ዩኒቨርሲቲ ፖሊስ ኢትዮጵያ ብዝተፈላለይይ ዓውድታት ትምህርቲ ዘሰልጠኖም ተምሃሮ የመርቕ ኣሎ


 

ኣዲስ ኣበባ/ሰነ /14/2017 (ኢዜኣ) ዩኒቨርሲቲ ፖሊስ ኢትዮጵያ ብዝተፈላለይይ ዓውድታት ትምህርቲ ካብ ስሩዕ ሰርቲፊኬት ክሳብ ካልኣይ ዲግሪ ዘሰልጠኖም ተምሃሮ የመርቕ ኣሎ።

ኣብቲ ስነ ስርዓት ምረቓ፤ ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ታዬ ኣፅቀስላሴ፣ሚኒስትር ስራሕን ክእለትን ከምኡ እውን ኣካቢት ቦርድ እቲ ዩኒቨርሲቲ ሙፈሪሃት ካሚል፣ ኮሚሽነር ጀነራል ፖሊስ ፌደራል ኢትዮጵያ ደመላሽ ገብረሚካኤል፣ኣመራርሓ ዩኒቨርሲቲ ፖሊስ ኢትዮጵያ፣ መኮንናት ፖሊስ፣ቤተሰብ ተመረቕትን ፃውዒት ዝተገበረሎም ኣጋይሽን ተረኺቦም።

ፕሬዚዳንት ዩኒቨርሲቲ ኢትዮጵያ ምክትል ኮሚሽነር ጀነራል መስፍን ኣበበ ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ፖሊስ ዩኒቨርሲቲ ኢትዮጵያ ሪፎርም ብምግባር ብቑዕ ሓይሊ ሰብ ናይ ምፍራይ ሃገራዊ ሓላፍነቱ እናተዋፅአ እዩ ዝርከብ።

እቲ ዩኒቨርሲቲ ትምህርትን ስልጠናን ፖሊስ ፅሬቱ ዝሓለወ ኣብ ምግባር ዓብይ ስራሕ እናሳለጠ እዩ ዝርከብ እውን ኢሎም።

እቶም ሰልጠንቲ ነዚ ዘበን ዝምጥን ፍልጠት ንክረኽቡ ብመርሃ ግብርታት 6 ካልኣይ ዲግሪ፣19 ቀዳማይ ዲግሪን ካልኦት ዓውድታት ትምህርትን እናምሃረ ከምዝርከብ ሓቢሮም።

ንተምሃሮ ጎረቤት ሃገራት እውን ነፃ ዕድል ትምህርቲ ብምሃብ ዞባዊ ምትሕብባር ንክጠናኸር እጃሙ እናተዋፅአ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም