ኣብ ክልል ኣምሓራ ልዕሊ 1 ነጥቢ 5 ቢልዮን ፈልስታት ተተኺሎም ክንክን እናተገበረሎም ይርከብ-ቢሮ ግብርና እቲ ክልል

 

ባህርዳር/ነሓሰ /23/2015 (ኢዜኣ) ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ናይ ሎሚ ዘበን መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ልዕሊ 1 ነጥቢ 5 ቢልዮን ፈልስታት ተተኺሎም ክንክን እናተገበረሎም ምዃኑ ቢሮ ግብርና እቲ ክልል ኣፍሊጡ።

እቶም ዝተተኸሉ ፈልስታት ሽፋን ደኒ እቲ ክልል ሕዚ ካብ ዘለዎ 15 ነጥቢ 7 ሚኢታዊ ናብ 16 ነጥቢ 7 ሚኢታዊ ከምዘዕብዮ እውን እቲ ቢሮ ገሊፁ።

ኣብቲ ቢሮ ዳይሬክተር ኣጠቓቕማ ልምዓትን ሓለዋን ሃፍቲ ተፈጥሮ ኣይተ እስመለዓለም ምህረት፤ ኣብ ናይ ሎሚ ዘበን መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር 1 ነጥቢ 6 ቢልዮን ፈልስታት ንምትካል ተተሊሙ ክስራሕ ከምዝፀንሐ ንኢዜኣ ተዛሪቦም።

ኢኮኖሚያዊ ረብሓ ዘለዎም ዝተፈላለዩ ፈልስታት ብምድላው ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ 2015 / ጀሚሩ ክሳብ ሕዚ ልዕሊ 1 ነጥቢ 5 ቢልዮን ፈልስታት ከምዝተተኸሉ ኣረዲኦም።

እቲ ሕብረተሰብ እውን ኣብ እዋን ክረምቲ ዝተኸሎም ፈልስታት ብምፅሃይን ብምኹስኳስን ፈልስታት ንምዕባይ ክንክን እናገበረ ከምዝርከብ ብምሕባር እዚ ስራሕ ድማ ኣጠናኺሩ ንክቕፅለሉ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

ኣብ ናይ ሎሚ ዘበን ክረምቲ ዝተኸልዎም ፈልስታት ብምክንኻን ውፅኢት ንምርካብ እናፀዓሩ ምዃኖም ነባሪ ዞባ ደቡብ ጎንደር ወረዳ ደራ ዝኾኑ ሓረስታይ ኣለኸኝረ መንጌ ሓቢሮም።

ብተወሳኺ እውን ፈልስታት ፍራምረን ደንታትን ዘለዎም ረብሓ ብምርዳእ ፈልስታት ብምትካል እናተኸናኸኑ ምዃኖም ነባሪት ወረዳ ደራ ዝኾና ወይዘሮ ዘገይ ኣስማረ ገሊፀን።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም