ኣብ ኣፍሪካ ዲጂታል ኢኮኖሚ ምህናፅን ሰላምን ድሕንነትን ምርግጋፅን ቀፃሊ ዓውድታት ትኹረት እቲ ሕብረት እዮም-መሀሙድ ዓሊ ዩሱፍ - ኢዜአ ትግርኛ
ኣብ ኣፍሪካ ዲጂታል ኢኮኖሚ ምህናፅን ሰላምን ድሕንነትን ምርግጋፅን ቀፃሊ ዓውድታት ትኹረት እቲ ሕብረት እዮም-መሀሙድ ዓሊ ዩሱፍ

ኣዲስ ኣበባ/ግንቦት/ 5/2017 (ኢዜኣ) ድምፂ ኣፍሪካ ኣብ ዓለም ለኸ መድረኽ ክስማዕ ምግባር፣ዲጂታል ኢኮኖሚ ምህናፅን ሰላምን ድሕንነትን ምርግጋፅን ቀፃሊ ዓውድታት ትኹረት እቲ ሕብረት ከምዝኾኑ ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ መሀሙድ ዓሊ ዩሱፍ ተዛሪቦም።
ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ መሀሙድ ዓሊ ዩሱፍ ቀጻሊ ስትራቴጂክ ትኹረት እቲ ሓዱሽ ኣመራርሓ ኣመልኪቶም ንውሽጢ ሃገርን ዓለም ለኸን መራኸብቲ ሓፋሽ ኣብ ዝሃብዎ መብራህርሂ ከምዝበልዎ፤ ሕገ መንግስታዊ ዘይኮኑ ለውጥታት መንግስቲ ልምምድ ዲሞክራሲ እታ ኣህጉር ብምድኻም ድሌት ምርግጋዕን ሰላምን ኣፍሪካውያን ኣብ ሓደጋ እናውደቕዎ እዮም ዝርከቡ።
ስለዝኾነ እውን ድሕንነት ልኣላዊነት ኣባል ሃገራት ብምሕላው ሰላማ ዝተሓለወት ዲሞክራሲያዊ ምምሕዳር ዝተረጋገፀላ ኣፍሪካ ንምፍጣር ቀዳማይ ስራሕ ቀጻሊ ትኹረት እቲ ኮሚሽን ከምዝኾነ ኣፍሊጦም።
ዓለም ለኸ ተሰማዕነት ኣፍሪካ ብምዕባይ ኣብ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ውሕመን ካልኦት ትካላትን ምምሕያሽ ንክግበር ቁልፊ ሽቶ እቲ ኮሚሽን እዩ ኢሎም።
ፈጠራ ዘለዎ ዘላቕን ዘተኣማምንን ኣህጉራዊ ስርዓት ዲጂታል ኢኮኖሚ ብምህናፅ ዕቤት ኢኮኖሚ እተን ኣባል ሃገራት ምስላጥ እውን ካሊእ ብትኹረት ዝስራሕ ጉዳይ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።
ነዚ ንምዕዋት ድማ ምጥንኻር ዓቕሚ ደቂ ኣንስትዮን መናእሰይን ማእኸላይ ዓምድታት ከምዝኾኑ ዝሓበሩ እቶም ኣቦ መንበር፤ ነዚ ድማ ነበር ሚኒስትር ጉዳይ ወጻኢ ታንዛንያ ፍሉይ ልኡኽ ደቂ ኣንስትዮ ሕብረት ኣፍሪካ ገይሮም ከምዝሾሙ ኣረዲኦም።
ኣብ ዓውዲ ጥዕና እውን ድሉውነት ኣወሃህባር ምላሽ ለበዳን ምክልኻል ሕማምን ኣፍሪካ ብምጥንኻር ዓቕሚ ማእኸል ምክልኻል ሕማም ኣፍሪካ ንምዕባይ ከምዝስራሕን ቀፃሊ ኣንፈት እቲ ትኹረት ከምዝኾነን ኣረጋጊፆም።