ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ህፃናት ብኣካልን ኣእምሮን ጠንኪሮም ንክዓብዩ ዘኽእሉ ስራሕቲ እናተሳለጡ እዮም-ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ




 

ኣዲስ ኣበባ/ሰነ /11/2017 (ኢዜኣ) ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ህፃናት ብኣካል፣ኣእምሮን ስነ ልቦናን ጠንኪሮም ንክዓብዩ ዘኽእሉ ስራሕቲ እናተሳለጡ ከምዝኾኑ ከንቲባ ምምሕዳር እቲ ከተማ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን።

ኣብ ኣፍሪካ ፅሬት ዘለዎን ሓቛፍን ክንክን ህፃናት ንምቅልጣፍ ምጥንኻር ሓባራዊ ምትሕብባርኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ክንክን ህፃናት ኣፍሪካ ዝጠመተ ጉባኤ ኣብ ኣዳራሽ ሕብረት ኣፍሪካ ይሳለጥ ኣሎ።

ከንቲባ ምምሕዳር እቲ ከተማ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብ መኽፈቲ እቲ ጉባኤ ከምዝበልኦ፤ ኣብ ኢትዮጵያ ሓለዋ መሰል ህጻናት ቀዳምነት ትኹረት ካብ ዝወሃቦም ብሄራዊ ዛዕባታት እቲ ሓደ እዩ።

ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ እውን ንኩለ መዳያዊ ዕቤት ህፃናት ትኹረት ብምሃብ እናተሰርሐ እዩ ኢለን።

ስራሕቲ ምስፍሕፋሕ ህንፀት መውዓሊ ህጻናትን ስፍራታት መፃወትን መርሃ ግብሪ ቀዳማይ ዕቤት ቁልዕነት እናተሳለጡ ከምዝኾኑ ተዛሪበን።

ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ብኣማኢት ኣሽሓት ንዝቑፀሩ ተምሃሮ ብ መዓልቲ ክልተ ግዜ ንኸምገቡ እናተገበረ ከምዝኾነ እውን ሓቢረን።

መፃኢ ሂወት ህፃናት ኣፍሪካ ዝሓሸ ንምግባር ምትሕብባርን ትርጉም ዘለዎ ተግባራዊ ስጉምት ምውሳድን ከምዘድሊ ኣረዲአን።

ህፃናት ምዕባይ ሓባራዊ ሓላፍነት ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ ህፃናት ብሕብረት ናይ ምዕባይ ኣፍሪካዊ ባህሊ ምስቲ ሕዚ ዘሎ ነባራዊ ኩነታት ብምጥዕዓም ምስራሕ ከምዝግባእ እውን ገሊፀን።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም