ሰብ ሞያ ኪነ -ጥበብ ሓባራዊ ተረኽ ንምህናፅ እጃሞም ክዋፅኡ ኣለዎም-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) - ኢዜአ ትግርኛ
ሰብ ሞያ ኪነ -ጥበብ ሓባራዊ ተረኽ ንምህናፅ እጃሞም ክዋፅኡ ኣለዎም-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ/ሰነ/ 10/2017(ኢዜኣ) ሰብ ሞያ ኪነ -ጥበብ ሓባራዊ ተረኽ ኣብ ምህናፅ ሞያዊ ሓላፍነቶም ንክዋፅኡ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ፃውዒት ኣቕሪቦም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ምስ ካብ መላእ ኢትዮጵያ ዝተውፃእፅኡ ተወከልቲ ማሕበረሰብ ጥበብ ዘትዮም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብቲ ዘተ ከምዝበልዎ፤ ኣብ ታሪኽ ዓለም ይኹን ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ ኪነ -ጥበብ ስልጣነ ንምምፃእን ብልፅግና ንምርግጋፅን ዘይትካእ እጃም ኣለዎ።
“ስልጣነን ኪነ -ጥበብን ኢድ ንኢድ ተተሓሒዞም እዮም ስራሕ ክሰርሑ ዝኽእሉ፣ኪነ ጥበብ ምናባዊ ሓይሊ ኣለዎ እዩ” ኢሎም።
ኢትዮጵያ ሓዊሱ ካልኦት ድሌት ዕቤት ንዘለወን ሃገራት ኪነ- ጥበብ ቁልፊ እጃም ዘለዎ ዓውዲ ከምዝኾነ እውን ሓቢሮም።
ምንባብ ኪነ -ጥበብ፥ኢንዱስትርን መንግስትን ንዕቤት ሃገራት ርኡይ ኣስተዋፅኦ ከምዘለዎ እውን ገሊፆም።
ኣብዚ መዳይ ብልፅግና ኢትዮጵያ ንምርግጋፅን ቀፃሊ ዕድል ደቅና ንምስራሕን መንግስትን ሰብ ሞያ ኪነ -ጥበብን ብሓባር ክሰርሑ ከምዘለዎም ኣረዲኦም።
ሰብ ሞያ ኪነ -ጥበብ መንግስቲ ኣብ ዝሰርሐሉ ዘሎ ህንፀት ሓባራዊ ተረኽ ሓላፍነቶም ብኣግባቡ ንክዋፅኡ እውን ፃውዒት ኣቕሪቦም።