ሕብረት ኣፍሪካን ኢጋድን ኣብ ደቡብ ሱዳን ሰላምን ምርግጋዕን ንምስፋን ደገፍ ከምዝገብሩ ገሊፆም - ኢዜአ ትግርኛ
ሕብረት ኣፍሪካን ኢጋድን ኣብ ደቡብ ሱዳን ሰላምን ምርግጋዕን ንምስፋን ደገፍ ከምዝገብሩ ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ/ሚያዝያ/ 28/2017 (ኢዜኣ) ሕብረት ኣፍሪካን ኢጋድን ኣብ ደቡብ ሱዳን ሰላምን ምርግጋዕን ንምስፋን ኣብ ዝግበር ዘሎ ፃዕሪ ዝገብርዎ ደገፍ ኣጠናኺሮም ከምዝቕፅልሉ ኣፍሊጦም።
ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ መሐሙድ ዓሊ ዩሱፍ ምስ በዓል መዚ በይነ መንግስትታት ልምዓት ምብራቕ ኣፍሪካ(ኢጋድ) ብሓባር ብምዃን ናብ ደቡብ ሱዳን ብምኻድ ካብ 27 ክሳብ 28 ሚያዝያ 2017 ዓ/ም ምስ ሰብ መዝን ዝምልከቶም ኣካላትን እታ ሃገር ዘትዮም።
ክልቲኦም ትካላት ኣብ ውጽኢት እቲ ዘተን ቀፃሊ ኣንፈትን ኣመልኪቶም ሓባራዊ መግለፂ ሂቦም።
እቲ ዘተ፤ ኩነታት ፖለቲካን ድሕንነትን ደቡብ ሱዳን ከምኡ እውን ከይዲ ሰላም ዘለዎ ብርኪ ዝተመልከተ እዩ።
እቲ ዑደት ደቡብ ሱዳን ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ ኣብ 2018 ብዝተፈረመ ሓዱሽ ምቁራፅ ጎንፅን ስምምዕ ሰላምን ኣቢላ ኣብ ሽግግር ኣብ ዘላትሉ ወሳኒ እዋን ዝተገበረ ከምዝኾነ እውን እቲ መግለፂ ሓቢሩ።
ኣብ ጁባ እውን ምስ ፕሬዚዳንት ደቡብ ሱዳን ሳልቫ ኪር ማያርዲትን ካልኦት ላዕለዎት ሰብ መዚን ዘተ ተገይሩ።
እቲ ሓባራዊ መግለፂ፤ እቲ ዘተ ዘተኮረሎም ነጥብታት ኣቐሚጡ እዩ።
ውጽኢት ብልዑል ፃዕሪ ዝተረኸበ ስምምዕ ሰላም ምሕላው፣ኣሳታፊ ብሄራዊ ምኽክር ምግባርን ኣብ ምርድዳእ ምብፃሕን ከምኡ እውን ብገደብ ግዜ ዝፍፀም፣ተኣማንነት ዘለዎን ግልፅን ዝኾነ ፍኖተ ካርታ ሽግግር ምድጋፍን ምጥንኻር ዓቕሚ ትካላት ምምሕዳርን ዘተ ካብ ዝተገበረሎም ጉዳያት እዮም።
ብተወሳኺ እውን ኣቦ መንበር እቲ ኮሚሽን ምስ ዞባውን ዓለም ለኻውን መሓዙት፣ማሕበረሰብ ዲፕሎማሲ ኣፍሪካን ተወከልቲ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝሓቖፈ ትሮይካን ኣብ ደቡብ ሱዳን ከይዲ ሽግግር ብግልፂ ኣካይዳ ምምራሕ ኣብ ዝከኣለሉ ኩነታት ዘትዮም።
ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ፤ ሰላም፣ምርግጋዕን ሓቛፋይ ምምሕዳርን ንዘላቒ ሰላም ደቡብ ሱዳንን ዞባዊ ምትእስሳርን መሰረት ዘንብሩ ጉዳያት ከምዝኾኑ ኣብቲ መግለፂ ገሊፁ።
ሕብረት ኣፍሪካን ኢጋድን ምስ መንግስቲ ደቡብ ሱዳን፣ዞባውን ዓለም ለኻውን መሓዙት ብምዃን ኣብታ ሃገር ዘላቒ ሰላም ንክህሉን ቁልፊ ጉዳያት እቲ ስምምዕ ሰላም ዝኾኑ ንክሕለዉን ብሙሉእ ቆራፅነት ብሓባር ከምዝሰርሑ ገሊፆም።
መፃኢ ግዜ ደቡብ ሱዳን ሓድነት ዝሰፈነሉ፣ብፈተናታት ዘይሽነፍን ብልፅግና ዝተረጋገፀሉን ንክኸውን ዘይተገደበ ደገፍ ከምዝገብሩ እውን ኣብቲ መግለፂ ኣፍሊጦም።