ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ገበናት ብገበን ዝተረኸበ ንብረት ሕጋዊ ምምሳልን ንግብረ ራዕዲ ብገንዘብ ምድጋፍን ንምክልኻል ዝወፀ መመሓሺ ኣዋጅ ኣፅዲቑ

 

ኣዲስ ኣበባ/ሰነ/ 10/2017 (ኢዜኣ) ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ገበናት ብገበን ዝተረኸበ ንብረት ሕጋዊ ምምሳልን ንገበን ግብረ ራዕዲ ብገንዘብ ምድጋፍን ንምክልኻል ዝወፀ መመሓሺ ኣዋጅ ብኣብዝሓ ድምፂ ኣፅዲቑ።

እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ዝገበሮ መበል 37 ስሩዕ ኣኼባ ቀዋሚ ኮሚቴ ሕግን ፍትሕን ኣብ ዘቕረቦ ሓሳብ ውሳነ ዘትዩ።

ምክትል ኣካቢ እቲ ቀዋሚ ኮሚቴ ኣይተ ኢሳ ቦሩ፤ ካብቶም 58 ዓንቀፃት እቲ ነባር ኣዋጅ 7890/2005 እቶም 14 መመሓየሺ ከምዝተገበረሎም ገሊፆም።

ኣባላት እቲ ቤት ምኽሪ ብግደኦም፤ ኣብቲ ኣዋጅ ምምሕያሽ ምግባሩ ነታ ሃገር ዝበለፀ ጠንካራ ሕጊ ዘድሊ ስለዝኾነ ግቡእ እዩ ኢሎም።

ኣብ ሓደ ሓደ ዓንቀፃት ንኣካላት ፀጥታ ካብ ዝተውሃቡ መሰላት፣ብዘይሕጋዊ መንገዲ ካብ ሃገር ዝወፀ ገንዘብ ምምላስ፣ግብረ ራዕዲ ብገንዘብ ዝደገፉ ሰባት ብሕጊ ኣብ ምሕታት እቲ መመሓየሺ ክንደየናይ ምክልኻል ከምዝኽእል እውን ሕቶታት ተላዒሎም።

መመሓሺ እቲ ኣዋጅ ምክረ ሓሳብ ዓለም ለኸ ግብረ ሓይሊ ፋይናንስ መሰረት ዝገበረ ከምዝኾነ እቲ ቀዋሚ ኮሚቴ ገሊፁ።

እቲ ቤት ምኽሪ ብሰፊሑ ድሕሪ ምዝታዩ ገበናት ብገበን ዝተረኸበ ንብረት ሕጋዊ ምምሳልን ግብረ ራዕዲ ብገንዘብ ምድጋፍን ንምክልኻል ዝቐረበ መመሓየሺ ኣዋጅ 1387/2017 ኮይኑ ብኣብዝሓ ድምፂ ፀዲቑ።

ብተወሳኺ እውን እቲ ቤት ምኽሪ ረቂቕ ኣዋጅ ስታርት ኣፕ ብዝርዝር ንክረአ ናብ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ልምዓት ሓይሊ ሰብ፣ወፍሪ ስራሕን ቴክኖሎጅን መሪሑ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም