ድሕሪ 30 ዓመት ዝንቀሳቐስ ዘሎ ከውሒ በረድ - ኢዜአ ትግርኛ
ድሕሪ 30 ዓመት ዝንቀሳቐስ ዘሎ ከውሒ በረድ

አዲስ አበባ/ሕዳር/15/2016/ኢዜአ/ ንልዕሊ 30 ዓመታት ኣብ ትሕቲ ውቅያኖስ ተጣቢቑ ዝጸንሐ ኣብ ዓለምና እቲ ዝዓበየ ከውሒ በረድ (ኣይስበርግ) ክንቀሳቐስ ጀሚሩ።ከም ፀብፃብ ቢቢሲ ።
እቲ ‘A23a’ ተባሂሉ ዝጽዋዕ በረድ፡ ካብ ገማግም ናይታ ብበረድ ዝተሸፈነት ኣህጉር ኣንታርክቲካ ብ1986’ዩ ተፈንጪሉ።
እንተዀነ፡ ኣብ መዓሙቕ ወደል-ባሕሪ (Weddell Sea) ተሸኺሉ ደው ኢሉ ጸኒሑ።
እዚ ከውሒ በረድ፡ ኣስታት 4000 ትርብዒት ኪ.ሜ ስፍሓት ዘለዎ ኰይኑ፡ ክልተ ዕጽፊ ስፍሓት ዓባይ ለንደን ይበጽሕ።
እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብናህሪ ክንሳፈፍ ዝጀመረ ከውሒ፡ ኣብዚ እዋን'ዚ ኪኖ ማያት ኣንታርክቲካ ክከዓው ቀሪቡ ኣሎ።
‘A23a’ ስፍሓቱ ጥራይ ኣይኰነን ዘደንቕ።
እዚ ቀጸላ በረድ ኣስታት 400 ሜትሮ ርጉዲ ኣለዎ።
ነዚ ብምንጽጻር ንምርዳእ እንተደሊኹም፡ ናብ ለንደን በጺሕኩም እንተነይርኩም፡ ‘ለንደን ሻርድ’ ዝተባህለ ኣብ ኤውሮጳ ዝነውሐ ሰማይ ጠቀስ ህንጻ ኣሎ፤ እዚ ህንጻ ቁመቱ 310 ሜትሮ’ዩ።
‘A23a’ ኣካል ናይቲ ካብታ ጻዕዳ ኣህጉር ዝመጽአ ‘ፊልችነር ኣይስ ሸልፍ’ ዝተባህለ ጸድፊ በረድ እዩ ነይሩ።
ስለምንታይ ድኣ A23a’ ድሕሪ ኣስታት 40 ዓመት ይንቀሳቐስ ኣሎ?
መጠን ዋዒ ማይ ዘንቀሎ ክኸውን'ዩ ዝብል ግምት'ኳ እንተነበረ፡ እንተኾነ ግን ብዙሓት ተመራመርቲ "ግዚኡ ስለዝኣኸለ'ዩ" ዝብል መግለጺ'ዮም ዝህብሉ ዘለዉ ክብል ክኢላ ዳህሳስ ማዕዶ (ሪሞት ሴንሲንግ) ኣንታርክቲካ ዝዀነ ዶክተር ኣንድሪው ፍሌሚንግ።
“ካብ 1986 ጀሚሩ’ዩ ኣብ መሬት ለጊቡ፤ ኣብ መወዳእታ ግን ዓቐኑ እናጐደለ ምስከደ ካብቲ ተሸኺልዎ ዝነበረ ተላቒቑ ምንቅስቓስ ክጅምር ነይርዎ። ፈላሚ ምንቅስቓሱ ኣብ 2020 እየ ክፈልጥ ክኢለ”።
‘A23a’ ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ብሰንኪ ንፋሳትን ማዕበልን ዝተደረኸ ናህሪ ወሲኹ እዩ፤ ሕዚ ድማ ንሰሜናዊ ጫፍ ወሽመጥ ኣንታርክቲካ ይሓልፎ ኣሎ።
ልክዕ ከም መብዛሕትኦም ካብ ወደል-ሲ ዝመጽኡ ከውሒታት በረድ፡ ‘A23a’ በቲ 'ኣንታርከቲክ ሰርከምፖላር ካረንት' ተባሂሉ ዝጽዋዕ ማዕበል ተደፊኡ ናብቲ "ኣይስበርግ ኣሌይ" ተባሂሉ ዝፍለጥ ከባቢታት ደቡብ ኣትላንቲካዊ ውቅያኖስ ክድርበ እዩ።
እዚ ተመሳሳሊ ምንቅስቓስ ማይ’ዩ እዚ ልክዕ ከምቲ ፍሉጥ ዳህሳሲ ሰር ኤርነስት ሻክልተን ኣብ 1916 መርከቡ ምስ ጠፍኣቶ ንእኩብ በረድ እናጥሓሰ ካብ ኣንታርክቲካ ንምህዳም ዝጥቀመሉ ዝነበረ ኣንፈት ማዕበል ማይ እዩ።
ሻክልተን፡ ነታ ናይ ህይወት ኣድሕን ጃልባኡ ናብታ ኣካል ብሪጣንያ ዝኾነት ደሴት ደቡብ ጆርጅያ ኣቕኒዑዋ። በቲ ማዕበላት ተደፊኡ ድማ ናብቲ ቀረባ ዝኾነ ገማግም እታ ደሴት በጺሑ።
ኣብ መወዳእታ ኩሎም ከውሒታት በረድ፡ ይዕበዩ ይንኣሱ ምምካኾምን ምድቓቖምን ኣይተርፎምን። ተመራመርቲ ንገስጋስ ‘A23a’ ብቐረባ ክከታተልዎ እዮም።
ኣብ ደቡብ ጆርጅያ እንተወዲቑ፡ ነተን ኣብታ ደሴት ዝራብሑ ሚልዮናት ዓሳ፣ ፐንጉን (ዑፍ)፣ ካልኦት ኣዕዋፍ ባሕርን ጸገም ከስዕብ ይኽእል እዩ።
ዝዓበየ ክፋል ከውሒ በረድ ‘A23a’ ነቲ ንቡር ናይ መግቢ ምድላይ መንገዲ እቶም እንስሳታት ክዘርግ ይኽእል እዩ፣ እዚ ድማ ነቶም ዘፍርዩዎም እንስሳት ብግቡእ ኣብ ምምጋብ ከጸግሞም ከም ዝኽእል ይግመት።
ይኹን’ምበር፡ በረድ ሓደጋ (ከም ታይታኒክን ካልእን) ጥራይ ጌርካ ምግማት ግጉይ’ዩ።
እዞም ዓበይቲ ከውሒታት በረድ ክመኩ እንተለው፡ ነቲ ምስ ኣኻውሕ ኣንታርክቲካ ብምሕኻኽ ዝረኸቡዎ ማዕድናዊ ሓመድ ይፍኑውዎ’ዮም።
እዚ ሓመድ እዚ ድማ፡ ነቶም መሰረት ሰንሰለታት መግቢ ውቅያኖስ ዝፈጥሩ ህይወታውያን ምንጪ መኣዛታት’ዩ።
"ብብዙሕ መዳይ እዞም ከውሒታት በረድ ህይወት ዝህቡ’ዮም፤ ንብዙሕ ስነ-ህይወታዊ ንጥፈታት መበገሲ’ዮም" ይብላ ክኢላ ዉድስ ሆል ኦሽኖግራፊክ ኢንስቲትዩሽን ዶክተር ካትሪን ዎከር።