ስትራቴጂ ቀፃሊ 10 ዓመታትን መርሃ ግብሪ ኣፈፃፅማን ካዴፕ ዕላዊ ክኸውን እዩ


 

ኣዲስ ኣበባ/ሚያዝያ /25/2017 (ኢዜኣ) ስትራቴጂ ቀፃሊ 10 ዓመታትን መርሃ ግብሪ ኣፈፃፅማን ፕሮግራም ኩለ መዳያዊ ልምዓት ግብርና ኣፍሪካ ሕብረት ኣፍሪካ(ካዴፕ) ኣብ ቀፃሊ ሰሙን ዕላዊ ክኸውን እዩ።

ስነ ስርዓት ምጅማር እቲ መርሃ ግብሪ ካብ 27 ክሳብ 28 ሚያዝያ 2017 / ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ጆሃንስበርግ ክካየድ እዩ።

እቲ ስትራቴጅን መርሃ ግብሪ ኣፈፃፅማን ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ ካብ 2026 ክሳብ 2035 ዝፀንሕ እዩ።

ዘላቒ መፍረያነት፣ኣግሮ ኢንዱስትሪን ንግድን ብዝበለፀ ምጥንኻር፣መጠን ኢንቨስትመንት ብምዕባይ ትራንስፎርሜሽን ስርዓተ ስነ ምግቢ ምስላጥ ከምኡ እውን ውሕስና ምግብን ስርዓተ ምግብን ምርግጋፅ ካብቶም ቀንዲ ትኹረት እቲ ስትራቴጂ ከምዝኾኑ ኢዜኣ ካብ ሕብረት ኣፍሪካ ዝረኸቦ ሓበሬታ ይሕብር።

ብተወሳኺ እውን ንዜጋታት ሓቛፋይን ማዕረን ዝኾነ ኩነታት መነባብሮ ምፍጣር፣ዘላቒ ስርዓተ ምግቢ ምህናፅን ምምሕዳር ስርዓት ምግቢ ምጥንኻርን ተወሰኽቲ ሽቶታት ካዴፕ እዮም።

እቲ ስትራቴጂ መፍረያይነት ግብርና ኣፍሪካ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ ኣብ 2035 45 ሚኢታዊ ንምዕባይ ትልሚ ከምዝሓዘ ተገሊፁ።

ሕብረት ኣፍሪካ ካዴፕ ኣመልኪቱ ኣብ ወርሒ ጥሪ 2017 / ኣብ ዩጋንዳ ካምፓላ ኣብ ዘካየዶ ጉባኤ ስትራቴጂ 10 ዓመት ከምዘፅደቐ ዝዝከር እዩ።

እቲ ማዕቐፍ ስትራቴጂን መርሃ ግብሪ ኣፈፃፅማን ካዴፕ ካምፓላ ዝብል ስያመ እውን ተዋሂብዎ እዩ።

ካዴፕ ኣህጉራዊ ማዕቐፍ ኣጀንዳ 2063 እዩ።

ካዴፕ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ ኣብ 2003 ኣብ ሞዛምፒክ ብዝተኻየደ ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ዕላዊ ዝኾነ መርሃ ግብሪ እንትኸውን ድንጋገ ማፑቶ ዝብል ስያመ ኣብቲ እዋን ተዋሂብዎ ከምዝነበረ ዝዝከር እዩ።

እቲ ማዕቐፍ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ ኣብ 2014 ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ኢኳቶሪያ ጊኒ ማላቦ ኣብ ዘካየዶ መበል 23 ስሩዕ ኣኼባ ሕብረት ኣፍሪካ ምምሕያሽ ዝተገበረሉ እንትኸውን ድንጋገ ማላቦ (Malabo Declaration on Accelerated Agricultural Growth) ዝብል ስያመ እውን ተዋሂብዎ እዩ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም