መንግስቲ ማሕበራዊ፣ ለውጢ ከባብያዊ ኣየርን ኢኮኖሚያውን ዕቤት ዘላቒ ንክኸውን ብቆራፅነት እናሰርሐ እዩ-ዶክተር ፍፁም ኣሰፋ

 

ኣዲስ ኣበባ/ነሓሰ 27/2015 (ኢዜኣ) መንግስቲ ማሕበራዊ፣ ለውጢ ከባብያዊ ኣየርን ኢኮኖሚያውን ዕቤት ዘላቕነት ንክህልዎም ብቆራፅነት እናሰርሐ ምዃኑ ሚኒስትር ፕላንን ልምዓትን ዶክተር ፍፁም ኣሰፋ ገሊፀን።

ሚኒስትር ፕላንን ልምዓትን ዶክተር ፍፁም ኣሰፋ ምስ ተወከልቲ ኤጀንሲ ዓለም ለኸ ምትሕብባር ኮሪያ (KOICA) ኢንስቲትዩት ዓለም ለኸ ልምዓት ሓምለዋይ (GGGI) ኣብ ቤት ፅሕፈተን ተዛትየን።

ኣብቲ ዘተ፤ ፕሬዚዳንት ኤጀንሲ ዓለም ለኸ ምትሕብባር ኮሪያ (KOICA) ዳይሬክተር ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ኮሪያን ኪም ሂ፣ዋና ኣማኻሪ ኤጀንሲ ዓለም ለኸ ምትሕብባር ኮሪያ(ኮይካ) ሆንግ ሊል ፖ፣ኣማኻሪ ፕሮግራም ኮይካ ኣብ ኢትዮጵያ ቤተል ተረፈን ተወካሊ ኢንስቲትዩት ዓለም ለኸ ልምዓት ሓምለዋይ ሶንግ ፊል-ጉንን ከምኡ እውን ካልኦት ተወከልቲ ኢንስቲትዩት ዓለም ለኸ ልምዓት ሓምለዋይ ተረኺቦም።

እቲ ዘተ፤ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ከባብታት ከተማ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ንምፅዋር ተፈጥሮ መሰረት ዝገበሩ መፍትሕታት ንምጥቃም ኣብ ዘኽእል ፕሮጀክት ዘተኮረ ምዃኑ ተገሊፁ።

እቲ ፕሮጀክት ምስ ዝተፈላለዩ ሃገራዊ ማዕቐፋት ልምዓት ብፍላይ ድማ ንለውጢ ከባብያዊ ኣየር ዘይቃላዕ ስትራቴጂ ሓምለዋይ ኢኮኖሚ (CRGE)፣ትልሚ ልምዓት 10 ዓመትን ካልኦት ማዕቐፋትን ሓቢሩ ክኸይድ ከምዝኽእል እቲ ሚኒስቴር ሓቢሩ።

ሚኒስትር ፕላንን ልምዓትን ዶክተር ፍፁም ኣሰፋ፤ መንግስቲ ማሕበራዊ፣ ለውጢ ከባብያዊ ኣየርን ኢኮኖሚያውን ዕቤት ዘላቕነት ንክህልዎም ብቆራፅነት እናሰርሐ ምዃኑ ገሊፀን።

ተወከልቲ ኤጀንሲ ዓለም ለኸ ምትሕብባር ኮሪያ (KOICA) ኢንስቲትዩት ዓለም ለኸ ልምዓት ሓምለዋይ (GGGI) ብግደኦም፤ እቲ ፕሮጀክት ትራንስፎርሜሽን ሓምለዋይ ከተማ ንምምሕያሽን ዓቕሚ ምፅዋር ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ንምዕባይን ኣብ ዝተመረፁ ከተማታት ኢትዮጵያ ተግባራዊ ከምዝግበር ገሊፆም።

እቲ ፕሮጀክት 6 ዓመታት ከምዝውድእን ኣብ ከተማታት ኣዲስ ኣበባን ጅማን ከምዝትግበርን ካብቲ ሚኒስቴር ዝተረኸበ ሓበሬታ የመላኽት።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም