ንኢትዮጵያ ኣብ ምፅናዕን ኣብ ምልማዕን ምስ ተነሓናሕቲ ውድባት ፖለቲካ ሓቢርካ ምስራሕ የድሊ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)




 

ኣዲስ ኣበባ/ሰነ/ 13/2017(ኢዜኣ) ምስ ተነሓናሕቲ ውድባት ፖለቲካ ዋላ ኣብ ዘይተረዳዳእናሎም ጉዳያት እንተተኸራኸርና ኢትዮጵያ ኣብ ምፅናዕን ኣብ ምልማዕን ግና ብሓባር ምስራሕ የድሊ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(/) ገሊፆም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ምስ ካብ መላእ ኢትዮጵያ ዝተውፃእፅኡ ተወከልቲ ተነሓናሕቲ ውድባት ፖለቲካ ዝዘተዩ እንትኸውን፤ ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ዝሓለፈ 6 ሃገራዊ መረፃ ዝሓሸ ዲሞክራሲያዊ፣ኣሳታፍን ሓቛፍን መረፃ ንክካየድ ምትሕብባር ተነሓናሕቲ ውድባት ፖለቲካ ከምዘድሊ ተዛሪቦም።

ብናትና እምነት እቲ መረፃ ሓቛፊ ንክኸውን ክንሰርሕ ኢና፣ንስኻትኩም እውን እክብን ጥንክርን በሉ ክንድግፈኩም ኣብ ዝግበኣና ክንሕግዘኩም ኢናኢሎም።

ፓርቲ ብልፅግና ሕልምታት ስለዘውዎ ዝወዳደር ንክስዕር እዩ ዝበሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(/) ይኹን እምበር በይኑ ዝሕዞ ፓርላማ ክጠቅም እዩ ኢልና ኣይንሓስብን ክብሉ እውን ሓቢሮም።

ኣብ መረጻ እንከራኸረሎም ጉዳያት ከምዘለዉ ብምሕባር፤ ኣብ እንስማዕመዐሎም ሓቢርና እንተሰሪሕና እቲ ፓርላማ ይኹን መንግስቲ ሓቛፊ ይኸውን ክብሉ ገሊፆም።

ምህዳር ፖለቲካ ንክሰፍሕ ንሕና ድሉዋት ኢና ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ምስ ተነሓናሕቲ ውድባት ፖለቲካ ዋላ ኣብ ዘይተረዳዳእናሎም ጉዳያት እንተተኸራኸርና ኢትዮጵያ ኣብ ምፅናዕን ምልማዕን ግና ብሓባር ምስራሕ የድሊ ኢሎም።

ካብ ዝሓለፈ መረፃ ዝሓሸ ሓቛፍን ዲሞክራሲያውን መረፃ ኣብ ኢትዮጵያ ከምዝካየድ ብምግላፅ፤ ዋላ እዚ ዘይደልዩ ሰባት እንተሃለዉ ንሕና ኮሪደር ክነልምዕ ኢና፣ልምዓት ስርናይ ክነስፋሕፍሕ ኢና፣ሕዳሰ ክነመርቕ ኢና፣መረጻ ክነካይድ ኢና፣ኢትዮጵ እውን ክትቕፅል እያ ኢሎም።

በቢዞባታቱ ዝገጥምኹም ፀገማት ዝምልከት እውን ምስ ኣመራርሓ ክልል ተዘራሪብና ንምፍታሕ ክንሰርሕ ኢና ፣ዝጎደለ ነገር እንተሃልዩ እውን እናተዛተና ክንፈትሖ ኢና ክብሉ ኣብራህሪሆም።

ህልውናን ልኣላዊነትን ኢትዮጵያ ስግኣት ዝኾነሉ ዘበን ሓሊፉ እዩ ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ኣብዚ ሕዚ እዋን ዝኾነ ኣካል ንኢትዮጵያ ብሓይሊ ምብርካኽ ኣይኽእልን፤ ኢትዮጵያ ሓንቲ እያ ሓንቲ ኮይና እውን ክትቕፅል እያ ኢሎም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም