ሰብ ሞያ ኪነ -ጥበብ ሓባራዊ ተረኽ ንምህናፅ እጃሞም ክዋፅኡ ኣለዎም-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)



 

ኣዲስ ኣበባ/ሰነ/ 10/2017(ኢዜኣ) ሰብ ሞያ ኪነ -ጥበብ ሓባራዊ ተረኽ ኣብ ምህናፅ ሞያዊ ሓላፍነቶም ንክዋፅኡ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(/) ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(/) ምስ ካብ መላእ ኢትዮጵያ ዝተውፃእፅኡ ተወከልቲ ማሕበረሰብ ጥበብ ዘትዮም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብቲ ዘተ ከምዝበልዎ፤ ኣብ ታሪኽ ዓለም ይኹን ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ ኪነ -ጥበብ ስልጣነ ንምምፃእን ብልፅግና ንምርግጋፅን ዘይትካእ እጃም ኣለዎ።

ስልጣነን ኪነ -ጥበብን ኢድ ንኢድ ተተሓሒዞም እዮም ስራሕ ክሰርሑ ዝኽእሉ፣ኪነ ጥበብ ምናባዊ ሓይሊ ኣለዎ እዩኢሎም።

ኢትዮጵያ ሓዊሱ ካልኦት ድሌት ዕቤት ንዘለወን ሃገራት ኪነ- ጥበብ ቁልፊ እጃም ዘለዎ ዓውዲ  ከምዝኾነ እውን ሓቢሮም።

ምንባብ ኪነ -ጥበብ፥ኢንዱስትርን መንግስትን ንዕቤት ሃገራት ርኡይ ኣስተዋፅኦ ከምዘለዎ እውን ገሊፆም።

ኣብዚ መዳይ ብልፅግና ኢትዮጵያ ንምርግጋፅን ቀፃሊ ዕድል ደቅና ንምስራሕን መንግስትን ሰብ ሞያ ኪነ -ጥበብን ብሓባር ክሰርሑ ከምዘለዎም ኣረዲኦም።

ሰብ ሞያ ኪነ -ጥበብ መንግስቲ ኣብ ዝሰርሐሉ ዘሎ ህንፀት ሓባራዊ ተረኽ ሓላፍነቶም ብኣግባቡ ንክዋፅኡ እውን ፃውዒት ኣቕሪቦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም