መንግስቲ ምስ ተነሓናሕቲ ውድባት ፖለቲካ ብምትሕብባር ንምስራሕ በሩ ክፍቲ እዩ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) - ኢዜአ ትግርኛ
መንግስቲ ምስ ተነሓናሕቲ ውድባት ፖለቲካ ብምትሕብባር ንምስራሕ በሩ ክፍቲ እዩ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ/ሰነ/ 13/2017(ኢዜኣ) መንግስቲ ምስ ተነሓናሕቲ ውድባት ፖለቲካ ብምትሕብባር ንምስራሕ ኩሉ ግዜ በሩ ክፍቲ ከምዝኾነ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ምስ ካብ መላእ ኢትዮጵያ ዝተውፃእፅኡ ተወከልቲ ተነሓናሕቲ ውድባት ፖለቲካ ዘትዮም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ምስ ተነሓናሕቲ ውድባት ዝተገበረ ዘተ ኣካል ለውጢ ምህዳር ፖለቲካ እዩ።
ኣብ ዓለም ፀገም ዘይብሉ ምህዳር ፖለቲካ ኣሎ ኢልካ ምሕሳብ ግቡእ ከምዘይኮነ ብምግላፅ፤ እዚ ብትኽክል ምርዳእ ከምዝግባእ ሓቢሮም።
ኣብ ውሽጢ ምህዳር ፖለቲካ ኣተሓሳስባታት ንሕንሕን ምትሕብባርን ከምዘለዉን ፓርቲ ብልፅግና ምስ ውድባት ጥዕና ዘለዎ ንሕንሕን ምትሕብባርን ንክህልዎ እናሰርሐ ከምዝኾነን ገሊፆም።
ፓርቲ ብልፅግና ምስ ውድባት ፖለቲካ ብዘለዎ ርክብ ንሕንሕን ምትሕብባርን ሚዛኑ ሓልዩ ንክኸይድ እናገበረ ከምዝርከብ እውን ተዛሪቦም።
ካብ ንሕንሕን ምትሕብባርን እቲ ሓደ ሚዛን እንተደፊኡ እቲ ዝድለ ውፅኢት ምርካብ ኣይከኣልን ዝበሉ እቶም ቀፋማይ ሚኒስትር፤ ኣብ ዝተፈላለዩ ብርክታት ኣመራርሓ መንግስቲ 273 ተወከልቲ ተነሓናሕቲ ውድባት ፖለቲካ እናሰርሑ ከምዝርከቡን መንግስቲ ንምትሕብባር ዘለዎ ሰናይ ድሌት ብግልፂ ከምዘርእን ኣረዲኦም።
መንግስቲ ሓቛፋይነት ተነሓናሕቲ ውድባት ብምዕባይ ዝሓሸት ኢትዮጵያ ንምህናፅ እናሰርሐ ከምዝርከብ እውን ፀሪሖም።
መንግስቲ ምስ ተነሓናሕቲ ውድባት ንምስራሕ ኩሉ ግዜ በሩ ክፍቲ ከምዝኾነ ብምሕባር፤ ውድባት ብምትእኽኻብ ጠንካራ ሓሳባት ኣብ ምፍላቕ ትኹረት ንክገብሩ ሓቲቶም።