ሃፍቲ ማይ ዝፍልፍሉሎም ከባቢታት ብዘላቕነት ንምሕላው መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ወሳኒ ኢዩ -ሚኒስትር ማይን ኢነርጂን ሃብታሙ ኢተፋ (ዶ/ር ኢ/ር)

 

ኣዲስ ኣበባ/ ሕዳር/25/ 2016 /ኢዜአ/ሃፍቲ ማይ ዝፍልፍሉሎም ከባቢታት ብዘላቕነት ንምሕላው መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ወሳኒ ኢዩ ክብሉ ሚኒስትር ማይን ኢነርጂን ሃብታሙ ኢተፋ (/ /) ተዛሪቦም።

እቶም ሚኒስትር ኣብ ጉባኤ ኮፕ28 ቤት ዕዮም ምስ ዩኒሴፍ ብምትሕብባር ኣብ ዘሳናደኦ  መድረኽ  ለውጢ ከባብያዊ አየር ዘይብዳህ ቀረብ ማይን ሳኔቴሽንን መስተ ማይ ብዝምልከት ሓሳቦም ገሊፆም።

ኢትዮጵያ ብምኽንያት ለውጢ ከባበያዊ አየር ዘጋጥሙ ፀገማት ንምእላይ ዓሊማ ትሰርሕ ከምዘላ ተዛሪቦም።

ብፍላይ ሃፍቲ ማይ ዝፍልፍሉሎም ከባቢታት ብዘላቕነት ንምሕዋይን ንምሕላውን መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ወሳኒ ከምዝኾነ ሓቢሮም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም