ብመርሃ ግብሪ ሓምለዋይ አሰር ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት 700 ሽሕ ንዝኾኑ ዜጋታት ዕድል ስራሕ ከምዝተፈጠረ ሚኒስቴር ግብርና ኣፍሊጡ።

 

አዲስ አበባ/ነሓሰ/24/2015/ኢዜአ/ብመርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ዓሻራ ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት 700 ሽሕን ንዝኾኑ ዜጋታት ዕድል ስራሕ ከምዝተፈጠረ ሚኒስቴር ግብርና ኣፍሊጡ።

ኣብ ሚኒስቴር ግብርና መራሒ ፈፃሚ ስራሕ ሓለዋን ኣጠቓቕማን ልምዓት ሃፍቲ ተፈጥሮ ኣይተ ተፈራ ታደሰ  ከምዝገለፅዎ፤ ክሳብ ሕዚ ብመርሃ ግብሪ ሓምለዋይ አሰር ኣስታት 700 ሽሕ ንዝኾኑ ዜጋታት ዕድል ስራሕ ተፈጢሩ ነዚ ንምዕባይ 'ውን ስራሕቲ ክስራሕ 'ዩ።

ኢትዮጵያ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ አሰር ጀሚራ ናብ ስራሕ ካብ ትኣትው ሕዚ ኣብ መበል ሓምሻይ ዓመት ከምትርከብ ዝተዛረቡ እቶም  ፈፃሚ፤ ኣብዞም ዓመታት ሃገር በቆል ፈልስታት፣ ንደኒ ዘገልግሉ ተኽልታት፣ ፍራምረን ካልኦትን ተኽልታት ንኽለምዑ ከምዝተገበረ ተዛሪቦም።

በቲ መርሃ ግብሪ ዛጊድ ኣብ ዘለዉ እዋናት 30 ቢሊዮን ፈልስታት ተተኺሎም። በዚ 'ውን ፈልሲ ካብ ምፍላስ፣ ምትካል፣ ጉድጓድ ምኹዓትን ምክንኻንን ኣብ ዘለዉ ስራሕቲ ከምኡ 'ውን ምስዚ ኣብ ዝተተሓሓዙ ስራሕቲ ዜጋታት ንኽሳተፉ እናተገበረ ይርከብ።

ከም መብርሂ ኣይተ ተፈራ፤ ብርክት ዝበሉ ዜጋታት ንሓምለዋይ አሰር ዝውዕል ዘርኢ እፅዋት ኣብ ምቕራብ፤ ኣብ ጣብያታት ፈልሲ ተቖፂሮም ብምስራሕን ዕድል ስራሕ ምርካቦምን .አረዲኦም

ብሓፈሻ ብመርሃ ግብሪ ሓምለዋይ አሰር ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት 700 ሽሕ ንዝኾኑ ዜጋታት ዕድል ስራሕ ከምዝተፈጠረ ሚኒስቴር ግብርና ኣፍሊጡ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም