ኢትዮጵያ ስርዓት ስታትስቲክስ ንምጥንኻር ተሳልጦ ዘላ ስራሕ ዝተባባዕ እዩ-ኮሚሽን ኢኮኖሚክ ኣፍሪካ - ኢዜአ ትግርኛ
ኢትዮጵያ ስርዓት ስታትስቲክስ ንምጥንኻር ተሳልጦ ዘላ ስራሕ ዝተባባዕ እዩ-ኮሚሽን ኢኮኖሚክ ኣፍሪካ

ኣዲስ ኣበባ/ነሓሰ 1/2017(ኢዜኣ) ኢትዮጵያ ስርዓት ስታትስቲክስ ብምጥንኻር ሓበሬታ መሰረት ዝገበረ ውሳነ ፖሊሲ ንምሃብ ተሳልጦ ዘላ ስራሕ ዝተባባዕ ከምዝኾነ ኮሚሽን ኢኮኖሚክ ኣፍሪካ ውሕመ ኣፍሊጡ።
ኣብ ውድብ ሕቡራት መመንግስትታት ኮሚሽን ኢኮኖሚክ ኣፍሪካ ተፀዋዒ ማእኸል ስታትስቲክስ ቲንፊሲ ጆሴፍ ኢልቦውዶ ንኢዜኣ ከምዝበልዎ፤ ሓበሬታታት ግብርና ቀፃልነት ንዘለዎ ስርዓት ግብርና መሰረት እዮም።
ኣብ ጥዕና፣ግብርና፣ትምህርቲ፣ስነ ህዝብን ካልኦት ዓውድታትን ዝተወደበ ሓበሬታ ስታትስቲክስ ምህላዉ ኣብ መፅናዕቲ መሰረት ዝገበረ ትልሚ ልምዓትን ውሳነ ፖሊስን ንምሃብ መሰረት እዩ ኢሎም።
ኢትዮጵያ ሓበሬታ መሰረት ዝገበረ ውሳነ ብምሃብ ውሕስና ምግቢ ንምርግጋፅ ኣብ ምምሕዳር ሓበሬታ ስታትስቲክስ ዝተባብዑ ስራሕቲ እናሳለጠት ከምዝኾነት እውን ተዛሪቦም።
ሓድነታ ዝጠንከረ፣ዝማዕበለትን ዘላቒ ሰላም ዝዓሰላን ኣፍሪካ ጋህዲ ንምግባር ኣጀንዳ 2063 ሓዊሱ ዝተፈላለዩ መርሃ ግብርታት ተግባራዊ እናተገበሩ ከምዝርከቡ ሓቢሮም።
ኣፍሪካ ሓበሬታ መሰረት ዝገበረ ውሳነ ፖሊሲ ብምሃብ ልኣላዊነት ምግባ ንምርግጋፅ ሓበሬታ ብምእካብ፣ ብምትንታንን ብመፅናዕቲ ብምርግጋፅን ስርዓት ሓበሬታኣን ስታትስቲክስን ንምጥንኻር ትኹረት ምሃብ ከምዘድሊ ፀሪሖም።
ኣብ ኣፍሪካ ጠንካራ ስርዓት ምምሕዳር ሓበሬታ ንምዝርጋሕ ኣብ መንጎ ሃገራት ምትሕብባር ምጥንኻር ኣድላይ ከምዝኾነ እውን ኣረዲኦም።
ማእኸል ስታትስቲክስ ኣፍሪካ ኮሚሽን ኢኮኖሚክ ኣፍሪካ፤ ሓበሬታታት ስታትስቲክስ ግብርና ሓዊሱ ጠንካራ ማእኸል ሓበሬታ ንምህናፅ ዓቕሚ ምጥንኻር ኣብ ዝከኣለሎም ጉዳያት እናሰርሐ ከምዝርከብ ተዛሪቦም።