ኣፍ ደገ ባሕሪ ንኢትዮጵያ ጉዳይ ህልውና እዩ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) - ኢዜአ ትግርኛ
ኣፍ ደገ ባሕሪ ንኢትዮጵያ ጉዳይ ህልውና እዩ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ/ሰነ 13/2017(ኢዜኣ) ኣፍ ደገ ባሕሪ ንኢትዮጵያ ኣጀንዳ ፖለቲካ ዘይኮነስ ጉዳይ ህልውናኣ እዩ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)ገሊፆም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ምስ ካብ መላእ ኢትዮጵያ ዝተውፃእፅኡ ተወከልቲ ተነሓናሕቲ ውድባት ፖለቲካ ዘትዮም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ናይ ኩሉ ግዜ ድሌት ኢትዮጵያ ምስ ጎረቤታ ብሓባር ምልማዕ እዩ።
ኢትዮጵያ ሰላም ምዃናን ምልማዓን ንዕቤት እቲ ዞባ ኣወንታዊ እጃም ከምዘለዎ እውን ተዛሪቦም።
ኢትዮጵያ ዓባይ ሃገርን ልዑል በዝሒ ህዝቢ ዘለዋን እያ ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ሰላምን ልምዓትን ንኢትዮጵያ ቁልፊ ጉዳያት ከምዝኾኑ ጎረቤታ ክፈልጡ ከምዝግባእ ፀሪሖም።
ሕቶ ኣፍ ደገ ባሕሪ ኢትዮጵያ ብሕጋውን ሰላማውን መንገዲ ምላሽ ንክረክብ እናሰርሐት ከምትርከብ እውን ኣረዲኦም።
ጉዳይ ኣፍ ደገ ባሕሪ ኣጀንዳ ፖለቲካ ከምዘይኮነ ብምግላፅ፤ እቲ ጉዳይ ንኢትዮጵያ ጉዳይ ህልውና እዩ ኢሎም።
ኣፍ ደገ ባሕሪ ዘይምህላዉ ኣብ ልዕሊ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ልዑል ፅልዋ እናሕደረ ከምዝርከብ ዝገለፁ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ እቲ ጉዳይ ቅልጡፍ መፍትሒ ከምዘድልዮ ኣመላኺቶም።
ኢትዮጵያ ኣፍ ደገ ባሕሪ ከምዘድልያን እዚ ድማ ብሕግታት ንግዲ ምላሽ ክረክብ እዩ ኢሎም ከምዝኣምኑን ገሊፆም።
ጎረቤት ሃገራት ሕቶ ኣፍ ደገ ባሕሪ ኢትዮጵያ ብቕንዕና ንክርድእዎን እቲ ሕቶ ንምልማዕን ንምዕባይን ካብ ዘለና ድሌት ከምዝኾነን ክርድኡ ከምዝግባእ እውን ኣረዲኦም።