መበል 12 ጉባኤ ውድባት ፖለቲካ ኣፍሪካ ምክያድ ጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ/ነሓሰ 6/2017(ኢዜኣ) መበል 12 ጉባኤ ውድባት ፖለቲካ ኣፍሪካ ኣብ ጋና ከተማ ኣክራ ምክያድ ጀሚሩ።
እቲ ጉባኤ፤ ካብ ሎሚ ጀሚሩ ንሰለስተ መዓልትታት ከምዝፀንሕ ኢዜኣ ካብ ፓርቲ ብልፅግና ዝረኸቦ ሓበሬታ ይሕብር።
ኣብቲ መድረኽ፤ ብመዓርግ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ሓላፊ ማእኸል ምትሕብባር ህንፀት ስርዓት ዲሞክራስን ምክትል ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግናን ኣደም ፋራህ ከምኡ እውን ሓላፊ ዘፈር ርክብ ህዝብን ዓለም ለኸን ፓርቲ ብልፅግና ቢቂላ ሁሪሳ(ዶ/ር) ይሳተፉ ኣለዉ።
ዞባዊ ምትእስሳር፣ሰላምን ፀጥታን፣ኩለመዳያዊ ምምሕዳር፣ዘላቒ ዕቤት ኢኮኖምን እጃም ውድባት ፖለተካ ኣብ ኣህጉራዊ ልምዓትን ዝብሉ ኣጀንዳታት ኣብቲ ጉባኤ ከምዝዝተየሎም ትፅቢት ይግበር።



 

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም