ኪነ -ጥበብ ጣሕሳን ምንፅርፃርን ጥራሕ ዘይኮነስ ወነ ክፈጥር ይግባእ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) - ኢዜአ ትግርኛ
ኪነ -ጥበብ ጣሕሳን ምንፅርፃርን ጥራሕ ዘይኮነስ ወነ ክፈጥር ይግባእ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ/ሰነ /10/2017(ኢዜኣ) ኪነ -ጥበብ ጣሕሳን ምንፅርፃርን ጥራሕ ዘይኮነስ ወነ ክፈጥር ይግባእ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ምስ ካብ መላእ ኢትዮጵያ ዝተውፃእፅኡ ተወከልቲ ማሕበረሰብ ጥበብ ዘትዮም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብቲ ዘተ ካብቶም ተወከልቲ ንዝተልዓልሎም ሕቶታት ኣብ ዝሃብዎ ምላሽን መብራህርህን፤ ሰብ ሞያ ኪነ ጥበብ ፀገም ጥራሕ ዘይኮነስ ተስፋ ኣብ ዘርእዩ ስራሕቲ ጠመተ ክገብሩ ይግባእ ኢሎም።
ሰብ ሞያ ኪነ -ጥበብ ካብ ኣብ ፖለቲካ ኣብ ማሕበራዊ ጉዳይ ብትኹረት ብምስራሕ ዝሓስብዎ ምስኻዕ ከምዝኽእሉ እውን ተዛሪቦም።
ኪነ -ጥበብ ብመንግስቲ ጥራሕ ዘይኮነስ በቲ በዓል ሞያ ክዝከር ከምዘለዎን እቲ ኢንዱስትሪ ንክዓቢ ኢትዮጵያ ክትዓቢ ከምዘለዋን እውን ሓቢሮም።
ነዚ ድማ ኢንዱስትሪ ፊልም ቱርክ፣ህንድን ኮርያን ከም ኣብነት ፀሪሖም።
ኢትዮጵያ ብዙሕ ባህሊ ዘለዋ ሃገር ከምዝኾነት ዝገለፁ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ኪነ -ጥበብ ኢትዮጵያ ማዕቢሉ ኣብ ኣፍሪካን ዓለምን ዝረአ ነገር ምፍጣሩ ከምዘይተርፍ ገሊፆም።
ብሚኒስቴር ባህልን ስፖርትን መድረኽ ህዝቢ ንህዝቢ እናተዳለወ ከምዝኾነ ብምሕባር፤ እዚ ድማ ተጠናኺሩ ንክቕፅል መንግስቲ ደገፍ ክገብር እዩ ኢሎም።
ሰብ ሞያ ኪነ -ጥበብ ብዋናነት ኣብ ኣመለኻኽታ ክሰርሑ ከምዝግባእ ብምትሕስሳብ፤ ኪነ- ጥበብ መዘናግዒ ጥራሕ ዘይኮነስ ሽቶን ልኡኽቶን ዘለዎ ክኸውን ከምዘለዎ እውን ኣረዲኦም።
ኣርቲስት ቋንቋ ከምዘለዎ ዝሓበሩ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ኣክቲቪስት ምዃን እንተደልዩ ካባን ክብርን ኣርቲስትነት እናወደቐ እዩ ክብሉ ተዛሪቦም።
ብተወሳኺ እውን መንግስቲ ጉዳያት ፖሊሲ፣ኣሰራርሓን ኣወዳድባን ፈትሹ ዝዕረ ንምዕራይ ከምዝሰርሕ ኣረጋጊፆም።
ኪነ -ጥበብ ሓቛፍን ወለዶ ኣብ ዝሃንፅን ሓባራዊ ተረኽ ዝሰርሕ ምዃኑ ምርግጋፅ ከምዝግባእ እውን ሓቢሮም።
ሰብ ሞያ ኪነ -ጥበብ ኣብ ሓደ ጠንካራ ማሕበር ክተኣኻኸቡ ከምዘለዎም ተዛሪቦም።
“ኢትዮጵያ ተስፋ ኣለዋ፤ ክትምዕብል እያ። ግምት ዘይኮነስ ዓቕሚ ኣለዋ እዩ” ዝበሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)፤ “እትምዕብል ፀገም ንምቕባል ድሉው እንተኾይንና እዩ” ክብሉ እውን ፀሪሖም።
“ብልፅግና ሪኦም ካብ ዝነብርሉን ካብ ዝካፈሉዎን ሰባት ዘይክኸውን ይኽእል እየ ይኹን እምበር መሰረት ብልፅግና ኣንቢሮም ካብ ዝሓልፉ ሰባት ሓደ እየ” ኢሎም።
ኣብ ራኢ ኢትዮጵያን ኣብ እዋን ፀገምን ንዝተሳተፉ ሰብ ሞያ እቲ ዓውዲ ምስጋና ዘቕረቡ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ “እንትንምዕብል ሽምኩም ብኣሰር ወርቂ ዝተፅሓፈ ክኸውን እዩ” ኢሎም።
ብተፃራሪኡ ድማ”ኣብቲ እዋን እንትንደልየኩም ዝኸዳዕኹምና ይቅርታ ገይርናልኩም ኢና” ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ “ኢትዮጵያ ኣይትኸሓዱ ኢትዮጵያ ክሒድካ ሃፍታም ካብ ምዃን እንተዝተርፍ ይሓይሽ”ክብሉ እውን መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።