መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ክልተ ሽልማታት ረኺቡ



 

ኣዲስ ኣበባ/ሚያዝያ /6/2017 (ኢዜኣ) መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ኣፍሪካ ኣብ እዋን በረራ ቀረብ ሙሩፅ ምግቢ መንገዲ ኣየርን ኣብ ኣፍሪካ ቀዲሙ ብዝተረከቦም ኣውሮፕላናት ኤርባስ A350-1000 ብዝህቦም ዘበናዊ ኣገልግሎታትን ክልተ ሽልማታት ረኺቡ።

እቲ መንገዲ ኣየር፤ ኣብ ጀርመን ሃምቡርግ ኣብ ዝተሳለጡ ክልተ መርሃ ግብርታት ኣብ ኣፍሪካ ኣብ እዋን በረራ ቀረብ ሙሩፅ ምግቢ መንገዲ ኣየርን ኣብ ኣፍሪካ ቀዲሙ ብዝተረከቦም ኣውሮፕላናት ኤርባስ A350-1000 ብዝህቦም ዘበናዊ ኣገልግሎታትን እዩ ሽልማታት Cabin Concept of the Year 2025” ዝተቐበለ።

እዞም ሽልማታት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ንዝህቦም ኣገልግሎታት ዓለም ለኸ ኣፍልጦ ዘጎናፀፉዎን ብብርኪ ዓለም ዘለዎ ተወዳዳሪነት ዘጠናኽሩን ከምዝኾኑ ካብቲ መንገዲ ኣየር ዝተረኸበ ሓበሬታ ይሕብር።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም