ኢትዮጵያ ብመርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ንሓለዋ ከባቢ ዝሃበቶ ትኹረት ብኣብነት ዝፅራሕ ከምዝኾነ ኣምባሳደር ቼክ ሪፐብሊክ ኣብ ኢትዮጵያ ሚሮስላቭ ኮሴክ ገሊፆም።


 

ኣዲስ ኣበባ ጥቅምቲ/15/ 2016 /ኢዜአ/ኢትዮጵያ ብመርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ንሓለዋ ከባቢ ዝሃበቶ ትኹረት ብኣብነት ዝፅራሕ ከምዝኾነ ኣምባሳደር ቼክ ሪፐብሊክ ኣብ ኢትዮጵያ ሚሮስላቭ ኮሴክ ገሊፆም።

ምትሕብባር ልምዓት ቼክ ሪፐብሊክ  ለውጢከባብያዊ አየር ኣብ ምክልኻል ጠሚቱ ምስ ዝተፈላለዩ መንግስታዊን ዘይመንግስታዊን ትካላት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ልዝብ ተኻይዱ።

ኣብቲ መድረኽ ዘተ ዝተረኸቡ ኣምባሳደር ቼክ ሪፐብሊክ ኣብ ኢትዮጵያ ሚሮስላቭ ኮሴክ ለውጢ ከባብየዊ አየር ብብርኪ ዓለም ልዑል ፈተና ኮይኑ ከምዝቐፀለ ገሊፆም።

ኣብ ኣፍሪካ ፅዕንትኡ ልዑል ከምዝኾነ ብምሕባር ንድርቂ፣ ውሕጅ፣ ምህማም መሬትን ካልኦት ተተሓሓዝቲ ፀገማትን አፍሪካውያን ከምዝተቓልዑ እውን ኣብሪሆም።

ኢትዮጵያ ብመርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ንሓለዋ ከባቢ ዝሃበቶ ትኹረት ዝነኣድ ከምዝኾነ ዝገለፁ እቶም ኣምባሳደር÷ እቲ ፀገም ንምክልኻልን ለውጢ ንምምፃእን ምትሕብባር ሃገራት ኣድላዪ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ኣብ ኢንስቲትዩት ዓለም ለኸ ዳይሬክተር ሓምለዋይ ልምዓት  ኢትዮጵያ ዳንኤል ጎቦናያ ለውጢከባብያዊ አየር ንምክልኻል ሓበራዊ ምላሽ ከምዘድሊ ምግላፆም ኢዜአ ፀብፂቡ፡፡

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም