ኣፍሪካ ኣብ ጉባኤ ነባሪ ኣየር ውድብ ሕቡራት መንግስታት (ኮፕ28) ለውጢ ነባሪ ኣየር ንምክልኻል ሓደ ድምፂ ክተስምዕ 'ያ - ሕብረት ኣፍሪካ ።



 

አዲስ አበባ/ሕዳር/18/2016/ኢዜአ/ኣፍሪካ ኣብ ጉባኤ ነባሪ ኣየር ውድብ ሕቡራት መንግስታት (ኮፕ28) ለውጢ ነባሪ ኣየር ንምክልኻል ሓደ ድምፂ ክተስምዕ ' ክብል ሕብረት ኣፍሪካ ገሊፁ።

ጉባኤ ነባሪ ኣየር ውድብ ሕቡራት መንግስታት (ኮፕ28) ኣብ ዱባይ ሕቡራት ዓረብ ኤምሬት ድሕሪ ፅባሕ ክጅመር 'ዩ።

ኣብቲ ጉባኤ ለውጢ ነባሪ ኣየር ንምክልኻል ዝተበፅሑ ስምምዕነታትን ድንጋገታትን ተግባራዊነቶም ኣብ ምንታይ ከምዝበፅሐ ክግምገም 'ዩ።

ጎናጎኒ 'ውን ሃገራት ለውጢ ነባሪ ኣየር ንምፅዋር ብፍላይ መማረፅታት ተሓደስቲ ሓይልታት ኣብ ምስፋሕ እናተሰርሑ ዝርከቡ ስራሕቲ ኢሂን ሚሂን ክግበረሎም 'ዩ።

ኣብ ምዕባይ ዝርከባ ሃገራት ብለውጢ ነባሪ ኣየር ንዝበፅሐን ሓደጋ ንምፅዋርን ስግግር ሓይሊ ንኽገብራን ኣብ ዘኽእሉ ቐረባት ፋይናንስ 'ውን እቲ ጉባኤ ጠመተ ክገብር ' ተባሂሉ።

ብተወሳኺ 'ውን ኣብቲ ጉባኤ ለውጢ ነባሪ ኣየር ንምክልኻል ሃገራት ሓዱሽ ማዕቀፍ ምትሕብባር ክፈጥራ ከምዝኽእላ 'ውን ብአጋኡ ዓብዪ ግምት ተዋሂብዎ።

ነቲ ጉባኤ ምኽንያት ብምግባር  ዳይሬክተር ግሪን ዎል ኢንሼቲቭ ሕብረት ኣፍሪካ ኢልቪስ ፖል ከም ዝበልዎ ኣፍሪካ ኣጀንዳኣ ኣብቲ ጉባኤ ብሓደ ድምፂ ክተስምዕ ' ኢሎም።

እቲ ጉባኤ ቅድሚ ሕዚ ኣብታ ኣህጉር ለውጢ ነባሪ ኣየር ንምፅዋር ዝተበፅሑ ስምምዕነታት ናብ ተግባር ንምቕያርን ኣብቲ ዘፈር ቐረብ ፋይናንስ ንምስፋሕፋሕን ዕድል ከምዝፈጥር ገሊፆም።

ምጣነ ምውሳኽ ዋዒ ዓለም ብማእኸላይ ካብ ሓደ ነጥቢ ሓሙሽተ ክሳብ ክልተ ዲግሪ ሴልሽየስ ንምብፃሕ ዝተበፅሐ ስምምዕነት ፓሪስ ዕላዊ ንምግባር ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2030 ምጣነ ሰደድ በካሊ ጋዝ ዓለም ካብ 28 ክሳብ 40 ሚኢታዊ ክንክይ ከምዘለዎ መረዳእታ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ይሕብር።

ኣብ ዱባይ ሕቡራት ዓረብ ኤምሬት 20 ሕዳር ዝጅምር ጉባኤ ነባሪ ኣየር ውድብ ሕቡራት መንግስታት (ኮፕ28) ክሳብ 2 ታህሳስ 2016 . ክፀንሕ 'ዩ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም