ፖሊስ ኢትዮጵያ ዘላቒ ሰላም ናይ ምሕላውን ገበን ናይ ምክልኻልን ልኡኽትኡ ብብቕዓት ምፍፃም ዘኽእል ዓቕሚ ሃኒፁ እዩ-ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀሥላሴ - ኢዜአ ትግርኛ
ፖሊስ ኢትዮጵያ ዘላቒ ሰላም ናይ ምሕላውን ገበን ናይ ምክልኻልን ልኡኽትኡ ብብቕዓት ምፍፃም ዘኽእል ዓቕሚ ሃኒፁ እዩ-ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀሥላሴ

ኣዲስ ኣበባ/ሰነ /14/2017 (ኢዜኣ) ፖሊስ ኢትዮጵያ ገበን ብምክልኻ ዘላቒ ሰላም ህዝብን ሃገርን ናይ ምሕላው ልኡኽትኡ ብብቕዓት ምፍፃም ዘኽእል ሓይሊ ሰብን ነዚ ዘበን ዝምጥን ዓቕሚ ቴክኖሎጅን ከምዝሃነፀ ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ታዬ ኣፅቀሥላሴ ገሊፆም።
ፖሊስ ዩኒቨርሲቲ ኢትዮጵያ ብዝተፈላለዩ ዓውድታት ትምህርቲ ካብ ስሩዕ ሰርቲፊኬት ክሳብ ካልኣይ ዲግሪ ዘሰልጠኖም ተምሃሮ ኣመሪቑ።
ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ታዬ ኣፅቀሥላሴ ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ሙሩቓት እዚ መዓልቲ ውፅኢታዊ ግዜ ብምሕላፍ ንምረቓ ብምብቅዖም እንኳዕ ደስ በለኩም ኢሎም።
ኢትዮጵያ ታሪኽ ነፃነት ነዊሕ ዘበናት ዘለዋ ምዃና ብምሕባር፤ ዓምድን ክብርን ኢትዮጵያውነት ተሓልዩ ከምዝፀንሐ ተዛሪቦም።
ሰላም ሃገርን ድሕንነት ዜጋታትን ምሕላው ሓላፍነት ኩሉ ክኸውን ከምዘለዎ ብምግላፅ፤ ፖሊስ እውን እዚ ሃገራዊ ሓላፍነቱ ኣጠናኺሩ ክቕፅለሉ ይግባእ ኢሎም።
ዘላቒ ሰላም ምፅናዕ ሓላፍነት ኩሉ ከምዝኾነ ብምሕባር፤ ሰላም ህዝቢ ዝዘርጉ ኣካላት ናብ ምኽክር ምምፃእን ልዕልነት ሕጊ ምርግጋፅን ከምዝግባእ እውን ሓቢሮም።
ፖሊስ ፌዴራል ኢትዮጵያ ጠንካራን ተወዳዳርን ትካል ንምዃን ዝጀመሮም ስራሕቲ ውፅኢታዊ ከምዝኾኑ ገሊፆም።
ዩኒቨርሲቲ ፖሊስ ኢትዮጵያ ንጎረቤት ሃገራ ዝህቦ ዘሎ ዕድል ነፃ ትምህርቲ ግብራ ራዕድን ዶብ ተሻገርቲ ገበናትን ብሓባር ንምክልኻል ዝተጀመረ ፃዕሪ ከምዘጠናኽር ወሲኾም ተዛሪቦም።