ኢትዮጵያ ስደተኛትት ኣብ ምቕባል ንትገብሮ ደገፍ ኔዘርላንድስ ትገብሮ ምትሕብባር ኣጠናኺራ ክትቕፅለሉ እያ - ኢዜአ ትግርኛ
ኢትዮጵያ ስደተኛትት ኣብ ምቕባል ንትገብሮ ደገፍ ኔዘርላንድስ ትገብሮ ምትሕብባር ኣጠናኺራ ክትቕፅለሉ እያ

ኣዲስ ኣበባ/ሰነ 13/2017(ኢዜኣ) ኢትዮጵያ ስደተኛትት ኣብ ምቕባል ንትገብሮ ደገፍ ኔዘርላንድስ ትገብሮ ምትሕብባር ኣጠናኺራ ከምትቕፅለሉ ኣብ ኤምባሲ ኔዘርላንድስ ኣብ ኢትዮጵያ ዋና መተሓባበሪ ጉዳያት ዞባዊ ስደተኛታት ታይስቲ ሶንዳል ገሊፆም።
እቶም ዋና መተሓባበሪ ምስ ኢዜኣ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት፤ ኢትዮጵያ ስደተኛታት ተቐቢላ ኣብ ምትእንጋድ ትገብሮ ዘላ ኣስትዋፅኦ ንኢዶም።
ኢትዮጵያ ንስደተኛታት ሓለዋ ኣብ ምግባር፣ፍቓድ መስርሒ ኣብ ምሃብ፣ተጠቀምቲ ዲጂታል መለለዪ መንነት ንክኾኑን ዝተፈላለዩ ኣገልግሎታት ንክረኽቡን ኣብ ምግባር ኣወንታዊ እጃም እናበርከተት ከምዝኾነት ተዛሪቦም።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ስደተኛታት ብሓቛፍነት ዘተኣናግደሉ ኣሰራርሓ መንግስቲ ኔዘርላንድስ ከምዝድግፍ እውን ሓቢሮም።
ኔዘርላንድስ ሰብኣውን ልምዓታውን ደገፍ እናገበረት ከምትርከብ ብምሕባር፤ ኣብ ቀፃሊ እውን እቲ ደገፍ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ኣረጋጊፆም።
እታ ሃገር ምስ ካልኦት ዓለም ለኸ ትካላት ልምዓት ብምትሕብባር ኢትዮጵያ ሓዊሱ ኣብ 8 ሃገራት ተግባራዊ ዝግበር መርሃ ግብሪ ልምዓት 4 ዓመት ከምዘለዋ ኣረዲኦም።
ኢትዮጵያን ኔዘርላንድስን ዘለወን ታሪኻዊ ርክብ ኣብ ንግድን ኢንቨስትመንትን፣ሰብኣዊ ደገፍን ካልኦት ዓውድታትን ተጠናኺሩ ከምዝቐፀለ ተዛሪቦም።
ኔዘርላንድስ ኣብ ዓውዲ ኢንቨስትመንት ኢትዮጵያ ብንቕሓት ካብ ዝሳተፋ ሃገራት ኣባል ሕብረት ኣውሮፓ ከምዝኾነት ብምግላፅ፤ እተን ሃገራት ኣብ ግብርና፣ ምምሕዳር ማይ፣ሓለዋ ጥዕናን ካልኦት ዓውድታትን ጠንካራ ምትሕብባር ኣለወን ኢሎም።
ኣብ ቀፃሊ እውን ርክብ ክልቲአን ሃገራት ናብ ዝለዓለ ብርኪ ንምሽግጋር ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ከምዝሳለጡ ወሲኾም ገሊፆም።