ኢትዮጵያ ንለውጢ ከባብያዊ ኣየር ዘይቃላዕ ልምዓት ከተማ ንምስፍሕፋሕ ኢንቨስትመንት ዓውዲ  ውልቀ የድልያ


 

ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 24/2016 (ኢዜኣ) ኢትዮጵያ ንለውጢ ከባብያዊ ኣየር ዘይቃላዕ ልምዓት ከተማ ንምስፍሕፋሕ ኢንቨስትመንት ውልቀ ዓውዲ ከምዘድልያ ሚኒስትር ከተማን መሰረተ ልምዓትን ጫልቱ ሳኒ ገሊፀን።

እተን ሚኒስትር ኣብ ዱባይ እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ ኣካል ጉባኤ ኮፕ28 ዝኾነ ዘተ ፓነል፤ ኢትዮጵያ ንለውጢ ከባብያዊ ኣየር ዘይቃላዕ ሓምለዋይ ልምዓት ትገብሮ ዘላ ምንቅስቓስ ኣመልኪተን ተሞኩሮ ኣካፊለን።

ኣብቲ መድረኽ፤ ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ፕላንን ልምዓትን ነመራ ገበየሁ(/) ምክትል ፈፃሚ ስራሕ ሆልዲንግ ኢንቨስትመንት ኢትዮጵያ መለከት ሳህሉን ኣብ ኢትዮጵያ ንለውጢ ከባብያዊ ኣየር ዘይቃላዕ ልምዓት ከተማ ንምስፍሕፋሕ እጃም ዓውዲ ውልቀ ኣመልኪቶም ገለፃ ገይሮም።

ኣብ ኢትዮጵያ ስጉምትታት ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ምስ ሃገራዊ ልምዓትን ኢንቨስትመንት ዓውዲ ውልቀን ብምጥዕዓም ንለውጢ ከባብያዊ ኣየር ዘይቃላዕ ልምዓት ከተማ ክውን ንምግባር ብቴክኖሎጂ ዝተሓገዘ፣ ብሓበሬታ ዝማዕበለን ዘላቒ ልምዓት ከተማን ምህላዉ ኣገዳሲ ምዃኑ ሚኒስትር ጫልቱ ሳኒ ሓቢረን።

ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ፕላንን ልምዓትን ነመራ ገበየሁ(/) ብግደኦም፤ መንግስቲ ካብ ቀረባ ዓመታት ጀሚሩ ኢንቨስትመንት ዓውዲ ውልቀ ኣብታ ሃገር ንክጠናኸር ብትኹረት እናሰርሐ ይርከብ ኢሎም።

ምክትል ፈፃሚ ስራሕ ሆልዲንግ ኢንቨስትመንት ኢትዮጵያ መለከት ሳህሉ፤ ኢንሼቲቭ ምትሕብባር ኢንቨስትመንት ዓውዲ መንግስትን ውልቀን መንግስቲ ፍሉይ ትኹረት ከምዝሃቦ ምግላፆም ካብ ሚኒስቴር ከተማን መሰረተ ልምዓትን ዝተረኸበ ሓበሬታ የመላኽት።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም