ኣብ ኢትዮጵያ ንስራሕቲ ዘላቒ ልምዓት ዝግበር ደገፍ ተጠናኺሩ ክቕፅል እዩ-ውሕመ


 

ኣዲስ ኣበባ/ሰነ /13/2017(ኢዜኣ) ውድብ ሕቡራት መንግስትታት(ውሕመ) ንስራሕቲ ዘላቕን ኩለመዳያውን ልምዓት ኢትዮጵያ ዝገብሮ ደገፍ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅለሉ ኣፍሊጡ።

ውሕመ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ዘላቒ ልምዓት ንምድጋፍ ዘኽእል ደገፍ 6 ነጥቢ 5 ቢልዮን ዶላር ስምምዕ ደገፍ ገይሩ።

እቲ ስምምዕ፤ ሓጋዚ ዋና ፀሓፊ ውሕመ ከምኡ እውን ዋና መተሓባበሪ ሰብኣዊ ሓገዝ ኣብ ኢትዮጵያ ዶክተር ራሚዝ ኣላካባሮቭን ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ገንዘብ ሰመሪታ ሰዋሰውን እዮም ፈሪመምዎ።

እቲ ስምምዕ ኢትዮጵያ ቀፃልነት ዘለዎን ኩለመዳያውን ልምዓት ንምርግጋፅ ትገብሮ ፃዕሪ ንምድጋፍ ዝዓለመ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

እቲ ንሓሙሽተ ዓመታት ተግባራዊ ዝግበር ስምምዕ፤ ኣብ ኢትዮጵያ ኢኮኖሚ ንምዕባይ፣ውሕስና ምግቢ ንምርግጋፅ፣ንልምዓት ኢነርጂ፣ንትምህርቲ፣ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ንምክልኻልን ንካልኦት ዓውድታትን ከምዝውዕል እውን ተሓቢሩ።

ሓጋዚ ዋና ፀሓፊ ውሕመ ከምኡ እውን ዋና መተሓባበሪ ሰብኣዊ ሓገዝ ኣብ ኢትዮጵያ ዶክተር ራሚዝ ኣላካባሮቭ ኣብቲ እዋን ከምዝበልዎ፤ እቲ ደገፍ ስራሕቲ ልምዓት ኢትዮጵያ ንምሕጋዝ ዘኽእል እዩ።

ኣብ ቀፃሊ እውን ውሕመ ኣብ ኢትዮጵያ ንዝሳለጡ ስራሕቲ ልምዓት ዝገብሮ ደገፍ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅለሉ ኣረጋጊፆም።

ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ገንዘብ ሰመሪታ ሰዋሰው ብግደአን፤ እቲ ስምምዕ ምትሕብባር ኢትዮጵያ ንተሳልጦም ስራሕቲ ልምዓት ወሳኒ ከምዝኾነ ተዛሪበን።

ውሕመ ንዝገብሮ ዘሎ ደገፍ ብምምስጋን፤ ንውፅኢታውነት እቲ ስምምዕ ብትኹረት ክስራሕ እዩ ኢለን።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም