ካልኣይ ምዕራፍ ፕሮግራም ኢንቨስትመንት ልምዓት ደኒ ሬድ ፕላስ ተጀሚሩ-ሚኒስቴር ሕርሻ

 

ሚኒስትሩ ሕርሻ ግርማ ኣመንቴ ኣብቲ መርሃ ግብሪ መጀመሪ÷ ደኒ ምግቢ፣ ዕንጨይቲ፣ መኖ እንስሳትን መድሓኒትን ክኾኑ ዝኽእሉ እጽዋት ንደቂ ሰባት ዘቕርብ ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡

ኣብ ኢትዮጵያ ብብዝሃ ህይወት ዝማዕበሉ ስነ-ምህዳራት ደኒ ሓደጋ ውሕጅ ብምክልኻል፣ ምሽርሻር መሬት ብምንካይ፣ ግድባት ብደለል ከይምልኡ ምግባር ኩለመዳይ ረብሓ እናበርከተ ከምዝርከብ ገሊፆም፡፡

ዘፈር ደኒ ኢትዮጵያ ንምልዋጥ ዘኽእሉ ሓደሽቲ ፈጠራታት እናተግበረት ከምዝኾነት ዝገለፁ እቶም ሚኒስትር÷ በዚ ድማ ብብዝሃ ህይወት ዝማዕበሉ ደኒታት ምሕላውን ዝዓረቑ መሬታትን ናብ ዝነበሩዎ ምምላስ ከምዝተኸኣለ ኣገንዚቦም፡፡

ዝተፈላለዩ እፅዋትን እንስሳ ዘገዳምን ዝርከቡላ ኢትዮጵያ ብብዝሃ ህይወት ካብ ዝፍለጡ ሓሙሽተ ሃገራት ሓንቲ ምዃና ካብ ሚኒስቴር ሕርሻ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም