ሕብረት ኣፍሪካን ውድብ ሕቡራት መንግስትታትን ስትራቴጂካዊ ምሕዝነቶም ንምጥንኻር ድሉዋት እዮም - ኢዜአ ትግርኛ
ሕብረት ኣፍሪካን ውድብ ሕቡራት መንግስትታትን ስትራቴጂካዊ ምሕዝነቶም ንምጥንኻር ድሉዋት እዮም

ኣዲስ ኣበባ/ግንቦት/ 9/2017 (ኢዜኣ) ሕብረት ኣፍሪካን ውድብ ሕቡራት መንግስትታት(ውሕመ)ን ስትራቴጂካዊ ምሕዝነቶም ብዝበለፀ ንምጥንኻር ቆራፃት ከምዝኾኑ ኣፍሊጦም።
መበል 34 ስሩዕ ጉባኤ ሊግ ዓረብ ኣብ ኢራቅ ከተማ ባግዳድ ይካየድ ኣሎ።
ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ መሐሙድ ኣሊ ዩሱፍ ጎና ጎኒ እቲ ጉባኤ ምስ ዋና ፀሓፊ ውሕመ ኣንቶኒዮ ጉቴሬዝ ዘትዮም።
ኣብቲ ዘተ ክልቲኦም ትካላት ስትራቴጂካዊ ምሕዝነቶም ንምጥንኻር ዘለዎም ቆራጽነት ኣረጋጊፆም።
ኣብ ልኡኽቶ ምኽባር ሰላም፣ጉዳያት ፖለቲካን ምክልኻል ጎንፅን ዘለዎም ምትሕብባር ንምጥንኻር ከምዝሰርሑ ምግላፆም እውን ኢዜኣ ካብ ሕብረት ኣፍሪካ ዝረኸቦ ሓበሬታ ይሕብር።
ብብርኪ ሚኒስትራት ዝተጀመረ እቲ ስሩዕ ጉባኤ ፅባሕ ብብርኪ መራሕቲ ክካየድ እዩ።