ሓለዋ ኸበቢ
 አብ ሃገርና ዝፍፀም ዘሎ ዘይሕጋዊ ሃደን እንስሳ ዘገዳም ነቲ ገበን ንክሰፍሕ ይዕድም አሎ  
Jan 15, 2024 78
አዲስ አበባ/ጥሪ/6/2016/ኢዜአ/ኣብ ዘይሕጋዊ ሃደን ዝወፅ ሕጊ ዘይ ስጡም ብምዃኑ እቲ ገበን ካብ እዋን ናብ እዋን እናተጋደደ እዩ ክብል በዓል መዚ ልምዓትን ሓለዋን እንሰሳት ዘገዳም ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ። ኣብ ፓርኪ ባቢሌ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ሓሙሽተ ሓራምዝ ብዘይሕጋውያን ከምዝተቐተሉ 'ውን ተሓቢሩ። ኣብቲ በዓል መዚ ሓላፊ ዴስክ ምኽባር ሕጊ እንሰሳት ዘገዳም ኣይተ ዳንኤል ኣሰፋ ከምዝገለፅዎ፤ ዘይሕጋዊ ሃደንን ዝውውርን እንሰሳት ዘገዳም ከም ካልኦት ሃገራት ዓለም ንኢትዮጵያ 'ውን እናተፈታተና ይርከብ። ኣብ ኢትዮጵያ እንሰሳት ዘገዳም ብዘይሕጋዊ ሃደን ምቕታል ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እናተፈፀመ ከምዝርከብ ዝገለፁ ኣይተ ዳንኤል፤ ብተመሳሳሊ ነቶም እንሰሳት ብህይወት እናሃለዉ ናብ ካልእ ሃገር ምዝውዋር 'ውን ማሕለኻ ሃገርና 'ዩ ኢሎም። ምስ ሕጊ ዘኽብሩ ኣካላት ብምዃን ገበነኛታት ተሓተትቲ ናይ ምግባር ስራሕ እናተሰርሐ ከምዝርከብ ብምግላፅ እንተኾነ 'ውን ኣብ ሃገርና ነዚ ዘይሕጋዊ ተግባር ዝፈፀሙ ገበነኛታት ዝቕፅዕሉ ኣግባብ ሕጊ ልሕሉሕ ብምዃኑ እቶም ገበነኛታት ነቲ ገበን ደጊሞም ናይ ምፍፃም ዕድሎም ሰፊሕ 'ዩ ኢሎም። ብፍላይ ዝሕለዉ ቦታታትን ብሄራዊ ፓርክታትን ጥሒሶም ብምእታው ዝተኸልከሉ ተግባራት ምፍፃም ዓብዪ ሓደጋ ከምዘንፀላለወ ዝተዛረቡ እቶም ሓላፊ፤ ናብቶም ቦታታት ብምእታው ሕርሻ ምሕራስ፣ ደኒ ምጭፍጫፍ፣ ፈሓም ምፍሓምን ገዛ ምስራሕን ብዝለዓለ ኩነታት ዝስትውዐሉ ፀገማት 'ዮም ክብሉ ገሊፆም።
ሃፍቲ ተፈጥሮ ምሕላው ግቡኡና እዩ-ርእሰምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳ
Jan 15, 2024 68
  አዲስ አበባ/ጥሪ/6/2016/ኢዜአ/ ሃፍቲ ተፈጥሮ ምሕላው ግቡኡና እዩ ክብሉ ርእሰምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳ ገሊፆም ከም ወለዶ ኣጠቓቕማ ሃፍቲ ተፈጥሮና ሚዛናዊ ክኸውን ሓላፍነት ኣለዎ። እዞም ሓላፍነታት ሸለል ስልዝተብሃሉ ኣብ ልዕሊ ተፈጥሮ ዝለዓለ ጉድኣት በፂሑ ዋጋ 'ውን ተኸፊልዎ። እቲ ናይ ለውጢ መንግስትና ናብ ስራሕ ዝኣተወ ነዞም ፀገማት ብምፍታሕ 'ዩ። ነቲ ዝተመዝገበ ዓወት ልዕሊ ኹሉ ተሳትፎ ግልጋሎት ዜግነት፣ ምውዳድ ተሳትፎ ሰብ ሞያ ግብርናን በቢ ብርኩ ዘለዉ ኣመራርሓታትን ወሳኒ ግደ ኣበርኪቱ። ኣብዚ ዓመት ተመኩሮታት ዝሓለፉ ዓመታት ብምውዳድ ነቲ ለውጢ ብዝበለፀ ተግባራዊ ንምግባር ኹሎም ኣድለይቲ ቕድመ ምድላዋት እናተዛዘሙ 'ዮም። በዚ መሰረት ብግልጋሎት ዜግነትን ብመሓውር መንግስትን ኣስታት 10 ሚሊዮን ኣባላት ማሕበረሰብ ብምንቅስቓስ ኣብ ኣስታት 3.3 ሚሊዮን ሄክታር መሬት ልምዓት ተፋሰስ፣ ስራሕቲ ዕቀባ ማይን ሓመድን ንምስራሕ ተተሊሙ። እቲ ስራሕ ናብ ጥረ ገንዘብ እንትቕየር 10 ቢሊዮን ዋጋ ይህልዎ። ኣብ መወዳእታ 'ውን ኣብቲ ክሳብ ሕዚ ዝነበረ ዓወት ንዝተሳተፉ ክፋላት ሕብረተሰብ፣ ሰብ ሞያ ግብርናን በቢ ብርኩ ዘለዉ ኣካላት ኣመራርሓን እናመስገንኩ፤ ኣብ ቀረባ ብዕሊ ንዝጅመር ናይ ሎሚ ዓመት ወፍሪ ሓለዋ ሃፍቲ ተፈጥሮ ኩሉኹም መዳርግቲ ኣካላት ምድላው ንኽትገብሩ ፃውዒተይ እናቅረብኩ አብ ቀፃሊ አብ ምሕዋይ ሃፍቲ ተፈጥሮ ንዝህልው ምርብራብ ኩላህና ከምቲ ናይ ቅድሚ ሓዚ ድልዋት ንክንከውን ሕድሪ ይብል
ኢትዮጵያ ንለውጢ ከባብያዊ ኣየር ዘይቃላዕ ልምዓት ከተማ ንምስፍሕፋሕ ኢንቨስትመንት ዓውዲ  ውልቀ የድልያ
Dec 4, 2023 112
  ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 24/2016 (ኢዜኣ) ኢትዮጵያ ንለውጢ ከባብያዊ ኣየር ዘይቃላዕ ልምዓት ከተማ ንምስፍሕፋሕ ኢንቨስትመንት ውልቀ ዓውዲ ከምዘድልያ ሚኒስትር ከተማን መሰረተ ልምዓትን ጫልቱ ሳኒ ገሊፀን። እተን ሚኒስትር ኣብ ዱባይ እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ ኣካል ጉባኤ ኮፕ28 ዝኾነ ዘተ ፓነል፤ ኢትዮጵያ ንለውጢ ከባብያዊ ኣየር ዘይቃላዕ ሓምለዋይ ልምዓት ትገብሮ ዘላ ምንቅስቓስ ኣመልኪተን ተሞኩሮ ኣካፊለን። ኣብቲ መድረኽ፤ ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ፕላንን ልምዓትን ነመራ ገበየሁ(ዶ/ር) ን ምክትል ፈፃሚ ስራሕ ሆልዲንግ ኢንቨስትመንት ኢትዮጵያ መለከት ሳህሉን ኣብ ኢትዮጵያ ንለውጢ ከባብያዊ ኣየር ዘይቃላዕ ልምዓት ከተማ ንምስፍሕፋሕ እጃም ዓውዲ ውልቀ ኣመልኪቶም ገለፃ ገይሮም። ኣብ ኢትዮጵያ ስጉምትታት ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ምስ ሃገራዊ ልምዓትን ኢንቨስትመንት ዓውዲ ውልቀን ብምጥዕዓም ንለውጢ ከባብያዊ ኣየር ዘይቃላዕ ልምዓት ከተማ ክውን ንምግባር ብቴክኖሎጂ ዝተሓገዘ፣ ብሓበሬታ ዝማዕበለን ዘላቒ ልምዓት ከተማን ምህላዉ ኣገዳሲ ምዃኑ ሚኒስትር ጫልቱ ሳኒ ሓቢረን። ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ፕላንን ልምዓትን ነመራ ገበየሁ(ዶ/ር) ብግደኦም፤ መንግስቲ ካብ ቀረባ ዓመታት ጀሚሩ ኢንቨስትመንት ዓውዲ ውልቀ ኣብታ ሃገር ንክጠናኸር ብትኹረት እናሰርሐ ይርከብ ኢሎም። ምክትል ፈፃሚ ስራሕ ሆልዲንግ ኢንቨስትመንት ኢትዮጵያ መለከት ሳህሉ፤ ኢንሼቲቭ ምትሕብባር ኢንቨስትመንት ዓውዲ መንግስትን ውልቀን መንግስቲ ፍሉይ ትኹረት ከምዝሃቦ ምግላፆም ካብ ሚኒስቴር ከተማን መሰረተ ልምዓትን ዝተረኸበ ሓበሬታ የመላኽት።
ኣፍሪካ ኣብ ጉባኤ ነባሪ ኣየር ውድብ ሕቡራት መንግስታት (ኮፕ28) ለውጢ ነባሪ ኣየር ንምክልኻል ሓደ ድምፂ ክተስምዕ 'ያ - ሕብረት ኣፍሪካ ።
Nov 28, 2023 81
  አዲስ አበባ/ሕዳር/18/2016/ኢዜአ/ኣፍሪካ ኣብ ጉባኤ ነባሪ ኣየር ውድብ ሕቡራት መንግስታት (ኮፕ28) ለውጢ ነባሪ ኣየር ንምክልኻል ሓደ ድምፂ ክተስምዕ 'ያ ክብል ሕብረት ኣፍሪካ ገሊፁ። ጉባኤ ነባሪ ኣየር ውድብ ሕቡራት መንግስታት (ኮፕ28) ኣብ ዱባይ ሕቡራት ዓረብ ኤምሬት ድሕሪ ፅባሕ ክጅመር 'ዩ። ኣብቲ ጉባኤ ለውጢ ነባሪ ኣየር ንምክልኻል ዝተበፅሑ ስምምዕነታትን ድንጋገታትን ተግባራዊነቶም ኣብ ምንታይ ከምዝበፅሐ ክግምገም 'ዩ። ጎናጎኒ 'ውን ሃገራት ለውጢ ነባሪ ኣየር ንምፅዋር ብፍላይ መማረፅታት ተሓደስቲ ሓይልታት ኣብ ምስፋሕ እናተሰርሑ ዝርከቡ ስራሕቲ ኢሂን ሚሂን ክግበረሎም 'ዩ። ኣብ ምዕባይ ዝርከባ ሃገራት ብለውጢ ነባሪ ኣየር ንዝበፅሐን ሓደጋ ንምፅዋርን ስግግር ሓይሊ ንኽገብራን ኣብ ዘኽእሉ ቐረባት ፋይናንስ 'ውን እቲ ጉባኤ ጠመተ ክገብር 'ዩ ተባሂሉ። ብተወሳኺ 'ውን ኣብቲ ጉባኤ ለውጢ ነባሪ ኣየር ንምክልኻል ሃገራት ሓዱሽ ማዕቀፍ ምትሕብባር ክፈጥራ ከምዝኽእላ 'ውን ብአጋኡ ዓብዪ ግምት ተዋሂብዎ። ነቲ ጉባኤ ምኽንያት ብምግባር ዳይሬክተር ግሪን ዎል ኢንሼቲቭ ሕብረት ኣፍሪካ ኢልቪስ ፖል ከም ዝበልዎ ኣፍሪካ ኣጀንዳኣ ኣብቲ ጉባኤ ብሓደ ድምፂ ክተስምዕ 'ያ ኢሎም። እቲ ጉባኤ ቅድሚ ሕዚ ኣብታ ኣህጉር ለውጢ ነባሪ ኣየር ንምፅዋር ዝተበፅሑ ስምምዕነታት ናብ ተግባር ንምቕያርን ኣብቲ ዘፈር ቐረብ ፋይናንስ ንምስፋሕፋሕን ዕድል ከምዝፈጥር ገሊፆም። ምጣነ ምውሳኽ ዋዒ ዓለም ብማእኸላይ ካብ ሓደ ነጥቢ ሓሙሽተ ክሳብ ክልተ ዲግሪ ሴልሽየስ ንምብፃሕ ዝተበፅሐ ስምምዕነት ፓሪስ ዕላዊ ንምግባር ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ብ2030 ምጣነ ሰደድ በካሊ ጋዝ ዓለም ካብ 28 ክሳብ 40 ሚኢታዊ ክንክይ ከምዘለዎ መረዳእታ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ይሕብር። ኣብ ዱባይ ሕቡራት ዓረብ ኤምሬት 20 ሕዳር ዝጅምር ጉባኤ ነባሪ ኣየር ውድብ ሕቡራት መንግስታት (ኮፕ28) ክሳብ 2 ታህሳስ 2016 ዓ.ም ክፀንሕ 'ዩ።
ድሕሪ 30 ዓመት ዝንቀሳቐስ ዘሎ  ከውሒ በረድ
Nov 25, 2023 87
  አዲስ አበባ/ሕዳር/15/2016/ኢዜአ/ ንልዕሊ 30 ዓመታት ኣብ ትሕቲ ውቅያኖስ ተጣቢቑ ዝጸንሐ ኣብ ዓለምና እቲ ዝዓበየ ከውሒ በረድ (ኣይስበርግ) ክንቀሳቐስ ጀሚሩ።ከም ፀብፃብ ቢቢሲ ። እቲ ‘A23a’ ተባሂሉ ዝጽዋዕ በረድ፡ ካብ ገማግም ናይታ ብበረድ ዝተሸፈነት ኣህጉር ኣንታርክቲካ ብ1986’ዩ ተፈንጪሉ። እንተዀነ፡ ኣብ መዓሙቕ ወደል-ባሕሪ (Weddell Sea) ተሸኺሉ ደው ኢሉ ጸኒሑ። እዚ ከውሒ በረድ፡ ኣስታት 4000 ትርብዒት ኪ.ሜ ስፍሓት ዘለዎ ኰይኑ፡ ክልተ ዕጽፊ ስፍሓት ዓባይ ለንደን ይበጽሕ። እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብናህሪ ክንሳፈፍ ዝጀመረ ከውሒ፡ ኣብዚ እዋን'ዚ ኪኖ ማያት ኣንታርክቲካ ክከዓው ቀሪቡ ኣሎ። ‘A23a’ ስፍሓቱ ጥራይ ኣይኰነን ዘደንቕ። እዚ ቀጸላ በረድ ኣስታት 400 ሜትሮ ርጉዲ ኣለዎ። ነዚ ብምንጽጻር ንምርዳእ እንተደሊኹም፡ ናብ ለንደን በጺሕኩም እንተነይርኩም፡ ‘ለንደን ሻርድ’ ዝተባህለ ኣብ ኤውሮጳ ዝነውሐ ሰማይ ጠቀስ ህንጻ ኣሎ፤ እዚ ህንጻ ቁመቱ 310 ሜትሮ’ዩ። ‘A23a’ ኣካል ናይቲ ካብታ ጻዕዳ ኣህጉር ዝመጽአ ‘ፊልችነር ኣይስ ሸልፍ’ ዝተባህለ ጸድፊ በረድ እዩ ነይሩ። ስለምንታይ ድኣ A23a’ ድሕሪ ኣስታት 40 ዓመት ይንቀሳቐስ ኣሎ? መጠን ዋዒ ማይ ዘንቀሎ ክኸውን'ዩ ዝብል ግምት'ኳ እንተነበረ፡ እንተኾነ ግን ብዙሓት ተመራመርቲ "ግዚኡ ስለዝኣኸለ'ዩ" ዝብል መግለጺ'ዮም ዝህብሉ ዘለዉ ክብል ክኢላ ዳህሳስ ማዕዶ (ሪሞት ሴንሲንግ) ኣንታርክቲካ ዝዀነ ዶክተር ኣንድሪው ፍሌሚንግ። “ካብ 1986 ጀሚሩ’ዩ ኣብ መሬት ለጊቡ፤ ኣብ መወዳእታ ግን ዓቐኑ እናጐደለ ምስከደ ካብቲ ተሸኺልዎ ዝነበረ ተላቒቑ ምንቅስቓስ ክጅምር ነይርዎ። ፈላሚ ምንቅስቓሱ ኣብ 2020 እየ ክፈልጥ ክኢለ”። ‘A23a’ ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ብሰንኪ ንፋሳትን ማዕበልን ዝተደረኸ ናህሪ ወሲኹ እዩ፤ ሕዚ ድማ ንሰሜናዊ ጫፍ ወሽመጥ ኣንታርክቲካ ይሓልፎ ኣሎ። ልክዕ ከም መብዛሕትኦም ካብ ወደል-ሲ ዝመጽኡ ከውሒታት በረድ፡ ‘A23a’ በቲ 'ኣንታርከቲክ ሰርከምፖላር ካረንት' ተባሂሉ ዝጽዋዕ ማዕበል ተደፊኡ ናብቲ "ኣይስበርግ ኣሌይ" ተባሂሉ ዝፍለጥ ከባቢታት ደቡብ ኣትላንቲካዊ ውቅያኖስ ክድርበ እዩ። እዚ ተመሳሳሊ ምንቅስቓስ ማይ’ዩ እዚ ልክዕ ከምቲ ፍሉጥ ዳህሳሲ ሰር ኤርነስት ሻክልተን ኣብ 1916 መርከቡ ምስ ጠፍኣቶ ንእኩብ በረድ እናጥሓሰ ካብ ኣንታርክቲካ ንምህዳም ዝጥቀመሉ ዝነበረ ኣንፈት ማዕበል ማይ እዩ። ሻክልተን፡ ነታ ናይ ህይወት ኣድሕን ጃልባኡ ናብታ ኣካል ብሪጣንያ ዝኾነት ደሴት ደቡብ ጆርጅያ ኣቕኒዑዋ። በቲ ማዕበላት ተደፊኡ ድማ ናብቲ ቀረባ ዝኾነ ገማግም እታ ደሴት በጺሑ። ኣብ መወዳእታ ኩሎም ከውሒታት በረድ፡ ይዕበዩ ይንኣሱ ምምካኾምን ምድቓቖምን ኣይተርፎምን። ተመራመርቲ ንገስጋስ ‘A23a’ ብቐረባ ክከታተልዎ እዮም። ኣብ ደቡብ ጆርጅያ እንተወዲቑ፡ ነተን ኣብታ ደሴት ዝራብሑ ሚልዮናት ዓሳ፣ ፐንጉን (ዑፍ)፣ ካልኦት ኣዕዋፍ ባሕርን ጸገም ከስዕብ ይኽእል እዩ። ዝዓበየ ክፋል ከውሒ በረድ ‘A23a’ ነቲ ንቡር ናይ መግቢ ምድላይ መንገዲ እቶም እንስሳታት ክዘርግ ይኽእል እዩ፣ እዚ ድማ ነቶም ዘፍርዩዎም እንስሳት ብግቡእ ኣብ ምምጋብ ከጸግሞም ከም ዝኽእል ይግመት። ይኹን’ምበር፡ በረድ ሓደጋ (ከም ታይታኒክን ካልእን) ጥራይ ጌርካ ምግማት ግጉይ’ዩ። እዞም ዓበይቲ ከውሒታት በረድ ክመኩ እንተለው፡ ነቲ ምስ ኣኻውሕ ኣንታርክቲካ ብምሕኻኽ ዝረኸቡዎ ማዕድናዊ ሓመድ ይፍኑውዎ’ዮም። እዚ ሓመድ እዚ ድማ፡ ነቶም መሰረት ሰንሰለታት መግቢ ውቅያኖስ ዝፈጥሩ ህይወታውያን ምንጪ መኣዛታት’ዩ። "ብብዙሕ መዳይ እዞም ከውሒታት በረድ ህይወት ዝህቡ’ዮም፤ ንብዙሕ ስነ-ህይወታዊ ንጥፈታት መበገሲ’ዮም" ይብላ ክኢላ ዉድስ ሆል ኦሽኖግራፊክ ኢንስቲትዩሽን ዶክተር ካትሪን ዎከር።
ካልኣይ ምዕራፍ ፕሮግራም ኢንቨስትመንት ልምዓት ደኒ ሬድ ፕላስ ተጀሚሩ-ሚኒስቴር ሕርሻ
Nov 17, 2023 107
  ኣዲስ ኣበባ/ ሕዳር/7/ 2016 /ኢዜአ/‘ሬድ ፕላስ’ ዝተባህለ ፕሮግራም ኢንቨስትመንት ልምዓት ደኒ ካልኣይ ምዕራፍ ከምዝተጀመረ ሚኒስቴር ሕርሻ ኣፍሊጡ፡፡ ሚኒስትሩ ሕርሻ ግርማ ኣመንቴ ኣብቲ መርሃ ግብሪ መጀመሪ÷ ደኒ ምግቢ፣ ዕንጨይቲ፣ መኖ እንስሳትን መድሓኒትን ክኾኑ ዝኽእሉ እጽዋት ንደቂ ሰባት ዘቕርብ ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡ ኣብ ኢትዮጵያ ብብዝሃ ህይወት ዝማዕበሉ ስነ-ምህዳራት ደኒ ሓደጋ ውሕጅ ብምክልኻል፣ ምሽርሻር መሬት ብምንካይ፣ ግድባት ብደለል ከይምልኡ ምግባር ኩለመዳይ ረብሓ እናበርከተ ከምዝርከብ ገሊፆም፡፡ ዘፈር ደኒ ኢትዮጵያ ንምልዋጥ ዘኽእሉ ሓደሽቲ ፈጠራታት እናተግበረት ከምዝኾነት ዝገለፁ እቶም ሚኒስትር÷ በዚ ድማ ብብዝሃ ህይወት ዝማዕበሉ ደኒታት ምሕላውን ዝዓረቑ መሬታትን ናብ ዝነበሩዎ ምምላስ ከምዝተኸኣለ ኣገንዚቦም፡፡ ዝተፈላለዩ እፅዋትን እንስሳ ዘገዳምን ዝርከቡላ ኢትዮጵያ ብብዝሃ ህይወት ካብ ዝፍለጡ ሓሙሽተ ሃገራት ሓንቲ ምዃና ካብ ሚኒስቴር ሕርሻ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡
ኢትዮጵያ ብመርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ንሓለዋ ከባቢ ዝሃበቶ ትኹረት ብኣብነት ዝፅራሕ ከምዝኾነ ኣምባሳደር ቼክ ሪፐብሊክ ኣብ ኢትዮጵያ ሚሮስላቭ ኮሴክ ገሊፆም።
Oct 26, 2023 192
  ኣዲስ ኣበባ ጥቅምቲ/15/ 2016 /ኢዜአ/ኢትዮጵያ ብመርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ንሓለዋ ከባቢ ዝሃበቶ ትኹረት ብኣብነት ዝፅራሕ ከምዝኾነ ኣምባሳደር ቼክ ሪፐብሊክ ኣብ ኢትዮጵያ ሚሮስላቭ ኮሴክ ገሊፆም። ምትሕብባር ልምዓት ቼክ ሪፐብሊክ ለውጢከባብያዊ አየር ኣብ ምክልኻል ጠሚቱ ምስ ዝተፈላለዩ መንግስታዊን ዘይመንግስታዊን ትካላት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ልዝብ ተኻይዱ። ኣብቲ መድረኽ ዘተ ዝተረኸቡ ኣምባሳደር ቼክ ሪፐብሊክ ኣብ ኢትዮጵያ ሚሮስላቭ ኮሴክ ለውጢ ከባብየዊ አየር ብብርኪ ዓለም ልዑል ፈተና ኮይኑ ከምዝቐፀለ ገሊፆም። ኣብ ኣፍሪካ ፅዕንትኡ ልዑል ከምዝኾነ ብምሕባር ንድርቂ፣ ውሕጅ፣ ምህማም መሬትን ካልኦት ተተሓሓዝቲ ፀገማትን አፍሪካውያን ከምዝተቓልዑ እውን ኣብሪሆም። ኢትዮጵያ ብመርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ንሓለዋ ከባቢ ዝሃበቶ ትኹረት ዝነኣድ ከምዝኾነ ዝገለፁ እቶም ኣምባሳደር÷ እቲ ፀገም ንምክልኻልን ለውጢ ንምምፃእን ምትሕብባር ሃገራት ኣድላዪ ከምዝኾነ ተዛሪቦም። ኣብ ኢንስቲትዩት ዓለም ለኸ ዳይሬክተር ሓምለዋይ ልምዓት ኢትዮጵያ ዳንኤል ጎቦናያ ለውጢከባብያዊ አየር ንምክልኻል ሓበራዊ ምላሽ ከምዘድሊ ምግላፆም ኢዜአ ፀብፂቡ፡፡
 ብዕቱብ ፃዕሪ ህዝባ  ኢትዮጵያ ጠንካራን ዝማዐበለትን ሃገር ኮይና ክትስጉም እያ - ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ገሊፆም።
Sep 19, 2023 332
  ኣዲስ ኣበባ/ መስከረም/8/ 2016 /ኢዜአ/ ብዕቱብ ፃዕሪ ህዝባ ኢትዮጵያ ጠንካራን ዝማዐበለትን ሃገር ኮይና ክትስጉም እያ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ገሊፆም። ካልኣይ ምዕራፍ ቀዳማይ ዓመት መዛዘሚ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ(ዶ/ር) ኣብ ዝተረከብሉ ተሳሊጡ። ኢትዮጵያ መርህ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ብምጅማር እቲ ፅዕንቶ ኣብ ምፅዋር ተምሳሌታዊ ተግባር ትሰርሕ ኣላ ኢሎም። እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ዝገበርዎ መደረ፥ ለውጢ ከባብያዊ አየር ዘስዕቦ ዘሎ ፅዕንቶ ብዝምልከት ብዙሓት ዓለም ለኸ ዘተታት ከምዝተሳለጡ ተዛሪቦም፥ ይኹን እንበር እቲ ፅዕንቶ ኣብ ምፅዋር ብዙሕ ስራሕ ንቅድሚት አሎ ኢሎም። እቲ መርሃ ግብሪ ካብ ዝጅምር ክሳብ ሐዚ ብኢትዮጵያውያን ሓበራዊ ቅልፅም 32 ነጥቢ 5 ቢሊየን ፈልሲ ከምዝተተኸለ ኣብሪሆም። ኣብ ኩሎም ምዕራፋት 50 ቢሊየን ፈልሲ ንምትካል ትልሚ ከምዝተትሓዘ ገሊፆም። ብሓምለዋይ ልምዓት ምሽርሻር ሓመድ ምክልኻል፣ መጠን ዝናብ ምውሳኽን ስርዓተ ምህዳር ምምዕርራይን ምኽኣሉ ብምግላፅ፥ ልዑል ፍልፍል ኢኮኖሚ እናኾነ ይመፅእ ከምዘሎ እውን ተዛሪቦም። ኣብ ቀፃሊ ስራሕቲ ልምዓት ፍራምረ፣ ቡን፣ ወዘተ ምጥንኻር ከምዝግባእ ሓቢሮም። ነዚ ተሞክሮ ብምስናቅ ብሓበራዊ ዕቱብ ፃዕሪ ህዝባ ጠንካራን ዝማዕበለትን ኢትዮጵያ ንቐፃሊ ትውልዲ ክነረክብ ኢና ድማ ኢሎም። ኣብ ክልል ኦሮሚያ ወረዳ ሎሜ ተፋሰስ ጆጎ ኢዩ እቲ መርሃ ግብሪ ተሳሊጡ።
ኣብ ዞባ ምዕራብ ሃረርጌ ዝተሃነፁ ፕሮጀክትታት ፅሩይ ዝስተ ማይ ኣገልግሎት ምሃብ ጀሚሮም
Sep 4, 2023 404
  ጭሮ/ነሓሰ/ 29/2015 (ኢዜኣ) ኣብ ዞባ ምዕራብ ሃረርጌ ብልዕሊ 600 ሚልዮን ብር ወፃኢ ዝተሃነፁ ፕሮጀክትታት ፅሩይ ዝስተ ማይ ኣገልግሎት ምሃብ ከምዝጀመሩ ምምሕዳር እቲ ዞባ ኣፍሊጡ። ዋና ኣመሓዳሪት ዞባ ምዕራብ ሃረርጌ ወይዘሮ ኤክራም ጣሃ፤ ህዝቢ እቲ ዞባ ፀገም ኣቕርቦት ፅሩይ ዝስተ ማይ ንምፍታሕ ክሰርሕ ከምዝፀንሐ ተዛሪበን። ብፍላይ ድማ ኣብ ከባብታት ቆላ እቲ ዞባ ፀገም ፅሩይ ዝስተ ማይ ብግዝያዊነት ንምፍታሕ ብቦቴ ማይ ክከፋፈል ምፅንሑ ገሊፀን። እቲ ፀገም ብዘላቕነት ንምፍታሕ ብዝተሰርሐ ስራሕ እውን ኣብ በጀት ዓመት 2015 ዓ/ም ብልዕሊ 600 ሚልዮን ብር ወፃኢ ህንፀት ዝተፈላለዩ ፕሮጀክትታት ማይ ተዛዚሞም ኣገልግሎት ምሃብ ምጅማሮም ተዛሪበን። ካብቶም ስራሕ ዝጀመሩ ፕሮጀክትታት ማይ፤ ኣብ ወረዳ ቡርቃ ዲንቱ እቲ ዞባ ልዕሊ 110 ኪሎ ሜትሮ መስመር ማይ ተዘርጊሑ ኣገልግሎት ምሃብ ምጅማሩ ፀሪሐን። እቲ ፕሮጀክት ፅሩይ ዝስተ ማይ ልዕሊ 68 ሽሕ ህዝቢ እቲ ዞባ ማይ ምብፃሕ ከምዝኽእል እውን ሓቢረን።
መንግስቲ ማሕበራዊ፣ ለውጢ ከባብያዊ ኣየርን ኢኮኖሚያውን ዕቤት ዘላቒ ንክኸውን ብቆራፅነት እናሰርሐ እዩ-ዶክተር ፍፁም ኣሰፋ
Sep 2, 2023 396
  ኣዲስ ኣበባ/ነሓሰ 27/2015 (ኢዜኣ) መንግስቲ ማሕበራዊ፣ ለውጢ ከባብያዊ ኣየርን ኢኮኖሚያውን ዕቤት ዘላቕነት ንክህልዎም ብቆራፅነት እናሰርሐ ምዃኑ ሚኒስትር ፕላንን ልምዓትን ዶክተር ፍፁም ኣሰፋ ገሊፀን። ሚኒስትር ፕላንን ልምዓትን ዶክተር ፍፁም ኣሰፋ ምስ ተወከልቲ ኤጀንሲ ዓለም ለኸ ምትሕብባር ኮሪያ (KOICA)ን ኢንስቲትዩት ዓለም ለኸ ልምዓት ሓምለዋይ (GGGI)ን ኣብ ቤት ፅሕፈተን ተዛትየን። ኣብቲ ዘተ፤ ፕሬዚዳንት ኤጀንሲ ዓለም ለኸ ምትሕብባር ኮሪያ (KOICA)ን ዳይሬክተር ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ኮሪያን ኪም ጂ ሂ፣ዋና ኣማኻሪ ኤጀንሲ ዓለም ለኸ ምትሕብባር ኮሪያ(ኮይካ) ሆንግ ሊል ፖ፣ኣማኻሪ ፕሮግራም ኮይካ ኣብ ኢትዮጵያ ቤተል ተረፈን ተወካሊ ኢንስቲትዩት ዓለም ለኸ ልምዓት ሓምለዋይ ሶንግ ፊል-ጉንን ከምኡ እውን ካልኦት ተወከልቲ ኢንስቲትዩት ዓለም ለኸ ልምዓት ሓምለዋይ ተረኺቦም። እቲ ዘተ፤ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ከባብታት ከተማ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ንምፅዋር ተፈጥሮ መሰረት ዝገበሩ መፍትሕታት ንምጥቃም ኣብ ዘኽእል ፕሮጀክት ዘተኮረ ምዃኑ ተገሊፁ። እቲ ፕሮጀክት ምስ ዝተፈላለዩ ሃገራዊ ማዕቐፋት ልምዓት ብፍላይ ድማ ንለውጢ ከባብያዊ ኣየር ዘይቃላዕ ስትራቴጂ ሓምለዋይ ኢኮኖሚ (CRGE)፣ትልሚ ልምዓት 10 ዓመትን ካልኦት ማዕቐፋትን ሓቢሩ ክኸይድ ከምዝኽእል እቲ ሚኒስቴር ሓቢሩ። ሚኒስትር ፕላንን ልምዓትን ዶክተር ፍፁም ኣሰፋ፤ መንግስቲ ማሕበራዊ፣ ለውጢ ከባብያዊ ኣየርን ኢኮኖሚያውን ዕቤት ዘላቕነት ንክህልዎም ብቆራፅነት እናሰርሐ ምዃኑ ገሊፀን። ተወከልቲ ኤጀንሲ ዓለም ለኸ ምትሕብባር ኮሪያ (KOICA)ን ኢንስቲትዩት ዓለም ለኸ ልምዓት ሓምለዋይ (GGGI)ን ብግደኦም፤ እቲ ፕሮጀክት ትራንስፎርሜሽን ሓምለዋይ ከተማ ንምምሕያሽን ዓቕሚ ምፅዋር ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ንምዕባይን ኣብ ዝተመረፁ ከተማታት ኢትዮጵያ ተግባራዊ ከምዝግበር ገሊፆም። እቲ ፕሮጀክት 6 ዓመታት ከምዝውድእን ኣብ ከተማታት ኣዲስ ኣበባን ጅማን ከምዝትግበርን ካብቲ ሚኒስቴር ዝተረኸበ ሓበሬታ የመላኽት።
ብመርሃ ግብሪ ሓምለዋይ አሰር ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት 700 ሽሕ ንዝኾኑ ዜጋታት ዕድል ስራሕ ከምዝተፈጠረ ሚኒስቴር ግብርና ኣፍሊጡ።
Aug 30, 2023 325
  አዲስ አበባ/ነሓሰ/24/2015/ኢዜአ/ብመርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ዓሻራ ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት 700 ሽሕን ንዝኾኑ ዜጋታት ዕድል ስራሕ ከምዝተፈጠረ ሚኒስቴር ግብርና ኣፍሊጡ። ኣብ ሚኒስቴር ግብርና መራሒ ፈፃሚ ስራሕ ሓለዋን ኣጠቓቕማን ልምዓት ሃፍቲ ተፈጥሮ ኣይተ ተፈራ ታደሰ ከምዝገለፅዎ፤ ክሳብ ሕዚ ብመርሃ ግብሪ ሓምለዋይ አሰር ኣስታት 700 ሽሕ ንዝኾኑ ዜጋታት ዕድል ስራሕ ተፈጢሩ ነዚ ንምዕባይ 'ውን ስራሕቲ ክስራሕ 'ዩ። ኢትዮጵያ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ አሰር ጀሚራ ናብ ስራሕ ካብ ትኣትው ሕዚ ኣብ መበል ሓምሻይ ዓመት ከምትርከብ ዝተዛረቡ እቶም ፈፃሚ፤ ኣብዞም ዓመታት ሃገር በቆል ፈልስታት፣ ንደኒ ዘገልግሉ ተኽልታት፣ ፍራምረን ካልኦትን ተኽልታት ንኽለምዑ ከምዝተገበረ ተዛሪቦም። በቲ መርሃ ግብሪ ዛጊድ ኣብ ዘለዉ እዋናት 30 ቢሊዮን ፈልስታት ተተኺሎም። በዚ 'ውን ፈልሲ ካብ ምፍላስ፣ ምትካል፣ ጉድጓድ ምኹዓትን ምክንኻንን ኣብ ዘለዉ ስራሕቲ ከምኡ 'ውን ምስዚ ኣብ ዝተተሓሓዙ ስራሕቲ ዜጋታት ንኽሳተፉ እናተገበረ ይርከብ። ከም መብርሂ ኣይተ ተፈራ፤ ብርክት ዝበሉ ዜጋታት ንሓምለዋይ አሰር ዝውዕል ዘርኢ እፅዋት ኣብ ምቕራብ፤ ኣብ ጣብያታት ፈልሲ ተቖፂሮም ብምስራሕን ዕድል ስራሕ ምርካቦምን .አረዲኦም ብሓፈሻ ብመርሃ ግብሪ ሓምለዋይ አሰር ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት 700 ሽሕ ንዝኾኑ ዜጋታት ዕድል ስራሕ ከምዝተፈጠረ ሚኒስቴር ግብርና ኣፍሊጡ።
ኣብ ክልል ኣምሓራ ልዕሊ 1 ነጥቢ 5 ቢልዮን ፈልስታት ተተኺሎም ክንክን እናተገበረሎም ይርከብ-ቢሮ ግብርና እቲ ክልል
Aug 29, 2023 329
  ባህርዳር/ነሓሰ /23/2015 (ኢዜኣ) ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ናይ ሎሚ ዘበን መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ልዕሊ 1 ነጥቢ 5 ቢልዮን ፈልስታት ተተኺሎም ክንክን እናተገበረሎም ምዃኑ ቢሮ ግብርና እቲ ክልል ኣፍሊጡ። እቶም ዝተተኸሉ ፈልስታት ሽፋን ደኒ እቲ ክልል ሕዚ ካብ ዘለዎ 15 ነጥቢ 7 ሚኢታዊ ናብ 16 ነጥቢ 7 ሚኢታዊ ከምዘዕብዮ እውን እቲ ቢሮ ገሊፁ። ኣብቲ ቢሮ ዳይሬክተር ኣጠቓቕማ ልምዓትን ሓለዋን ሃፍቲ ተፈጥሮ ኣይተ እስመለዓለም ምህረት፤ ኣብ ናይ ሎሚ ዘበን መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር 1 ነጥቢ 6 ቢልዮን ፈልስታት ንምትካል ተተሊሙ ክስራሕ ከምዝፀንሐ ንኢዜኣ ተዛሪቦም። ኢኮኖሚያዊ ረብሓ ዘለዎም ዝተፈላለዩ ፈልስታት ብምድላው ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ 2015 ዓ/ም ጀሚሩ ክሳብ ሕዚ ልዕሊ 1 ነጥቢ 5 ቢልዮን ፈልስታት ከምዝተተኸሉ ኣረዲኦም። እቲ ሕብረተሰብ እውን ኣብ እዋን ክረምቲ ዝተኸሎም ፈልስታት ብምፅሃይን ብምኹስኳስን ፈልስታት ንምዕባይ ክንክን እናገበረ ከምዝርከብ ብምሕባር እዚ ስራሕ ድማ ኣጠናኺሩ ንክቕፅለሉ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም። ኣብ ናይ ሎሚ ዘበን ክረምቲ ዝተኸልዎም ፈልስታት ብምክንኻን ውፅኢት ንምርካብ እናፀዓሩ ምዃኖም ነባሪ ዞባ ደቡብ ጎንደር ወረዳ ደራ ዝኾኑ ሓረስታይ ኣለኸኝረ መንጌ ሓቢሮም። ብተወሳኺ እውን ፈልስታት ፍራምረን ደንታትን ዘለዎም ረብሓ ብምርዳእ ፈልስታት ብምትካል እናተኸናኸኑ ምዃኖም ነባሪት ወረዳ ደራ ዝኾና ወይዘሮ ዘገይ ኣስማረ ገሊፀን።
የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም