ኣብ ዞባ ምዕራብ ሃረርጌ ዝተሃነፁ ፕሮጀክትታት ፅሩይ ዝስተ ማይ ኣገልግሎት ምሃብ ጀሚሮም

 

ጭሮ/ነሓሰ/ 29/2015 (ኢዜኣ) ኣብ ዞባ ምዕራብ ሃረርጌ ብልዕሊ 600 ሚልዮን ብር ወፃኢ ዝተሃነፁ ፕሮጀክትታት ፅሩይ ዝስተ ማይ ኣገልግሎት ምሃብ ከምዝጀመሩ ምምሕዳር እቲ ዞባ ኣፍሊጡ።

ዋና ኣመሓዳሪት ዞባ ምዕራብ ሃረርጌ ወይዘሮ ኤክራም ጣሃ፤ ህዝቢ እቲ ዞባ ፀገም ኣቕርቦት ፅሩይ ዝስተ ማይ ንምፍታሕ ክሰርሕ ከምዝፀንሐ ተዛሪበን።

ብፍላይ ድማ ኣብ ከባብታት ቆላ እቲ ዞባ ፀገም ፅሩይ ዝስተ ማይ ብግዝያዊነት ንምፍታሕ ብቦቴ ማይ ክከፋፈል ምፅንሑ ገሊፀን።

እቲ ፀገም ብዘላቕነት ንምፍታሕ ብዝተሰርሐ ስራሕ እውን ኣብ በጀት ዓመት 2015 / ብልዕሊ 600 ሚልዮን ብር ወፃኢ ህንፀት ዝተፈላለዩ ፕሮጀክትታት ማይ ተዛዚሞም ኣገልግሎት ምሃብ ምጅማሮም ተዛሪበን።

ካብቶም ስራሕ ዝጀመሩ ፕሮጀክትታት ማይ፤ ኣብ ወረዳ ቡርቃ ዲንቱ እቲ ዞባ ልዕሊ 110 ኪሎ ሜትሮ መስመር ማይ ተዘርጊሑ ኣገልግሎት ምሃብ ምጅማሩ ፀሪሐን።

እቲ ፕሮጀክት ፅሩይ ዝስተ ማይ ልዕሊ 68 ሽሕ ህዝቢ እቲ ዞባ ማይ ምብፃሕ ከምዝኽእል እውን ሓቢረን።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም