ሙሁራን ኣጀንድኦም ንኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ንከቕርቡ ምችው ኩነታት ተፈጢሮም እዮም - ኢዜአ ትግርኛ
ሙሁራን ኣጀንድኦም ንኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ንከቕርቡ ምችው ኩነታት ተፈጢሮም እዮም

ኣዲስ ኣበባ/ሰነ/ 9/2017(ኢዜኣ) ሙሁራን ዘለውዎም ኣጀንዳታት ብቀጥታ ንኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ንከቕርቡ ምችው ኩነታት ከምዝተፈጠረ ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።
ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ ኣብ ዙርያ እቲ ከይዲ ምኽክር እታዎት ንምትእኽኻብን ብዝበለፀ ተቐራሪብካ ምስራሕ ኣብ ዝከኣለሎም ኩነታትን ኣመልኪቱ ምስ ሙሁራን ይዝቲ ኣሎ።
ኣብቲ መድረኽ ኮሚሽነራት ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያን ሙሁራንን ተረኺቦም።
ኮሚሽነር እቲ ኮሚሽን መላኩ ወልደማርያም ኣብዚ መድረኽ ከምዝበልዎ፤ ሃገር ንኣፈላላያት ሓሳብን ዘይምርድዳኣትን ምኽንያት ዝኾኑ ጉዳያት ብምፍላይን ብምዝታይን ኩሉ ኣሸናፊ ኣብ ዝገብር ውፅኢት ምብፃሕ ዘኽእል ምንቅስቓስ እናገበረት እያ ትርከብ።
ነዚ ድማ ኮሚሽን ምኽክር ኣጣይሻ ብርክት ዝበሉ ስራሕቲ እናሳለጠት ከምትርከብን ብምሕባር፤ ሙሁራን እውን ኣብ ከይዲ እቲ ምኽክር ብንቕሓት ክሳተፉ ኣለዎም ኢሎም።
እቲ ምኽክር ከም ሃገር ትፅቢት ዝግበረሉ ውፅኢት ንክርከበሉ እጃም ሙሁራን ልዑል ከምዝኾነ ተዛሪቦም።
እቲ ኮሚሽን ሙሁራን ኣብቲ ከይዲ ምኽክር ንክሳተፉን ንቑሕ ተሳትፎ ንክህልዎምን ዝተፈላለዩ ፃዕርታት እናገበረ ከምዝርከብ እውን ሓቢሮም።
ስለዝኾነ እውን ሙሁራን ኣብ ህዝባዊ መድረኻት ምፍላይ ኣጀንዳ ንክሳተፉ ካብ ምምችቻው ብተወሳኺ ኣለና ዝብልዎም ኣጀንዳታት ብቀጥታ ነቲ ኮሚሽን ንከቕርቡ ምችው ኩነታት ከምዝተፈጠሩ ኣረዲኦም።