ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ምስ ጄኔራል ማሪን ኮርፕስ ኣሜሪካን ኣዛዚ ኣፍሪኮምን ዝኾኑ ጄነራል ማይክል ላንግሌይ ዘትዮም

 

ኣዲስ ኣበባ/ሰነ /13/2017 (ኢዜኣ) ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(/) ምስ ጄኔራል ማሪን ኮርፕስ ኣሜሪካን ኣዛዚ ኣፍሪኮምን ዝኾኑ ጄነራል ማይክል ላንግሌይ ዘትዮም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽ፤ ምስ ጄኔራል ማሪን ኮርፕስ ኣሜሪካን ኣዛዚ ኣፍሪኮምን ዝኾኑ ጄነራል ማይክል ላንግሌይ ሎሚ ንጉሆ ምዝታዮም ገሊፆም።

ሓባራዊ ድሌት ኣብ ዝኾኑ ክልቲኣውን ዞባውን ጉዳያት ዘቲና ክብሉ እውን ሓቢሮም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም