ኣብ ዙርያ ኣተሓሕዛ፣ምጉዕዓዝን ኣታላልያን ጎሓፍ ዝረኣዩ ፀገማት ብቕልጡፍ ክመዓራረዩ ይግባእ


 

ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 27/2016 (ኢዜኣ) ኣብ ዙርያ ኣተሓሕዛ፣ምጉዕዓዝን ኣታላልያን ጎሓፍ ዝረኣዩ ፀገማት ብቕልጡፍ ንክመዓራረዩ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ምምሕዳርን ቁፅፅርን ወፃኢ መንግስቲ  ኣተሓሳሲቡ።

ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ምምሕዳርን ቁፅፅርን ወፃኢ መንግስቲ ፀብፃብ ኦዲት አፈፃፅማ በጀት ዓመት 2014/15 በዓል መዚ ሓለዋ ከባቢ ኢትዮጵያ ገምጊሙ።

ዋና ኦዲተር ፌዴራል መሰረት ዳምጤ ርካብ ፀብፃብ ኦዲት አፈፃፅማ ክልቲኡ በጀት ዓመት ነቲ ቀዋሚ ኮሚቴ ኣቕሪበን።

ኣብ መብራህሪአን እውን እቲ በዓል መዚ ብፍላይ ኣብ ዙርያ ኣተሓሕዛ፣ምጉዕዓዝ፣ኣወጋግዳ ጎሓፍን ኣወሃህባ ፍቓድ ፍርያት ፕላስቲክን ፀገማት ከምዘለውዎ ምስ ገለፃ እዚ ግን ብቅልጡፍ ክዕረ ከምዝግብኦ አታሓሳሲበን

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም