር ኣብ 2010 ዓ/ም ዝወሰንናዮ ቁልፊ ውሳነ እዩ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም። እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ካብቲ እዋን ጀሚሩ ንነዊሕ ዘበን ዝፀንሐ ውድባት ተቓወምቲ ጌርካ ካብ ምርኣይ ሕጋዊ ተናሓናሕቲ ጌርካ ብምትእንጋድ ዲሞክራሲያዊ ሃዋሁ ንምፍጣር ጠንኪርና ሰሪሕና ኢና ኢሎም። እዚ ናይ ኣተሓሳስባ ስግግር ሰላማዊ ባህሊ ንሕንሕ ንቀፃሊ ተስፋ ኢትዮጵያ ኣድላይ ስለዝኾነ ኣብ ምትእምማን መሰረት ዝገበረ ከምዝነበረ እውን ሓቢሮም። እዚ ቅዋም ሒዝና እውን ንዝሓለፉ ዓመታት ኣብ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ምስ ዝተመዝገቡ ውድባት ተኸታታሊ መድረኸ እናካየድና ፀኒሕና ኢና ክብሉ ፀሪሖም። ሎሚ እውን ኣካል ኣብዚ ሰሙን ነሳልጦም ዘለና ዘተታት መዳርግቲ ኣካላት ዝኾነ ዘተ ምስ ውድባት ፖለቲካ ኣሳሊጥና ኢሎም። እዚ ድማ ካብ ዝመፅሉ ከባቢ ዝለዓሉ ዝተፈላለዩ ሓሳባት ብምድማፅ እታዎት ንምውሳድ ዝዓለመ ከምዝነበረ ኣረዲኦም።
ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ገበናት ብገበን ዝተረኸበ ንብረት ሕጋዊ ምምሳልን ንግብረ ራዕዲ ብገንዘብ ምድጋፍን ንምክልኻል ዝወፀ መመሓሺ ኣዋጅ ኣፅዲቑ
Jun 17, 2025 45
ኣዲስ ኣበባ/ሰነ/ 10/2017 (ኢዜኣ) ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ገበናት ብገበን ዝተረኸበ ንብረት ሕጋዊ ምምሳልን ንገበን ግብረ ራዕዲ ብገንዘብ ምድጋፍን ንምክልኻል ዝወፀ መመሓሺ ኣዋጅ ብኣብዝሓ ድምፂ ኣፅዲቑ። እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ዝገበሮ መበል 37 ስሩዕ ኣኼባ ቀዋሚ ኮሚቴ ሕግን ፍትሕን ኣብ ዘቕረቦ ሓሳብ ውሳነ ዘትዩ። ምክትል ኣካቢ እቲ ቀዋሚ ኮሚቴ ኣይተ ኢሳ ቦሩ፤ ካብቶም 58 ዓንቀፃት እቲ ነባር ኣዋጅ 7890/2005 እቶም 14 መመሓየሺ ከምዝተገበረሎም ገሊፆም። ኣባላት እቲ ቤት ምኽሪ ብግደኦም፤ ኣብቲ ኣዋጅ ምምሕያሽ ምግባሩ ነታ ሃገር ዝበለፀ ጠንካራ ሕጊ ዘድሊ ስለዝኾነ ግቡእ እዩ ኢሎም። ኣብ ሓደ ሓደ ዓንቀፃት ንኣካላት ፀጥታ ካብ ዝተውሃቡ መሰላት፣ብዘይሕጋዊ መንገዲ ካብ ሃገር ዝወፀ ገንዘብ ምምላስ፣ግብረ ራዕዲ ብገንዘብ ዝደገፉ ሰባት ብሕጊ ኣብ ምሕታት እቲ መመሓየሺ ክንደየናይ ምክልኻል ከምዝኽእል እውን ሕቶታት ተላዒሎም። መመሓሺ እቲ ኣዋጅ ምክረ ሓሳብ ዓለም ለኸ ግብረ ሓይሊ ፋይናንስ መሰረት ዝገበረ ከምዝኾነ እቲ ቀዋሚ ኮሚቴ ገሊፁ። እቲ ቤት ምኽሪ ብሰፊሑ ድሕሪ ምዝታዩ ገበናት ብገበን ዝተረኸበ ንብረት ሕጋዊ ምምሳልን ግብረ ራዕዲ ብገንዘብ ምድጋፍን ንምክልኻል ዝቐረበ መመሓየሺ ኣዋጅ 1387/2017 ኮይኑ ብኣብዝሓ ድምፂ ፀዲቑ። ብተወሳኺ እውን እቲ ቤት ምኽሪ ረቂቕ ኣዋጅ ስታርት ኣፕ ብዝርዝር ንክረአ ናብ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ልምዓት ሓይሊ ሰብ፣ወፍሪ ስራሕን ቴክኖሎጅን መሪሑ።
ኢትዮጵያ እቲ ዞባ ብቀረብ ሓይሊ ንምትእስሳር ብቆራጽነት እናሰርሐት እያ-ጌዲዮን ጢሞቴዎስ (ዶ/ር)
Jun 17, 2025 47
ኣዲስ ኣበባ/ሰነ /10/2017 (ኢዜኣ) ኢትዮጵያ እቲ ዞባ ብቀረብ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ንምትእስሳር ብቆራጽነት እናሰርሐት ከምዝኾነት ሚኒስትር ጉዳይ ወጻኢ ጌዲዮን ጢሞቴዎስ (ዶ/ር) ገሊጾም። መበል 4ይ ዓመታዊ ኮንፈረንስ ፍትሓዊ ተጠቃምነት ሩባ ናይልን ዞባዊ ምትእስሳርን ይካየድ ኣሎ። እቲ መድረኽ፤ “ዞባዊ ምትእስሳር ሓይሊ ንሓቛፍን ዘላቕን ልምዓት” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ኢንስቲትዩት ጉዳይ ወጻኢ ምስ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያን Konrad Adenauer Stiftungን ብምትሕብባር ዘዳለዎ እዩ። ኣብቲ መድረኽ፤ ሚኒስትር ጉዳይ ወጻኢ ጌዲዮን ጢሞቴዎስ (ዶ/ር)፣ሚኒስትር ማይን ኢነርጅን ኢንጂነር ሀብታሙ ኢተፋ (ዶ/ር)፣ኣብ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኣካቢ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ርክብ ወጻእን ሰላምን ዲማ ነገዎ (ዶ/ር)፣ዋና ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት ጉዳይ ወጻኢ ጃፋር በድሩን ፃውዒት ዝተገበረሎም ኣጋይሽን ተረኺቦም። ሚኒስትር ጉዳይ ወጻኢ ጌዲዮን ጢሞቴዎስ (ዶ/ር) ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ቀረብ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ዞባዊ ውህደትን ምትሕብባር ኣጀንዳን ንምዕዋት ወሳኒ እዩ። ምትእስሳር ሓይሊ እቲ ዞባ ንኩለመዳያውን ዘላቕን ልምዓት ሃገራት ኣፍሪካ እምነ ኩርናዕ ከምዝኾነ እውን ሓቢሮም። ኣብዚ መዳይ ኢትዮጵያ ኣብቲ ዞባ ጭቡጥ ዝኾነ ምትእስሳር ሓይሊ ንምፍጣር ብቆራፅነት እናሰርሐት እያ ትርከብ ኢሎም። ግድብ ኣፍሪካውያን ዝኾነ ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ኢትዮጵያ ሓደ መርኣያ ከምዝኾነ እውን ፀሪሖም። ኢትዮጵያ ክሳብ ሕዚ ንኬንያ፣ሱዳንን ጅቡትን ሓይሊ እናቕረበት ከምዝኾነት ብምሕባር፤ ኣብ ቀጻሊ እዚ ብምስፍሕፋሕ ንሶማሊያ፣ደቡብ ሱዳንን ታንዛንያን ንምቕራብ ኣብ ከይዲ ከምዝኾነት ተዛሪቦም። እቲ ዞባ ብሓይሊ ኤሌክትሪክ ምትእስሳሩ ንፈጠራ ዕድል ስራሕ፣ምስፍሕፋሕ ኢንዱስትርን ምርግጋፅ ዘላቒ ልምዓትን ወሳኒ ከምዝኾነ እውን ኣረዲኦም።
ሰብ ሞያ ኪነ -ጥበብ ሓባራዊ ተረኽ ንምህናፅ እጃሞም ክዋፅኡ ኣለዎም-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)
Jun 17, 2025 41
ኣዲስ ኣበባ/ሰነ/ 10/2017(ኢዜኣ) ሰብ ሞያ ኪነ -ጥበብ ሓባራዊ ተረኽ ኣብ ምህናፅ ሞያዊ ሓላፍነቶም ንክዋፅኡ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ፃውዒት ኣቕሪቦም። ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ምስ ካብ መላእ ኢትዮጵያ ዝተውፃእፅኡ ተወከልቲ ማሕበረሰብ ጥበብ ዘትዮም። እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብቲ ዘተ ከምዝበልዎ፤ ኣብ ታሪኽ ዓለም ይኹን ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ ኪነ -ጥበብ ስልጣነ ንምምፃእን ብልፅግና ንምርግጋፅን ዘይትካእ እጃም ኣለዎ። “ስልጣነን ኪነ -ጥበብን ኢድ ንኢድ ተተሓሒዞም እዮም ስራሕ ክሰርሑ ዝኽእሉ፣ኪነ ጥበብ ምናባዊ ሓይሊ ኣለዎ እዩ” ኢሎም። ኢትዮጵያ ሓዊሱ ካልኦት ድሌት ዕቤት ንዘለወን ሃገራት ኪነ- ጥበብ ቁልፊ እጃም ዘለዎ ዓውዲ ከምዝኾነ እውን ሓቢሮም። ምንባብ ኪነ -ጥበብ፥ኢንዱስትርን መንግስትን ንዕቤት ሃገራት ርኡይ ኣስተዋፅኦ ከምዘለዎ እውን ገሊፆም። ኣብዚ መዳይ ብልፅግና ኢትዮጵያ ንምርግጋፅን ቀፃሊ ዕድል ደቅና ንምስራሕን መንግስትን ሰብ ሞያ ኪነ -ጥበብን ብሓባር ክሰርሑ ከምዘለዎም ኣረዲኦም። ሰብ ሞያ ኪነ -ጥበብ መንግስቲ ኣብ ዝሰርሐሉ ዘሎ ህንፀት ሓባራዊ ተረኽ ሓላፍነቶም ብኣግባቡ ንክዋፅኡ እውን ፃውዒት ኣቕሪቦም።
ኪነ -ጥበብ ጣሕሳን ምንፅርፃርን ጥራሕ ዘይኮነስ ወነ ክፈጥር ይግባእ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)
Jun 17, 2025 42
ኣዲስ ኣበባ/ሰነ /10/2017(ኢዜኣ) ኪነ -ጥበብ ጣሕሳን ምንፅርፃርን ጥራሕ ዘይኮነስ ወነ ክፈጥር ይግባእ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም። ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ምስ ካብ መላእ ኢትዮጵያ ዝተውፃእፅኡ ተወከልቲ ማሕበረሰብ ጥበብ ዘትዮም። እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብቲ ዘተ ካብቶም ተወከልቲ ንዝተልዓልሎም ሕቶታት ኣብ ዝሃብዎ ምላሽን መብራህርህን፤ ሰብ ሞያ ኪነ ጥበብ ፀገም ጥራሕ ዘይኮነስ ተስፋ ኣብ ዘርእዩ ስራሕቲ ጠመተ ክገብሩ ይግባእ ኢሎም። ሰብ ሞያ ኪነ -ጥበብ ካብ ኣብ ፖለቲካ ኣብ ማሕበራዊ ጉዳይ ብትኹረት ብምስራሕ ዝሓስብዎ ምስኻዕ ከምዝኽእሉ እውን ተዛሪቦም። ኪነ -ጥበብ ብመንግስቲ ጥራሕ ዘይኮነስ በቲ በዓል ሞያ ክዝከር ከምዘለዎን እቲ ኢንዱስትሪ ንክዓቢ ኢትዮጵያ ክትዓቢ ከምዘለዋን እውን ሓቢሮም። ነዚ ድማ ኢንዱስትሪ ፊልም ቱርክ፣ህንድን ኮርያን ከም ኣብነት ፀሪሖም። ኢትዮጵያ ብዙሕ ባህሊ ዘለዋ ሃገር ከምዝኾነት ዝገለፁ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ኪነ -ጥበብ ኢትዮጵያ ማዕቢሉ ኣብ ኣፍሪካን ዓለምን ዝረአ ነገር ምፍጣሩ ከምዘይተርፍ ገሊፆም። ብሚኒስቴር ባህልን ስፖርትን መድረኽ ህዝቢ ንህዝቢ እናተዳለወ ከምዝኾነ ብምሕባር፤ እዚ ድማ ተጠናኺሩ ንክቕፅል መንግስቲ ደገፍ ክገብር እዩ ኢሎም። ሰብ ሞያ ኪነ -ጥበብ ብዋናነት ኣብ ኣመለኻኽታ ክሰርሑ ከምዝግባእ ብምትሕስሳብ፤ ኪነ- ጥበብ መዘናግዒ ጥራሕ ዘይኮነስ ሽቶን ልኡኽቶን ዘለዎ ክኸውን ከምዘለዎ እውን ኣረዲኦም። ኣርቲስት ቋንቋ ከምዘለዎ ዝሓበሩ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ኣክቲቪስት ምዃን እንተደልዩ ካባን ክብርን ኣርቲስትነት እናወደቐ እዩ ክብሉ ተዛሪቦም። ብተወሳኺ እውን መንግስቲ ጉዳያት ፖሊሲ፣ኣሰራርሓን ኣወዳድባን ፈትሹ ዝዕረ ንምዕራይ ከምዝሰርሕ ኣረጋጊፆም። ኪነ -ጥበብ ሓቛፍን ወለዶ ኣብ ዝሃንፅን ሓባራዊ ተረኽ ዝሰርሕ ምዃኑ ምርግጋፅ ከምዝግባእ እውን ሓቢሮም። ሰብ ሞያ ኪነ -ጥበብ ኣብ ሓደ ጠንካራ ማሕበር ክተኣኻኸቡ ከምዘለዎም ተዛሪቦም። “ኢትዮጵያ ተስፋ ኣለዋ፤ ክትምዕብል እያ። ግምት ዘይኮነስ ዓቕሚ ኣለዋ እዩ” ዝበሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)፤ “እትምዕብል ፀገም ንምቕባል ድሉው እንተኾይንና እዩ” ክብሉ እውን ፀሪሖም። “ብልፅግና ሪኦም ካብ ዝነብርሉን ካብ ዝካፈሉዎን ሰባት ዘይክኸውን ይኽእል እየ ይኹን እምበር መሰረት ብልፅግና ኣንቢሮም ካብ ዝሓልፉ ሰባት ሓደ እየ” ኢሎም። ኣብ ራኢ ኢትዮጵያን ኣብ እዋን ፀገምን ንዝተሳተፉ ሰብ ሞያ እቲ ዓውዲ ምስጋና ዘቕረቡ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ “እንትንምዕብል ሽምኩም ብኣሰር ወርቂ ዝተፅሓፈ ክኸውን እዩ” ኢሎም። ብተፃራሪኡ ድማ”ኣብቲ እዋን እንትንደልየኩም ዝኸዳዕኹምና ይቅርታ ገይርናልኩም ኢና” ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ “ኢትዮጵያ ኣይትኸሓዱ ኢትዮጵያ ክሒድካ ሃፍታም ካብ ምዃን እንተዝተርፍ ይሓይሽ”ክብሉ እውን መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።
ሙሁራን ኣጀንድኦም ንኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ንከቕርቡ ምችው ኩነታት ተፈጢሮም እዮም
Jun 16, 2025 56
ኣዲስ ኣበባ/ሰነ/ 9/2017(ኢዜኣ) ሙሁራን ዘለውዎም ኣጀንዳታት ብቀጥታ ንኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ንከቕርቡ ምችው ኩነታት ከምዝተፈጠረ ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ። ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ ኣብ ዙርያ እቲ ከይዲ ምኽክር እታዎት ንምትእኽኻብን ብዝበለፀ ተቐራሪብካ ምስራሕ ኣብ ዝከኣለሎም ኩነታትን ኣመልኪቱ ምስ ሙሁራን ይዝቲ ኣሎ። ኣብቲ መድረኽ ኮሚሽነራት ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያን ሙሁራንን ተረኺቦም። ኮሚሽነር እቲ ኮሚሽን መላኩ ወልደማርያም ኣብዚ መድረኽ ከምዝበልዎ፤ ሃገር ንኣፈላላያት ሓሳብን ዘይምርድዳኣትን ምኽንያት ዝኾኑ ጉዳያት ብምፍላይን ብምዝታይን ኩሉ ኣሸናፊ ኣብ ዝገብር ውፅኢት ምብፃሕ ዘኽእል ምንቅስቓስ እናገበረት እያ ትርከብ። ነዚ ድማ ኮሚሽን ምኽክር ኣጣይሻ ብርክት ዝበሉ ስራሕቲ እናሳለጠት ከምትርከብን ብምሕባር፤ ሙሁራን እውን ኣብ ከይዲ እቲ ምኽክር ብንቕሓት ክሳተፉ ኣለዎም ኢሎም። እቲ ምኽክር ከም ሃገር ትፅቢት ዝግበረሉ ውፅኢት ንክርከበሉ እጃም ሙሁራን ልዑል ከምዝኾነ ተዛሪቦም። እቲ ኮሚሽን ሙሁራን ኣብቲ ከይዲ ምኽክር ንክሳተፉን ንቑሕ ተሳትፎ ንክህልዎምን ዝተፈላለዩ ፃዕርታት እናገበረ ከምዝርከብ እውን ሓቢሮም። ስለዝኾነ እውን ሙሁራን ኣብ ህዝባዊ መድረኻት ምፍላይ ኣጀንዳ ንክሳተፉ ካብ ምምችቻው ብተወሳኺ ኣለና ዝብልዎም ኣጀንዳታት ብቀጥታ ነቲ ኮሚሽን ንከቕርቡ ምችው ኩነታት ከምዝተፈጠሩ ኣረዲኦም።