ውድባት ፖለቲካ ኣብቲ ሃገራዊ ምኽክር ጠንካራ ተሳትፎ ክገብሩ ትፅቢት ይግበረሎም-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) - ኢዜአ ትግርኛ
ውድባት ፖለቲካ ኣብቲ ሃገራዊ ምኽክር ጠንካራ ተሳትፎ ክገብሩ ትፅቢት ይግበረሎም-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ/ሰነ 13/2017(ኢዜኣ) ውድባት ፖለቲካ ኣብቲ ሃገራዊ ምኽክር ጠንካራ ተሳትፎ ክገብሩ ትፅቢት ከምዝግበረሎም ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ምስ ካብ መላእ ኢትዮጵያ ዝተውፃእፅኡ ተወከልቲ ተነሓናሕቲ ውድባት ፖለቲካ ዘትዮም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ዘለዉ ዘይምርድዳኣት ንምፍታሕ ንኹሉ ዝሓቖፈ ሃገራዊ ምኽክር ንክህሉ ፃዕሪ እናተገበረ እዩ ዝርከብ።
ኣብቲ ሃገራዊ ምኽክር ብርክት ዝበሉ ክፋላት ሕብረተሰብ እናተሳተፉ ከምዝርከቡ ብምግላፅ፤ ውድባት እውን ተሳትፎ እናገበሩ ከምዝርከቡ ሓቢሮም።
ይኹን እምበር ሓደ ሓደ ውድባት ፖለቲካ ኣብቲ ምኽክር ከምዘይተሳተፉ ብምግላፅ፤ እቶም ውድባት ሓሳቦም ንከይገልፁ ዝኽልክል ነገር የለን ኢሎም።
ኩሎም ውድባት ፖለቲካ ልዕልና ሓሳብ መሰረት ብምግባር ኣብቲ ሃገራዊ ምኽክር ንቑሕ ተሳትፎ ክገብሩ ከምዘለዎም እውን ኣተሓሳሲቦም።
እቲ ሃገራዊ ምኽክር ሓደ መድረኽ ፖለቲካ እዩ ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ውድባት ዘለዎም ሓሳብ ንክገልፁ ሓቲቶም።
ኣብቲ ምኽክር ብርክት ዝበሉ ኣጅንዳታት እናተልዓሉ ከምዝኾኑ ብምሕባር፤ እቲ ምኽክር ብዘተን ዝርርብን ንዝኣምን ኣካል ኩሉ ክፍቲ እዩ ኢሎም።
ኣብቲ ሃገራዊ ምኽክር ዝለዓሉ ሓሳባት ተፈልዮም ሕጊ መሰረት ብዝገበረ መልክዑ ምምሕያሽ ከምዝግበረሎም እውን ኣረጋጊፆም።