ኣወሃህባ ኣግልግሎት መንግስቲ ንምምዕባል ዘኽእል ሪፎርም ይስራሕ ኣሎ-ኮሚሽን ሲቪል ሰርቪስ መኩሪያ ሀይሌ (ዶ/ር) - ኢዜአ ትግርኛ
ኣወሃህባ ኣግልግሎት መንግስቲ ንምምዕባል ዘኽእል ሪፎርም ይስራሕ ኣሎ-ኮሚሽን ሲቪል ሰርቪስ መኩሪያ ሀይሌ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ/ሰነ/ 12/2017(ኢዜኣ) ኢትዮጵያ ኣወሃህባ ኣግልግሎት መንግስቲ ምምዕባልን ፀገም ሰናይ ምምሕዳር ብዘላቕነት ምፍታሕን ዘኽእል ሪፎርም እናገበረት ከምዝኾነት ኮሚሽነር ኮሚሽን ሲቪል ሰርቪስ መኩሪያ ሀይሌ (ዶ/ር) ገሊፆም።
ኮሚሽነር ኮሚሽን ሲቪል ሰርቪስ መኩሪያ ሀይሌ (ዶ/ር)፤ ኢትዮጵያ ጎና ጎኒ ተተኣናግዶም መበል 10ይ ጉባኤ ኣገልግሎትን ምምሕዳርን መንግስቲ ሃገራት ኣባል ሕብረት ኣፍሪካን ዞባዊ ፎረም ኣፍሪካ ውድብ ሕቡራት መንግስትታትን ኣመልኪቶም መግለፂ ሂቦም።
እቶም ጉባኤታት፤ ካብ 14 ሰነ 2017 ዓ/ም ጀሚሩ ንሰለስተ ተኸታተልቲ መዓልትታት ኣብ መኣከቢ ኣዳራሽ ሕብረት ኣፍሪካ ክሳለጡ እዮም።
እቶም ኮሚሽነር ኣብ መግለፂኦም ከምዝበልዎ፤ ጉባኤ ኣገልግሎትን ምምሕዳርን መንግስቲ ኣፍሪካ በቢ ክልተ ዓመት ዝሳለጥ ኣህጉራዊ ኩነት እዩ።
እቲ ጉባኤ፤ ትካላት መንግስቲ ተለዋዋጢ ኩነታት ተፃዊሮም እናተጠራቕሙ ዝመፁ ፈተናታት ብቕልጡፍ ንምፍታሕ ዝዓለመ ከምዝኾነ እውን ሓቢሮም።
ኣብ ኣፍሪካ ዝተኣከቡ ፀገማት ኣገልግሎት ብምፍታሕ ሓቛፊ፣ዘላቒ ልምዓት ዘምፅእን ተሓታትነት ዘስፍንን፣ሰብኣዊ መሰል ዘኽብር፣ምትሕብባር ህዝብታት ዘጠናኽሩ ትካላት ምፍጣር ዘኽእል ከምዝኾነ እውን ተዛሪቦም።
“ኣገልግሎትን ኢኖቬሽንን መንግስቲ” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ጎና ጎኒ ዝሳለጥ ዞባዊ ፎረም ውሕመ እውን ፈጠራ ብዝተሓወሶ መንገዲ ሰብ ተኮር ኣገልግሎት ምሃብ ዘኽእል ከምዝኾነ ገሊፆም።
እዚ ፎረም፤ 17 ዘላቒ ሽቶታት ልምዓት 2030 ውሕመን 20 ስትራቴጂካዊ ሽቶታት ኣጀንዳ 2063 ኣፍሪካን ንምዕዋት ጠንካራ ትካል ንምፍጣር ዝዓለመ እዩ ኢሎም።
ኢትዮጵያ ነዞም ሽቶታት ንምዕዋት ሪፎርም ኣገልግሎትን ምምሕዳርን መንግስቲ ብምሕንፃፅ ማዕቐፍ ፖሊስን ሕግን ከምዘዳለወት እውን ተዛሪቦም።