መናእሰይ መራሕቲ ኣጀንዳ ሰላም ምብራቕ ኣፍሪካ ምዃኖም ኣብ ዘላቒ ዞባዊ ምርግጋዕ ቁልፊ እጃም ኣለዎ-ኢጋድ - ኢዜአ ትግርኛ
መናእሰይ መራሕቲ ኣጀንዳ ሰላም ምብራቕ ኣፍሪካ ምዃኖም ኣብ ዘላቒ ዞባዊ ምርግጋዕ ቁልፊ እጃም ኣለዎ-ኢጋድ

ኣዲስ ኣበባ/ነሓሰ 5/2017(ኢዜኣ) መናእሰይ መራሕቲ ኣጀንዳ ሰላም ምብራቕ ኣፍሪካ ምዃኖም ኣብ ዘላቒ ዞባዊ ምርግጋዕ ቁልፊ እጃም ከምዘለዎ በዓል መዚ በይነ መንግስትታት ምብራቕ ኣፍሪካ(ኢጋድ) ኣፍሊጡ።
ፈላማይ ዞባዊ ኮንፈረንስ ሰላምን ድሕንነትን መናእሰይ ኢጋድ ካብ 7 ክሳብ 8 ነሓሰ 2017 ዓ/ም ኣብ ኬንያ ከተማ ናይሮቢ ክካየድ እዩ።
መናእሰይ ልዑል ሓይሊ ለውጢ እዮም ዝበለ ኢጋድ፤ ሰላማውን ኣሳታፍን መፃኢ ግዜ ናይ ምፍጣር ቁልፊ እጃም ከምዘለዎም ገሊፁ።
መናእሰይ ኣብ ህንፀት ሰላም ዘለዎም እጃም ንምዕባይ እናሰርሐ ከምዝርከብ እውን ፀሪሑ።
እቲ ኮንፈረንስ፤ ኣብ ከይዲ ህንፀት ሰላም ዝሳተፉ መራሕቲ መናእሰይ ሃገራት ኣባል ኢጋድ ኣብ ሓደ መድረኽ ዘራኽብ እዩ።
እቶም መናእሰይ ኣብቲ ዞባ ዘላቒ ሰላምን ምርግጋዕን ንክመፅእ ዘኽእሉ መፍትሒ ሓሳባት ኣብቲ ኮንፈረንስ ከምዘቕርቡ እውን ኢዜኣ ካብ ኢጋድ ዝረኸቦ ሓበሬታ ይሕብር።
ኣብቲ ኮንፈረንስ፤ ስደተኛ መናእሰይ እውን ከምዝሳተፉን ኣብ ዞባዊ ምላሽ ሰላም ዘለዎም ሓሳብ ከምዘካፍሉን ተሓቢሩ።
እቲ ኮንፈረንስ መናእሰይ ኣብ ዞባዊ ሰላም፣ልምዓትን ምርግጋዕን ኢንሼቲቫት ሃገራት ብዝተዋደደ መልክዑ ተግባራዊ ንምግባር ዘለዎም ሓባራዊ ቆራፅነት ዘርእይሉ ከምዝኾነ እውን ተገሊፁ።
መናእሰይ መራሕትን መሃንዲሳትን ኣጀንዳ ሰላም ምብራቕ ኣፍሪካ ምዃኖም ንዘላቒ ዞባዊ ምርግጋዕ ቁልፊ እጃም ከምዘለዎ እውን ኢጋድ ኣፍሊጡ።
ኢጋድ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ ኣብ 2011 ኣብ ዩጋንዳ ከተማ ኢንቴቤ ኣብ ዝገበሮ ኣኼባ ፎረም ሰላም መናእሰይ ኢጋድ ዕላዊ ዝገበረ እንትኸውን እቲ ፎረም መናእሰይ ኣብ ሰላም፣ድሕንነትን ምርግጋዕን እቲ ዞባ ዘለዎም እጃም ንምዕባይ ዝዓለመ እዩ።