አብ አፍሪካ ሙሉእ ስላም ንምምፃእ ይግበሩ ዘለዉ ፃዕርታት ዲፕሎማሲ ተስፋ ወሃብቲ እዮም -አቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ - ኢዜአ ትግርኛ
አብ አፍሪካ ሙሉእ ስላም ንምምፃእ ይግበሩ ዘለዉ ፃዕርታት ዲፕሎማሲ ተስፋ ወሃብቲ እዮም -አቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ

አዲስ አበባ/ ሚያዚያ/ 29 /2017 (ኢዜአ)፦አብ አፍሪካ ሙሉእ ስላም ንምምፃእ ይግበሩ ዘለዉ ፃዕርታት ዲፕሎማሲ ተስፋ ወሃብቲ እዮም ክብሉ አቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካመሐመድ አሊ ዩሱፍ ገሊፆም።
አቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካመሐመድ አሊ ዩሱፍ ምስ ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ዴሞክራቲክ ሪፐብሊክ ኮንጎ ቴሬስ ካይክዋምባ ዋግነር አብ አዲስ ኣበባ ተራኺቦም ዘትዮም።
እቲ ዘተ ቀንዲ ጠመትኡ አብ ምብራቓዊ ሪፐብሊክ ኮንጎን አብ ዞባ ዓበይቲ ቃላያት (ግሬት ሌክስ) ሰላም ድሕንነትን ምርግጋእን ንምዕሳል ኣብ ዘኸእል ጉዳያት ዝጠመተ እዩ ነይሩ።