ንፍቀ ደቡብ ዓለም ንብልፅግናን ሓበራዊ ድሕንነትን ዓለም ብምትሕብባር ክሰርሑ አለዎም -- ሚኒስትር ጌዲዮን ጢሞቲዎስ(ዶ/ር)

 

ጌዲዮን ጢሞቴዎስ (/) ኣብ ሃገራት ደቡባዊ ዓለም ምትሕብባር ክጠናኸር ሓቲቶም

ኣዲስ ኣበ/ ሚያዝያ/22/ 2017/ኢዜአ/ ንፍቀ ደቡብ ዓለም ንብልፅግናን ሓበራዊ ድሕንነትን ዓለም ብምትሕብባር ክሰርሑ ከምዘለዎም  ሚኒስትር ጌዲዮን ጢሞቲዎስ(/) ፀዊዖም

እቶም ሚኒስተር ኣብቲ ኣኼባ ኣብ ዘስምዖዎ መደረ፤ ኣብ ምምሕዳር ስርዓት ዓለም እናጋጠሙ ዘለው ዘይግመቱ ፖለቲካዊ ቅልውላዋት ብምሕባር ኣብ ሃገራት ደቡባዊ ዓለም ምትሕብባር ክጠናኸር ከምዘለዎ ኣገንዚቦም፡፡

 ጎና ጎኒ እቲ አኼባ ምስ ኣባላት ብሪክስን ሚኒስትራት ወፃኢ ጉዳይ መሓዙት ሃገራትን ኣብ ክልቲኣዊ ጉዳይ ዘተ ምክያዶም ካብቲ ሚኒስትር ዝተረኸበ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ኣብ ብራዚል ሪዮ ጄኔሮ ክካየድ ዝፀንሐ ኣኼባ ሚኒስትራት ጉዳያት ወፃኢ ተዛዚሙ፡፡

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም